ሱዳን፡ ሰለስተ መራሕቲን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ክለኣኹ፡ ኬንያ 3 ሽሕ ዜጋታታ ከተውጽእ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዞባዊ ውድብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ - ኢጋድ፡ ነቶም ኣብ ውግእ ዘለዉ ተቐናቐንቲ ወተሃደራዊ ሓይልታት ንምሽምጋል ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ናብ ሱዳን ብቕልጡፍ ንምልኣኽ ከምዝወጠነ ኣፍሊጡ።
እቲ ጕጅለ ብሰንበት ብማንዛ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ንፕረዚደንታት ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ጂቡትን ናብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ክሰድድ ተሰማሚዑ’ሎ።
ብተወሳኺ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጐ ተጻባእቲ ወገናት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ግጭት ሱዳን ንምዕራፍ ኣብ ዝግበር ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት፡ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃመት ሎሚ ሰኑይ ናብ ሱዳን ተጓዒዙ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ክሽምግል ትጽቢት ይግበር።
ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ተዓጽዩ ብምህላዉ ግን ነቲ ጻዕሪታት ሰላም ከቢድ ዕንቅፋት ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዘስግእ።
ተዋጋእቲ ሓይልታት ተዅሲ ደው ከብሉ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ልመና'ኳ እንተቕረበ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን (RSF) ዝካየድ ውግእ ግን ሎሚ ሰኑይ ‘ውን ቀጺሉ ይርከብ።
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ መራሕቲ ኢጋድ ኣብ ካርቱም ሰላም ንምምላስ ጽኑዕ መርገጺ ክሕዙ ሓቲቱ ኣሎ።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ሰለስተ ሰራሕተኛታቱ ምስተቐተሉን ሓንቲ ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት ብኸቢድ ድሕሪ ምህሳያን ስርሑ ደው ከብል ተገዲዱ።
ኬንያ 3 ሽሕ ዜጋታት ክተውጽእ
ኬንያ ኣብ ቅልውላው ሱዳን ዝተቐርቀሩ 3 ሽሕ ዜጋታታት ካብቲ ቦታ ከተውጽእ ምዃና ኣፍሊጣ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ኣልፍረድ ሙቱዋ ከምዝሓበሮ፡ ብውሕዱ 3 ሽሕ ኬንያውያን ኣብ ውግእ ሱዳን ተቐርቂሮም ኣለዉ።
ንሱ፡ "ነገራት ምስ ዘሓለ" ነቶም ዜጋታት ንምውጻእ፡ መንግስቲ ምስ ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ኬንያ ዝርርብ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።
"ምስ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲና ንራኸብ ኣለና፣ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብኡ ተዓጽዮም ዘለዉ ኬንያውያን ድማ ክንሕግዞም ኢና" ኢሉ።
ዝተቐተሉ ኣስታት 100 በጺሖም
ማሕበር ሓካይም ሱዳን ከምዝሓበሮ፡ ኣብ መንጐ ሰራዊትን ተቐናቓኒ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣስታት 100 ሲቪላት ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ።
እቲ ግጭት ሎሚ ሰኑይ ሳልሳይ መዓልቱ ኰይኑ'ሎ።
ሎሚ ሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዘየቋርፅ ተዅሲ ይስማዕ ምህላዉ ነበርቲ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ኣብ መላእ ሱዳን ኣብ ካልኦት ከተማታት’ውን ምልውዋጥ ተዅሲ ተራእዩ’ሎ።
ክንደይ ወተሃደራት ከምዝተቐትሉ’ኳ እንተዘይተፈለጠ ሬሳታት ግን ኣብ ጐደናታት ወዲቘም ከይተላዕሉ ከምዝተረፉ ይንገር።
ብዙሕ ንብረትን መካይንን ድማ ዓንዩ።
መራሕቲ እቲ ዞባ፡ ነቲ ኵሉ ዓይነት ስርሒታት ረድኤት ደው ክብል ዘገደደ ውግእ ከህድኡ ንምፍታን፡ ሎሚ ሰኑይ ናብ ሱዳን ክገሹ ትጽቢት ይግበር።
እታ ሃገር ብኸቢድ ድርቂ ስለዝተሃሰየት ሰፊሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልያ'ውን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
