ንኔልሰን ማንዴላ ካብ ሞት ዘትረፉ ኢትዮጵያዊ ሻምበል ጉታ ዲንቃ

እቲ ኵነታት ቅድሚ 60 ዓመት እዩ ተፈጺሙ። ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ኰይነን ናጽነተን ንምርካብ ኣበርቲዐን ዝቃለሳሉ እዋን’ዩ ነይሩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ዓድዋ ንጣልያን ምስዓራ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ጸለምቲ ንጸዓዱ ክስዕሩ ከምዝኽእሉ ከም መርኣያ ወሲደናኦ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝካየዱ ካብ ዝነበሩ ቃልስታት እቲ ሓደ ምንቅስቓስ ጸረ-ኣፓርታይድ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ኣብዚ ድማ ግደ ኔልሰን ማንዴላ ዓቢይ ነበረ።
ማንዴላ፡ ኣብ 1954 ዳዊት ማትሶማይ ዝብል ስም ዘለዎ ፓስፖርት ተዋሂብዎ፡ ስርሑ ከም ጋዜጠኛ ተጠቒሱ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስድ ናብ ኢትዮጵያ መጽአ።
ቅድሚ ታዕሊም ምውሳዱ ግን ኢትዮጵያ ኣሰልጣኒን ሓለዋን ንምሻም ትሸባሸብ ነበረት። ካብ ሽዑ ድማ እዩ ዛንታ ሻምበል ጉታ ዲንቃ ዝጅምር።
ጉታ ዲንቃ ዳብሱ፡ ኣብ 1928 [ግእዝ] ኣብ ከባቢ ምዕራብ ሽዋ ቶኬ ሌንጫ ጊዮርጊስ'ዮም ተወሊዶም። ስልጠና ፖሊስ ወሲዶም እናሰርሐ ከለዉ ከኣ ኣብ 1953 [ግ] ሓደ ዝተፈለየ ዕድል ረኸቡ።
ቅድሚኡ ተመዲቦም ይሰርሑሉ ኣብ ዝነበረ ማርሽ ባንድ ፖሊስ ውጽኢታዊ ብዘይምንባሮም ንሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ናይ ኮማንዶ ታዕሊም ተለኣኹ። ኣብቲ እዋን እቲ ስልጠና ኮማንዶ ብእስራኤላውያን እዩ ዝወሃብ ነይሩ።
እቲ ስልጠና ድማ ንኣቶ ጉታ ናብ ጽቡቕ ዕድልን ብድሆን ዘእትዎም ኮነ።
ሓልፍነት ሓለዋ ኔልሰን ማንዴላ
ኔልሰን ማንዴላ ቅድሚ 60 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ዘመነ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንወተሃደራዊ ታዕሊም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመጸ ንውልቀ ህይወቱ ኣብ ዘዘንቱ መጽሓፉ ዝሰነዶ ታሪኽ እዩ።
ማንዴላ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኮልፌ ታዕሊም ወሰደ።
ንልምምድ ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምምጽኡ፡ እቲ 'ኤኤንሲ' ብዝብል ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ውድቡ ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ብተወሳኺ ወተሃደራዊ ክንፊ መስሪቱ ነይሩ።
"ሃጸይ ሃይለስላሴ ምስ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ጽቡቕ ምሕዝነት ስለዝነበሮ፡ ኔልሰን ማንዴላ ብሚስጥር መጺኡ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጠና ንኽወስድ ንጀነራል ታደሰ ብሩ ትእዛዝ ተዋሂቡ" ይብሉ ሻምበል ጉታ።
ሓደ መዓልቲ ጉታ ብሓለቓኦም ከምዝድለዩ ተነግሮም።
ኣብቲ ዝተጸውዑሉ ቤት ጽሕፈት ምስ በጽሑ፡ ሓለቓ ሚእቲ ፈቃዱ ወንድሙን ሓለቓ ሓምሳ ደበበ እሸቴን ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኮፍ ኢሎም ክፅበዩ ፀንሑ።

ምንጪ ስእሊ, MAYIBUTE ARCHIVES
"ጀነራል ታደሰ፡ 'ዓቢይ ጋሻ ናብ ሃገርና መጺኡ ኣሎ። ኣብዚ ደምበ ምስጢራዊ ቦታ ተዳልዩሉ ኣሎ። ስለዚ ነዚ ዓቢይ ሰብ ናይ ምሕላው ልዑል ደረጃ ምስጢር ዝሓትት ሓላፍነት ተዋሂቡኩም ኣሎ’ ኢሉና” ይብሉ።
በዚ መልክዕ ኮሎኔል ፈቃዱ ዋኬኔ ኣሰልጣኒ ማንዴላ ከምኡ'ውን ሓለቓ ሚእቲ ፈቃዱ ወንድሙ ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ፡ መራሒ መኪናን ተርጓሚን ኰይኖም ተመዲቦም።
ሻምበል ጉታ ዲንቃን ሓለቓ ሓምሳ ደበበ እሸቴን ድማ ንማንዴላ በብእብረ ክሕልዉ፡ ብጀነራል ታደሰ ብሩ መመርሒ ተወሃቦም።
ውዲት ቅትለት ኔልሰን ማንዴላ
ማንዴላ ስሙን ሞያኡን ብምቕያር መንነቱ ክሓብእ እንተፈተነ እውን፡ መራሕቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ግን ፈሊጦም ነይሮም።
ስለዚ ውጥን ማንዴላ ንምስንኻል መደብ ሒዞም፡ ወከልቶም ናብ ኢትዮጵያ ሰደዱ።
ወከልቶም እውን ንማንዴላ ክቐትልዎ መደብ ኣውፅኡ። ውጥኖም ማንዴላ ኣብ ዝደቀሰሉ ቦታ ብገመድ ሓኒቑ ዝቐትል ሰብ ብገንዘብ ምግዛእ እዩ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣዒንቶም ናብ ሻምበል ጉታ ዲንቃ ዓለበ። ብዙሕ ገንዘብ ድማ ኣቕረቡሎም።
"ንሰለስተ ኣዋርሕ ብእስራኤላውያን ስልጠና ኮማንዶ ክንወስድ ከለና፡ ሓደ ኣብርሃም ዝተባህለ ኤርትራዊ ዓርኪ ነይሩኒ። ቀደም ብሓባር ንልማመድ ስለ ዝነበርና ኣዚና ኢና ንፋቶ። ለካስ ንሱ ይስልየና እዩ ነይሩ። ማንዴላ ኣብዚ ከምዘሎን ኣነ ሓላዊኡ ምዃነይን ብገለ መንገዲ ፈሊጡ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ፒያሳ ምሳሕ ክጋብካ ይብለኒ። ኣብታ መዓልቲ ንማንዴላ ዝሕልወሉ እብረ ከምዘይኮነ ይፈልጥ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብ ጣይቱ ሆቴል ተራኺብና ምስ በላዕና ምስ ክልተ ሰባት ኣላልዩኒ። ሓደ ጻዕዳ ሓደ ጸሊም” ይበሉ ሻምበል ጉታ ነቲ ኵነታት ብምዝካር።
በሊዖም ሰትዮም ምስ ወድኡ ኣብርሃም ንሻምበል ጉታ ሓደ ዘሰንብ ነገር ነገሮም።
“’እሞ ጉታ ኣነን ንስኻን ኣዕሩኽ ኢና። ካብ ውትህድርና ሓራ ዘውጽኣና ነገር ተረኺቡ ኣሎ። ክትቅበሎ ዲኻ?’ ኢሉ ሓተተኒ። ‘ሎተሪ ተዓዊካ ዲኻ?’ ኢለ እውን ሓተትክዎ። ሽዑ ኣብርሃም ‘እቲ ጕዳይ ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። እንተፈሊጥናሉ ክንገብሮ ንኽእሎ ነገር እዩሞ ቃል እተወለይ’ ይብለኒ፣ ዝከኣለኒ እንተዀይኑስ ሐራይ በልክዎ" ይብሉ።
ኣስዒቦም " ‘እምበኣር መስኮት ኣቲኻ ነቲ ትሕልዎ ዘለኻ ሰብ በቲ ዝተማሃርካዮ ቅዲ ኮማንዶ ሓኒቕካ ትቐትሎ፤ ድሕሪ ምማቱ ድማ ነቲ ሬሳ ክልተ ግዜ ስእሊ ትስእሎ፤ ነዚ ክትገብር ካሜራ ክወሃበካ'ዩ። ድሕሪ'ዚ፡ ካብ መዓስከር ሰራዊት ወጻኢ ኣብ ዝተዳለወት መኪና ብሞያለ ኣቢልና ክንወጽእ ኢና' ኢሉ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ነገር ነጊሩኒ" ክብሉ የዘንትዉ።
ሻምበል ጉታ ንማንዴላ ምስ ቀተሉ ናብ ዝደለይዋ ኣውሮጳዊት ሃገር ከይዶም ዝነብሩሉ 2000 ፓውንድ ጥረ ገንዘብ ብመልክዕ ህያብ ተዳልዩሉም ነይሩ።
ናይ ውሽጦም ብውሽጦም ብምሓዝ በቲ ውጥን ተሰማምዑ'ሞ ነቲ 2000 ፓውንድን ካሜራን ተቐቢሎም ናብ እንዳ ጀነራል ታደሰ ብሩ ኣምርሑ።
ፍሽለት ውዲት ቅንጸላ
"ቀልጢፈ ናብ ገዛ ጀነራል ታደሰ ኸይደ፡ ንኔልሰን ማንዴላ ንምቕታል ውዲት ከም ዘሎን ከም ዝተሰማምዕኩን ነጊረዮ። ጀነራል ታደሰ ክኣምነኒ ኣይከኣለን። ኔልሰን ማንዴላ ኣብዚ ከምዘሎ ብኸመይ ፈሊጦም ዝብል ሕቶ ፈጢሩሉ 'መስለኒ። ንማንዴላ ድሕሪ ምቕታል ብሞያለ ኣቢልና እንሃድመላ መኪና ከምዝተዳለወትን እቲ መራኸቢ ቦታ እውን ኣብቲ ካብ መዓስከር ሰራዊት 500 ሜትሮ ርሒቝ ዝርከብ ጫካ ከም ዝዀነን ነጊረዮ” ይብሉ።
ጀነራል ታደሰ ግዜ ከይወሰደ ሓደ ስርሒት ንምክያድ ወሰነ። ነቶም ክልተ ኣሰልጠንትን ሓለውትን ማንዴላ ኣኪቡ ድማ መደብ ኣውጽአ። ፈቃደ ወንድሙን ደበበ እሸቴን ኣብቲ ዝተባህለ ቦታ ቀዲሞም ክጽበዩ ተገበረ።
ካልኦት ክልተ ወተሃደራት ከኣ ሻምበል ጉታ ዲንቃ ዝተማረኹ ኣምሲሎም ብካቴና ኣሲሮም ብቐጥታ ናብቲ እቶም ሰባት ዝጽበዩሉ ቦታ ወሰዶምዎም።
ብመሰረት ስምምዕ ሻምበል ጉታን ኤርትራዊ ኣብርሃምን፡ ኔልሰን ማንዴላ ኣብታ ምሸት ክቕተልን ሽዓ ለይቲ ብሞያለ ኣቢሎም ክጠፍኡ እዩ እቲ ውጥን።
ሻምበል ጉታ ሓሳቦም ከይቅይሩ ኣብ ቤተክርስትያን ተራኺቦም ንኽምሕሉሉ ኣብርሃም ከምዝሓተቶ ይዝክሩ።
ካብ እንዳ ጀነራል ታደሰ ብሩ ምስ ተመልሱ ድማ ሰዓት 12 ኣጋግዘ [06፡00] ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጳውሎስ ንኣብርሃም ይምሕሉሉ።
ብሓሶት ስለዝመሓሉ ፈጣሪ ይቕረ ንኽብሎም ከምዝጸለዩ'ውን ሻምበል ጉታ የዘንትዉ።
ብመሰረት ጀነራል ታደሰ ብሩ ዝሃቦም መምርሒ፡ ክልተ ወተሃደራት ንሻምበል ናብቲ ንማንዴላ ምስቀተሉ ምስቶም ሰባት ክራኸቡ ዝተቛጸሩሉ ቦታ ሒዞምዎም ከዱ።
ኣብታ ሰዓት ናብቲ ቦታ ዝበፅሑ እቶም ወተሃደራት ነቶም ክልተ ወጻእተኛታትን ንኣብርሃምን ኣብ ቀይዲ ኣእተውዎ።
እቶም ሰባት "ሻምበል ጉታ እዩ ኣሲሩና" ንኸይብሉ ሻምበል እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስኦም ሓደሩ።
"እቲ ብጀነራል ታደሰ ዝተዳለወ ምስጢራዊ ስርሒት በዚ መንገዲ ተዛዚሙ ማንዴላ ድማ ብህይወት ተሪፉ" ይብሉ ጉዳ ዲንቃ።
ሃጸይ ሃይለስላሰ ብዛዕባ'ቲ ፈተነ ቅትለት
ሻምበል ጉታ ከም ዝብልዎ፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ማንዴላ ዝተወጠነ ፈተነ ቅትለት ጉታ ዲንቃ ብዝተባህለ ወተሃደር ከም ዘፈሸለ ብጀነራል ታደሰ ብሩ እዩ ተሓቢርዎም።
እቲ ምስጥር ንኸይወዓዋዕ ድማ ሃጸይ ሃይለስላሰን ጀነራል ታደሰን ስቕታ መሪጾም።
ሽዑ እቶም ክልተ ወጻእተኛታት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጹ ተፈቒዱሎም።
ኣብርሃም ብመሰረት ወተሃደራዊ ሕጊ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ናብ ዶብ ተላኢኹ።
ሻምበል ጉታ ዕብየት እንተተዋሂብዎም እቲ ሚስጥር ክስማዕ ስለዝኽእል ከይተዋህቦ ተረፈ።
"ኣብቲ ሽዑ እዋን ነቲ ገንዘብ ወሲደ ኣብ ዝደለኽዎ ሃገር ከይደ ክመሃር ይኽእል ነይረ። ግን ንማንዴላ ኣዝየ እየ ዝፈትዎ። ማንዴላ ንናጽነት ይቃለስ ስለ ዝነበረ፡ ንሕና'ውን ኣብ ሜጫን ቱለማን ብዛዕባ ናጽነት ንዘራረብ ስለዝነበርና ገለ ነገራት የድልየና ነይሩ። ብተወሳኺ ድማ ኣዛዚየይ ኣዝዩ እዩ ዝፈትወኒ ነይሩ። ኣሚኑኒ እዩ ነዚ ስራሕ ዝሃበኒ። እቲ መጀመርታ ናብቲ ስራሕ ክኣቱ ከለኹ ዝሃበኒ ማዕዳ እውን ኣብ ልበይ እዩ ነይሩ" ብምባል ነቲ ፈተነ ቕትለት ስለምንታይ ከምዘይተቐበልዎ የረድኡ።
"ሽዑ . .'እቲ ሎሚ ትሕልውዎ ሰብ ዓቢ ሰብ እዩ። ሓደ መዓልቲ ብዛዕባኡ ክትፈልጡ ከለኹም ንዕኡ ብምሕላውኩም ክትሕበኑን ኢኹም' ኢሉና። ንማንዴላ ቀቲለ ስም ሃገረይ ከጸልም እውን ኣይደለኹን" ክብሉ ወሲኾም ይገልፁ።
'ጀነራል ታደሰ 250 ብር ሸሊሙኒ'
ሻምበል ጉታ ማንዴላ ከይቅተል ስለዝገበሩ ካብ ጀነራል ታደሰ ሽልማት ረኺቦም'ዮም።
"ደዊሉ 'ታሪኽ ሰሪሕካ፤ ቀደም ይፈልጠካ ነይረ ጅግና ኢኻ። ካብቶም ደቀይ ከም ሓደ እየ ዝርእየ'” ኢሉ ድማ ካብ ጅባኡ 250 ብር ኣውጺኡ ሂቡኒ” ይብሉ።
ኣብቲ እዋን ጀነራል ታደሰ ብሩ ሓላፊ ናይ ሓደ ወለዶም ኣብ ዓውደ ውግእ ዝሞትዎም ቈልዑ ዘዕቢ ትካል ከምዝነበረ ዝዝክሩ ጉታ ዲንቃ፡ ካብቶም ማንዴላ ክቕተል ዝፈተኑ ሰባት ዝተረኸበ 2000 ፓውንድ ነቲ ትካል ከምዝተወፈየ ይገልጹ።
"እታ ካሜራ ግን ኣበይ ከም ዘቐምጥዋ ኣይፈልጥን" ይብሉ።
ሻምበል ጉታ ኣብ 1981 [ግእዝ] ጡረታ ክሳብ ዝወጽኡ ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራት ተሰሊፎም ንሃገሮም ኣገልጊሎም እዮም።
ወዲ 87 ዓመትን ኣቦ ሸውዓተ ውሉዳትን ዝዀኑ ሻምበል ጉታ ኣብ ሓዳሮም 60 ዓመታት ኣቝጺሮም ኣለዉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
