ቱር ዲ ፍራንስ ሎሚ ክዛዛም’ዩ፡ ቪንገጋርድ ብጫ ማልያኡ ኣውሒሱ

ጆናስ ቪንገጋርድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጆናስ ቪንገጋርድ ኣብ ብጫ ማልያ ንመወዳድርቱ ታደጅ ፖግካር ብ3 ደቂቕን 34 ካልኢትን ማሕዲግሉ ኣሎ።
Published

ጆናስ ቪንገጋርድ ኣብ መበል 20 መድረኽ ዙር ፈረንሳ፡ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ንዎት ቫን ኣርት ተኸቲሉ ካልኣይ ኰይኑ ብምዝዛሙ፡ እታ ለቢስዋ ዝቐነየ ብጫ ማልያኡ ብገፊሕ ፍልልይ ዓቒብዋ ናብ መዛዘሚ መድረኽ ክኣቱ’ዩ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ውድድር፡ ካብቲ ንውድድሩ ብ47 ደቒቕን 59 ካልኢትን ዝዛዘመ  ቫን ኣርት ብ19 ካልኢት ድሒሩ ዝዛዘመ ዴንማርካዊ ጆናስ ቪንገጋርድ ኣብ ብጫ ማልያ ንመወዳድርቱ ታደጅ ፖግካር ብ3 ደቂቕን 34 ካልኢትን ማሕዲግሉ ኣሎ።

ወዲ 25 ዓመት ተቐዳዳማይ ክለብ ጃምቦ ቪዝማ፡ ጆናስ ቪንገጋርድ ትማሊ ካልኣይ ድሕሪ ምውጽኡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ንዓይ እዚ ዓወት ኵሉ ነገር እዩ፡ ኣዝዩ ዘሐብንን ብቓላት ዘይገልጾን ድማ’ዩ፡ ኣብ ብሽክለታ ዘመዝገብክዎ ዝዓበየ ዓወት’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ውድድር ንብጫ ማልያ ካልኣይ ኰይኑ ዝዛዘመ ጆናስ ቪንገጋርድ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካልኣይ ኰይነ ጸወታይ ምስ ዛዘምኩ፡ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ከምዝኽእል ክኣምን ጀሚረ፣ ሕጂ ኣብ ከምዚ ደረጃ ምብጽሐይ ከኣ እፎይታ ዝፈጥር’ዩ፡ ኣዝየ ተሓቢነን ተሓጒሰን’የ ዘለኹ” ኢሉ።

ቪንጋገርድ ናብዚ ሎሚ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝካየድ ናይ 115.6 ኪሎሜተር መዛዘዘሚ መድረኽ፡ ሕማም ወይ መውደቅቲ እንተዘየጓኒፍዎ ነቲ ኣብ ብጫ ማልያ ኣውሒስዎ ዘሎ ናይ ልዕሊ 3 ደቒቕ ፍልልይ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክምንጠል’ዩ ዝብል ግምት የለን።

በዚ መሰረት፡ ናይ ሎሚ መዛዘሚ ጸወታ መን ተዓወተላ ንምርኣይ’ምበር ኣብ ማልያ ዝመጽእ ፍልልይ ከምዘይህሉ ዳርጋ ርግጽ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ መበል ዕስራ መድረኽ ኣብ ዝነበረ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ነቲ ዓሚ ንቱር ዲ ፍራንስ ዝተዓወተሉ ፖጋካር ናይ ሰለስተ ደቒቕን 26 ካልኢትን ጸብለልታ ግዜ ሒዙሉ’ዩ ናብ ውድድር ኣትዩ። ፓጋካር ነቲ ዝነበረ ገፊሕ ፍልልይ ከጽብብ’ኳ ትጽቢት እንተነበረ፡ ብኣንጻሩ ጆናስ ቪንገጋርድ ነቲ ፍልልይ ከግፍሖ’ዩ ተራእዩ።

ኣብ ናይ ትማሊ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ተቐዳደምቲ ጁምቦ ቪዝማ ንዎት ቫን ኣርትን ጆናስ ቪንገጋርድን ቀዳማይን ካልኣይን ኰይኖም ጸወታኦም ምዝዛሞም፡ ጆምቦ ቪዝማ በጺሓቶ ዘላ ድንቂ ብቕዓት ዘመስክር’ዩ ነይሩ።

ንመበል 20 መድረኽ ዝተዓወተሉ ቫን ኣርት ድሕሪ ዓወቱ፡ “ኣዝየ ተሓጒሰ ኣለኹ፡ ናይ ሎሚ ውድድር [መበል 20 መድረኽ] ዳርጋ ሕልሚ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ ዘሎ፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንታት ኣብ ጽቡቕ ኣቃውማ ዝርከቡ ደቂ ጋንታይ ኣዝየ አመስግኖም፡ ክትኣምኖ ዘጸግም ብቕዓት’ዮም ዘርእዩ ዘለዉ” ኢሉ።

ኣብ ብጫ ማልያ ዝመርሑ ዘለዉ

1. ጆናስ ቪንገጋርድ ክለብ ጁምቦ ቪዝማ 76 ሰዓታት፡ 33 ደቒቕ፡ 57 ካልኢት

2. ታደጅ ፖጋካር ክለብ ዩኤኢ 3 ደቂቕን 34 ካልኢት ድሒሩ

3. ግሪይንት ቶማስ ክለብ ኢኖይስ 8 ደቒቅን 13 ካልኢትን ድሒሩ 

ኣብ ቀጠልያ ማልያ’ውን፡ ንመበል 20 መድረኽ ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ ጋንታ ጃምቦ ቪዝማ ቫን ኣርት’ዩ ሒዝዋ ዘሎ።

ታደጅ ፖጋካርን ጆስፐር ፍሊፕስን፡ ካልኣይ ሳልሳይን ኰይኖም ይስዕብዎ፡ እንተዀነ እቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ፡ ቫን ኣርት ብዘይ ስክፍታ እዩ ዓቒብዋ ውድድሩ ክዛዝም።

ንንጉስ ዓቐበት ትውሃብ ነጠብጣብ ዘለዋ ማልያ፡ እቲ ንቢጫ ማልያ ዓቒቡ ዘሎ ጆናስ ቪንገጋርድ ብ72 ነጥቢ'ዩ ሒዝዋ ዘሎ።