ዋንጫ ዓለም 2022፡ ኣብ ቐጠር ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ሆቴላትን ብዝሒ ልቐት ካርቦንን

Published

ቐጠር ዋንጫ ዓለም ንኸተዳሉ ካብ ዘቕረበቶ መእመኒ ሓሳባት ሓደ፡ እቲ ውድድር ልቐት ካርቦን ዘይብሉ ክገብሮ’የ ዝብል’ዩ ነይሩ። እንተዀነ ተጣበቕቲ ክሊማዊ ለውጢ እዚ ኣብ ባይታ የለን ብምባል ብሰነድ ኣደጊፎም ኣቕሪቦሞ ኣለዉ፤ እሞ ደኣ ቐጠር ቃላ ኣየኽበረትን ክብሃል ይከኣልዶ?

ብሰንኪ ኣብ ቐጠር ዘሎ ሕጽረት ሆቴላት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዋንጫ ዓለም ንምዕዛብ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ገያሾ፡ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ትርከበን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እናኸዱ ይድቅሱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ነቶም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝድቕሱ ዘለዉ ተዓዘብቲ፡ ካብን ናብን ቐጠር ንምምልላስ መዓልታዊ ልዕሊ 500 በረራታት ይግበር ከምዘሎን፡ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ውን መዓልታዊ ኣስታት 120 በረራታት ናብ ቐጠር ይካየድ ምህላዉን፡ እቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ይሕብሩ።

ንተዓዘብቲ ንምምልላስ ካብን ናብን ቐጠር ኣብ ዝግበር በረራታት ክሳብ ክንደይ ልቀት ካርቦን የኸትል ኣሎ መጽናዕቲ ተኻይድሉ ኣሎ።

እዚ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ትካል ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ እዚ ዓቐኑ ዝሓለፎ በረራታት ዋንጫ ዓለም ካብ ዝጅመር መዓልታዊ ካብ 6000 ክሳብ 8000 ቶን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ንኽፍጠር ምኽንያት ኰይኑ ምህላዉ የመልክት።

ካህልድ ድያብ ዝበሃል ሓደ ካብቶም ምርምር ዘካየዱ ጕጅለ፡ እዚ ክንድዚ ዝዓቐኑ ልቀት ካርቦን፡ እቶም ኣዳለውቲ ኣካላት ብዝሒ በረረታት ክንክዩ ብዘይምኽኣሎም ዝሰዓብ ከምዝዀነ ይሕብር።

“ብዙሓት ስታድዮማት ኣብ ሓደ ጸቢብ ቦታ ዝተደኰንሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሰብ ካብን ናብን ክንቐሳቐስ እንከሎ ነፈርቲ ንኸይጥቀም ዝዓለመ’ዩ ነይሩ” ይብል።

ዋንጫ ዓለም ንምዕዛብ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ሰባት ናብ ቐጠር ክመጽኡ ከምዝኽእሉ’ዩ ተገሚቱ ነይሩ። እንተኾነ ኣብ ቐጠር ኣብ ኵሉ ሆቴላታ 30 ሽሕ ዓራት ጥራይ’ዩ ዘለዋ፡ ካብዚ ከኣ እቲ 80 ሚእታዊት ፊፋ ንሃገራውያን ጋንታታት፡ ንኣካየድቲ ጸወታን ንመወልትን ኢሉ ኣቐዲሙ ሓዚእዎ ጸኒሑ’ዩ።

ኣዳለውቲ ኣካላት፡ ሰብ ኣብ ዘይቅመጦም ገዛውቲ ብብዝሒ ዓራውቲ ብምእታውን ኣብ ቐጠር ዝውቱር ዝኾነ ብቴንዳ ዝተሰርሐ ገዛን ብምድላው፡ ነቲ ጸገም ከቃልልዎ ፈቲኖም’ዮም። እንተዀነ እዚ’ውን ክቡር ስለዝዀነ እቶም ንዋንጫ ዓለምን ንምዕዛብ ናብታ ሃገር ዘምርሑ ገያሾ ካልእ ኣማራጺታት ኣብ ምንዳይ’ዮም ኣትዮም።

ከም መርኣያኡ ኸኣ ዱባይ ብገያሾ ከተዕልቕልቕ ጀሚራ፡ ክሳብ ዋንጫ ዓለም ዝዛዘም ዱባይ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ገያሾ ከተአንግድ ከምእትኽእል ከኣ ቤት ምኽሪ ስፖርት ዱባይ ግምት ሂቡ ኣሎ። 

ካህልድ ድያብ፡ ተዓዘብቲ ኣብ ዱባይ ኰይኖም ቐጠር ኣብጺሑ ዝመልሶም ትኬት ብምግዛእ ጸወታ ርእዮም ጸወታ ምስ ወድኡ ናብ ዱባይን ናብ ካልእ ሃገራት ወሽመጥን ይኸዱ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ “እቲ እዚ ውድድር ካብ ልቀት ካርቦን ነጻ ክንገብሮ ኢና ዝብል ዝተኣተወ ቃል ኣይተኸበረን” ይብል።

ከም ምኽሪ፡ “እንተደልዮም፡ ተዓዘብቲ ክንዲ ብኣየር ብመካይንን ብባቡርን ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ናብ ቐጠር ዝኣትዉሉን ዝምለስሉን ኣገባብ ከዳልዉ ነይርዎም” ይብል።

ቐጠር ግን ቃላ ተኽብር ከምዘላ እያ ትሕብር።

ወሃቢ ቃል ኮሚቴ ኣዳለውቲ ዋንጫ ዓለም፡ ኣዳልየሞ ዘለዉ መስመር በረራታት፡ “እኵልን ናብ ቐጠር ዝግበር ቀጥታዊ በረራን እዩ፡ እዚ ኸኣ ተዓዘብቲ ኣብ ካልእ ሃገር ዓሊቦም ናብዚ ንኽመጽኡ ዝህሉ ካርቦን ንምቕናስ ተዓሊሙ ዝተገበረ እዩ፤ ብተመሳሳሊ ኣብ ውሽጢ ቐጠር ዝግበር በረራታት ደው ኣቢልናዮ ኢና” ኢሉ።

እቶም ኣዳለውቲ ዋንጫ ዓለም ንሶም’ውን ጐኒ ጐኒ እቲ ዋንጫ ዓለም ንልቀት ካርቦን ኣመልኪቶም ናቶም መጽናዕቲ የካይዱ ከምዘለዉ’ዮም ዝገልጹ።

ክሳብ ሕጂ ተታሒዙ ብዘሎ ሰነድ፡ ዋንጫ ዓለም ክሳብ ዝዛዘም ብሰንኪ በረራታት ክሳብ 3.6 ሚልዮን ቶን ልቀት ካርቦን ከጋጥም ከምዝኽልእ ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ። 

ካልእ ብውልቈም መጽናዕቲ ዘካይዱ ተመራመርቲ ብወገኖም፡ እቲ ልቐት ካርቦን ካብዚ ተባሂሉ ዘሎ ብ70 ሚእታዊት ክዛይድ ከምዝኽእል ይገልጹ።

ኣካያዲ ግሪንሊ ዝተበሃለ ትካል ምቍጽጻር ካርቦን ኣለክሲስ ኖርማንድ ብወገኑ፡ ዋንጫ ዓለም 2022 “ዘይከምቲ ቃል ዝተኣተወሉ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ልቀት ካርቦን ዝተመዝገበሉ ይኸውን ኣሎ” ኢሉ።

እቶም ኣዳለውቲ፡ ንዋንጫ ዓለም ልቐት ካርቦን ዘይብሉ ክንገብሮ ኢና ክብሉ እንከለዉ፡ እተን ኣብ ውሽጢ ስታድዮማት ዝተተኸላ መዝሓሊ  [ኣየርኮንድሽን] ብጸሓያዊ ጸዓት ከምዝሰርሓን ገለ ስታድዮማት ብኮንተይነራት ከምዝስርሑን ብምግባር’ዩ ነይሩ።

ቐጠር ነዚ ዋንጫ ዓለም ኢላ ሸውዓተ ሓደስቲ ስታድዮማት’ያ ሃኒጻ፤ ሓደ ካብኡ ስታድዮም 974 ኰይኑ፡ እቲ ስታድዮም ብ974 ኮንተይነራትን ሓጻዊንን’ዩ ተሰሪሑ። ዋንጫ ዓለም ምስ ተወደአ ኸኣ ክፍንጣሕ’ዩ።

ኣለክሲስ ኖርማንድ፡ “ክንድዚ ዝኣክል መደብ ስፖርት እናተዳለወ ከምዕድል ተጠቒምካ ልቐት ካርቦንዳይኦክሳይድ ኣብ ዘይፈጥሩ ነገራት ወፈሪ ኣብ ምግባር’ዩ ክስራሕ ነይርዎ፤ ሕጂ ግን ብኣንጻሩ’ዩ ኰይኑ ዘሎ፡” ይብል።