ልዕሊ 40 ሃገራት ዝሳተፋኦ ዘለዋ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ግብጽን ኣመሪካን

ምንጪ ስእሊ, U.S. Central Command
ሰራዊት ግብጽን ኣመሪካን ብሓባር ዘካይድዎ ወተሃደራዊ ልምምድ ንልዕሊ 40 ሃገራት ሓዊሱ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር መሓመድ ነጂብ ይካየድ ኣሎ።
እዚ "ድሙቕ ኮኾብ 2025" ዝተሰምየ ልምምድ፡ 1,500 ካብ ኣመሪካ ዝመጽኡ ወተሃደራት ይሳተፉዎ ከም ዘለዉ ማዕከናት ዜና ግብጺ ገሊጸን።
ኣብዚ ብ28 ነሓሰ ዝጀመረ ልምምድ 44 ሃገራት ዝሳተፋኦ ኰይኑ፡ 8,000 ኣባላት ሰራዊት ተላኢኾም ከም ዘለዉ ወሲኸን ገሊጸን።
ኣብዚ ሓባራዊ ልምምድ'ዚ ህንዲ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ዓባይ ብሪጣንያንን ካልኦት ሃገራትን ይሳተፋ ከም ዘለዋ ይግለጽ። ኔቶን ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል'ውን ይሳተፉ ኣለዉ።
ሓለቓ ስታፍ ግብጺ ሌተና ጀነራል ኣሕመድ ኸሊፋ ቅድሚ ምጅማር ተዓሊም ናብቲ መደበር ብምኻድ ክካየድ ንዝጸንሐ ምድላዋት ተዓዚቡን ነቲ መደብ ምስ ዘካይዳ ኣሃዱታት ግብጽን ኣመሪካን ተራኺቡን።
"ኣብዚ ማእከል ስልጠና ተረኺበ ካብ ግብጽን ኣመሪካን፡ ከምኡ'ውን ካብ ፈተውቲ ሃገራት ዝመጽኡ ክረክብ ምኽኣለይ ሕጕስ እየ፡" ኢሉ።
ብሪጋደር ጀነራል ፓትሪክ ክሌር ካብ U.S CENTCOM ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ድሙቕ ኮኾብ 2025፡ ነቲ ኣብ መንጎ ግብጽን ኣመሪካን ዝጸንሐ ነባሪ ጸጥታዊ ሽርክነት ዝድርዕ ኰይኑ፡ እዚ ዝምድና'ዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጸረ-ሽበራ፡ ዞባዊ ምክልኻልን ጽንፈኝነትን ንምምካት ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ዝተሰረተ እዩ፡" ኢሉ።
"እዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ተዓሊም ሓያል መልእኽቲ ዝሰድድ እዩ። ግብጺ፡ ኣመሪካን ካልኦት ኣህጉራውያን መሻርኽትናን ዞባዊ ምርግጋእን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ንምንጋስ ኣብ ዘለና ተወፋይነት ሓደ ኰይነን ይቕጽላ ኣለዋ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ንሰራዊት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መሪሑ ዝመጽአ ሜጀር ጀነራል ዓድል ቢን መሓመድ ኣልበላዊ፡ እቲ ሓባራዊ ልምምድ፡ "ኣብ ዝካየዱ ስርሒታት ምትሕብባር ንምዕባይ፡ ውህደት ሓባራዊ ሓይልታት ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ንምርግጋጽን ደረጃ ድልውነት ሓይልታት ክብ ንምባልን፡" ዝዓለመ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ካብ ኣጋር ሰራዊት፡ ሓይሊ ባሕሪን ኣየርን ዝመጽኡ ኣሃዱታት ስዑዲ ዓረብ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ዘመልከተ እዚ ጀነራል፡ እዚ ተሳትፎ'ዚ ኣካል ናይቲ ምስ ኣሕዋትን ፈተውትን ሃገራት ዝካየድ ተኸታታሊ ሓባራዊ ልምምድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምትሕግጋዝ ኣብ ምሕያል፡ ኣብ ስርሒታዊ ኣሰላልፋን ምምዕባል ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስጕምትን ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኣስሚሩሉ።
ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ "ድሙቕ ኮኾብ" ኣብ 1980 ዝተጀመረ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ኣመሪካ እትሳተፎም ንብዙሕ ዓመታት ዝጸንሑ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምዳት እዩ።
እዚ ሎሚ ንመበል 19 ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ ልምምድ፡ ሓባራዊ ድልውነት ምክልኻል ንምዕባይ፡ ኣብ መንጎ መሻርኽቲ ሃገራት ንዘሎ ምትሕብባር ንምስፋሕ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ስሩዕን ዘይስሩዕን ውግኣት ተመኵሮ ንምድላብ ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።
ድሕሪ ስምምዓት ካምፕ ደቪድ ዝተፈጥረ ወተሃደራዊ ሽርክነት ኣመሪካን ግብጽን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ሓደ ካብ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ዝምድናታት ምዃኑ ይንገረሉ።
እዚ 10 መስከረም ክዛዘብ ትጽቢት ዝግበረሉ ልምምድ'ዚ፡ ብዓለም ደረጃ ካብቶም ዝዓበዩ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, U.S. Air Force




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

