ጠበቓ ቲክቶከር ጆን ዳኒኤልን ካልኦትን ብ ‘ግብረሽበራ’ ክኽሰሱ ከምዘይብሎም መጒታ

ጆን ዳንኤል ዝርከቦም ተኸሰስቲ ግብረ ሽበራ፡ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ

ምንጪ ስእሊ, ETH Federal Police

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ጠበቓ እቶም ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝተልዓለ ዕግርገር ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጆን ዳኒኤል በርሀ ዝርከቦም ቲክቶራት ብገበን ‘ግብረ ሽበራ’ ምኽሰሶም ተቓዊማ።

ጠበቓ ጀሚላ መስፍን፡ ተቓውሞ ትሕዝቶ እቲ ክሲ ዘቕረበት ኣብ ፋይል ጆን ዳኒኤል ዝሰፈሩ 6 ውልቀሰባት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ብገበን ግብረ ሽበራ ተኸሲሶም ኣብ ስሩዕ መጋባእያ ኣብ ዝቐረብሉ እዋን እዩ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ፈደራል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ክትበርር እትዳሎ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕግርግር ዝፈጠሩ ሽዱሽተ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ‘ግብረሽበራዊ ክሲ’ ከምዝኸፈተ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብታ ዕለት፡ ብምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ግመ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር፡ እታ ነፋሪት ክትበርር ከምዘይትኽእል በኣሳሰይቲ'ኳ እንተተገለጸ፡ እቶም ተኸሰስቲ "ካብታ ነፋሪት ኣይንወርድን ኢና" ብዝብል ምስ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ክከራኸሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሑ ተንቀሳቐስቲ ኣሳእል ይረአዩ።

ጠበቓ ጃሚላ፡ ድሕሪ እቲ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ዓማዊላ ክሲ ገበን ግብረሽበራ ክኽፈት ከምዘይብሉን ናይ ዋሕስ መሰሎም እውን ክኽበር ከምዝግባእን ተዛሪባ።

“ዓማዊለይ ብገበናት ግብረሽበራ ክኽሰሱ የብሎምን። ብመሰረት ኣዋጅ ቍጽሪ 1197/2012 ዓንቀጽ 3 ሓደ ሰብ ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታውን ስነ-ሓሳባውን ዕላማ ብሓይሊ ንኸፈጽም እንተሓሲቡን እንተተሊሙን ግብረሽበራዊ ገበን ንምፍጻም ተኣኻኺቡ ይበሃል። ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ግን ዓማዊልና ብምኽንያት ናይ ገዛእ ርእሶም ዝተፈላለየ ጉዳይ ናብ መቐለ ክጓዓዙ ብኣጋጣሚ እዮም ተራኺቦም።

እታ ጠበቓ ወሲኻ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናይቶም ሽዱሽተ ሰባት እዋን በረራ ከም ዘደናጐዮ፡ ካብ መጀመርታኡ ግን ዝተፈላለየ ከምዝነበረን ኣረዲኣ።

እታ ጠበቓ፡ "ስምዒታዊ ኰይኖም ‘ካብታ ነፋሪት ኣይንወርድን ኢና’ ምባሎም ናይ ዲሲፕሊን ጌጋ'ዩ። እዚ ገበን ግን ፈጺሙ ብሕጊ ግብረሽበራ ክረአ የብሉን” ኢሉ።

"ውረዱ ምስ ተበሃሉ፡ 'ኣብ ስካይላይት ሆቴል [ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝውነን] ኣጽንሑና እንተዘይኮይኑ ትኬትና ቀዪሩልና። ሎሚ ምሸት ናብ ዝኾነ ቦታ ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና፡ ኣይንወርድን' ኢሎም። እዚ ድማ ብመሰረት ሕጊ ገበን ዓንቀጽ 440 ብመንግስታዊ ኣካል ዝወሃብ ትእዛዝ ዘይምኽባር ዝምርኮስ እዩ።

ብመሰረት እታ ጠበቓ፡ ኣብ ናይ ትማሊ መስርሕ ፍርዲ፡ እቶም ተኸሰስቲ ክሕተቱ ዝግበኦም፡ "ትእዛዝ ዘይምቕባል" ዝብል ድንጋገ ክኸውን ኣለዎ፤ እዚ ድንጋገ ክሳብ 1 ዓመት ማእሰርቲ ዘቕጽዕ እዩ። ክሳብ ሓደ ዓመት ዘቕጽዕ ገበን ድማ ዋሕስ ዝኽልክል ኣይኰነን ትብል።

ጠበቓ ጃሚላ፡ እቶም ተኸሰስቲ ቐዋሚ ኣድራሻ ከምዘለዎምን ብዋሕስ እንተተፈቲሖም ዝሓብእዎ ሓበሬታ ከምዘየለን ተማጒታ።

ጠበቓ ጀሚላ ብምስዓብ፡ ዓማዊላ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንጽቡቕ ዕላማ ናይ ምጥቃም ታሪኽ ከምዘለዎም ንቤት ፍርዲ መብርሂ ሂባ።

ጠበቓ ጀሚላ"ዮውሃንስ ዳኒኤል ኣብ ቦረናን ጎፋን ንዝተጸገሙ ሰባት ይሕግዝ ነይሩ። ማሕበራዊ መራኸቢታት ንጽቡቕ ዕላማ ክጥቀመሉ ከምዝጸንሐ ንቤት ፍርዲ ኣረዲእና አለና" ኢላ።

ፖሊስ ፈደራል፡ እቶም ጥርጡራት ብ16 ነሓሰ 2016 [ግዝእ] ሕግን ኣሰራርሓን ሲቪል ኣቬሽን ብምጥሓስ፣ ድሕነት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ሓደጋ ንምእታው፡ ንኣባላት ጸጥታ ብምስኣልን ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንምጥቃዕን ይዋስኡ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ንዮውሃንስ ዳኒኤል (ጆን ዳኒኤል)፡ ኣማኑኤል መውጫ፡ ናትናኤል ወንድወሰን፡ ኤልያስ ድሪባ፣ ይዲድያ ነጻነትን እሌኒ ክንፈን ሎሚ ብፌደራል ፖሊስ ዝተሓተ ተወሳኺ 14 ናይ ምርመራ መዓልታት ፈቒዱ ኣሎ።