ኣብ ኣመሪካ በረኻ ኔቫዳ እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ኣንጸባራቒ ዓንዲ ተረኺቡ

Published

እቲ ምስጢራዊ ሞኖሊት (ዓንዲ-ከውሒ) ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ኣብ በረኻታት ኔቫዳ ተተኺሉ ተረኺቡ።

እንታይ ክኸውን ከምዝኽእልን ብድሕሪኡ መን ከምዘሎን ድማ ግምታት ኣበጊሱ።

እቲ ሓወልቲ ዝመስል ትኹል ቅርጺ ኣብ ሽንጥሮ ላስቬጋስ ንኣለሻን ተልእኾ ምድሓንን ዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ ከምዝረኸብዎ ተገሊጹ።

“ብዙሕ ዘይልሙድ ነገራት ንርኢ ኣለና ... ግን ነዚ ርኣይዎ!” ክብል ፖሊስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።

እዚ ሞኖሊት ምስ ካልኦት ኣብ 2020 ኣብ መላእ ዓለም ዝተራእዩን ምስጢራዊ ዝኾኑን ተተኺሎም ዝተረኸቡ ዓንዲታት ዝመሳሰል እዩ።

እቲ ነዊሕን በዓል ኣርባዕተ መኣዝንን ዘንጸባርቕ ቅርጺ፡ ኣብ በረኻ ኔቫዳ ጥቓ ‘ጋስ ፒክ’ ዝተባህለ ካብ ላስ ቬጋስ ንሰሜን ኣስታት ሓደ ሰዓት ጥራይ ርሒቑ ዝርከብ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝካየደሉ ቦታ እዩ ተራእዩ።

ፖሊስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሕዎ ስእልታት ከምዝረኣይ እቲ ትኹል ዓንዲ ኣብ ቁሩብ ጽንኩር ኣብ ዝኾነ መሬት ዝተተኸለ ይመስል።

ክፍሊ ፖሊስ ላስ ቬጋስ “ከመይ ኢሉ ኣብኡ ክድይብ ኪኢሉ?” ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሕቶ ኣቕሪቡ።

እዚ ዓንዲ ምስቲ ብ1968 ብስታንሊ ኩብሪክ ዝተዳለወት ‘ኤ ስፔስ ኦዲሲ’ ዝብል ርእሲ ዘለዎ ፊልም ዘሎ ትርኢታት ገለ ምምስሳል ኣለዎ።

ኣብታ ጸሓፊ ልብ-ወለድ ኣርተር ሲ ክላርክ ካብ ዝደረሳ መጽሓፍ ተሞርኲሳ ዝተሰርሐት ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረት ፊልም ዝረኣዩ ባዕዳዊ ዓይነት ፍጥረታት zዳለዉዎም ጽቡቓት ጸለምቲ ዓንዲታት ይረኣዩ።

ምስቲ ኣብ ኔቫዳ ዝተረኸበ ዝመሳሰሉ ኣንጸባረቕቲ ዓንዲታት ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ዓለም ተራእዮም ነይሮም።

ካብ መንጐኦም ሓደ ኣብ በረኻ ዩታ ዝተረኸበ እዩ።

እቲ ሓደ ኣብ ሕዳር 2020 ብሓደ ኣብ በረራ ዝነበረ ፓይለት ሄሊኮፕተር ድሕሪ ምርካቡ ንሰበስልጣን እቲ ከባቢ ዘገረመ ነይሩ።

ካልእ ድማ ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ሮማንያ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ተወሰኽቲ’ውን ኣብ ካሊፎርንያን ኣብ ደሴት ዋይት - ቻነል እንግሊዝን ከምዝተረኸቡ ይዝከር።

ሽዑ ብድሕሪ እቶም ኣንጸባረቕቲ ዓንዲታት መን ክህሉ ይኽእል ኣብ ዝብል ግምታት ክወሃብ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ገሊኦም ኣካል ስነ-ጥበባዊ ስራሕ እዮም ዝብል ግምታዊ ሓሳብ ኣልዒሎም።

ግን ከኣ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብድሕሪ እቶም ምስጢራውያን ዓንዲታት ኣለኹ ዝብል ኣካል ኣይተረኸበን።

ናይ ቀረባ ዝበሃል ካልእ ‘ሞኖሊት’ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዌልስ ኣብ ዝርከብ ጫፍ ጎቦ ዝተረኣየ ነይሩ። እቲ ቅርጺ ፍጹም ብጥንቃቐ ዝተሰርሐ ምዃኑ እኳ ተዓዘብቲ እንተገለጹ መን ኣብኡ ከቐምጦ ከምዝኽእል ግን ዝኾነ ፍንጪ ከምዘይህብ ተዛሪቦም።

ብድሕሪ እቶም ዓንዲታት ዘሎ ምስጢር ገና ዘይተቐልዐ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ።

ሰበስልጣን ላስ ቬጋስ ግን ነቲ ኣብዚ ቅነ ዝረኸብዎ ምስጢራዊ ዓንዲ ንምርኣይ፡ ኣብ በረኻ ኔቫዳ ጉዕዞ እግሪ ዝገብሩ ሰባት ንውዑይ ኩነታት ኣየር ክዳለዉን ድሕነቶም ክሕልዉን ኣዘኻኺሮም ኣለዉ።