ኢትዮጵያ፡ ብሓቂ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከተፍሪ ጀሚራ ድያ?

ድሮናት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, EBC

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ንወተሃደራውን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ዝውዕላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክተፍርይ ከም ዝጀመረት ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ትካል ምፍራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ዘመረቐሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይተረፈ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምሻጥ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጡ'ዩ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ፋብሪካ ኣጽዋር ሆመቾ፡ ተተኰስትን ስናይፐር ሽጉጥን ሓዊሱ ካልኦት ኣጽዋር ምፍራይ ከም ዝጀመረ'ውን ሓቢሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣብ ዘካፈሎ ጽሑፍ ድማ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ "ንዂናት ዘይኰነስ፡ ግጭት ደው ንምባል፡" ዝውዕላ ምዃነን ኣመልኪቱ።

ግጭት ደው ክብል እንተ ዘይክኢሉ ድማ እቲ ግጭት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምዝዛም ክሕግዛ ምዃነን ወሲኹ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ወተሃደራዊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብሰፊሑ ክትጥቀም ጸኒሓ እያ።

ተንተንቲ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መልክዕ ኲናት ይቕይራ ከም ዘለዋ ይዛረቡ። ይዅን'ምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት የብጽሓ ከም ዘለዋ'ውን ዝነቕፉ ኣለዉ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር ግን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ጥቕሚ ይውዕላ ከም ዘለዋ ብግልጺ ኣይተኣመኑን።

ሕጂ ድማ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ፡ ምፍራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንኢትዮጵያ ዓቢይ ረብሓ ከም ዝህብ ገሊጹ ኣሎ።

ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ "ከም ትማሊ ኣይንገዝእን ኢና፣ ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ክነፍርይ ጀሚርና ኢና። እኹል ሰብን ቴክኖሎጅን ኣለና፡" ኢሉ።

እዚ ድማ "ሃገርና ክንከላኸል ኣዝዩ ብቑዕ ምዃንና ዘረጋግጽ እዩ። ኵሉኹም ኢትዮጵያውያን እንቋዕ ሓጐሰኩም፡" ክብል ወሲኹ።

እታ ሃገር ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምፍራይ ትጅምር ዘላ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

'ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ'

ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ምፍራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ "ዘይሕሰብ" ከም ዝነበረ ቀዳማይ ምኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘካፈሎዎ ጽሑፍ ጠቒሱ።

"ቅድሚ ሕጂ ምስ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ብዛዕባ ምቕያር መልክዕ ሰራዊት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ካልኦትን ምድላዋትን ክንዛተ ጸኒሕና ኢና።"

"ድሕሪ ቍሩብ ግዜ ጸገም ምስ ኣጋጠመና፡ ነቶም መሳርሒታት ብገንዘብና ክንዕጠቕ ዝገበርናዮ ፈተነታት ኣይተዓወተን። እቶም ሸየጥትን ካልኦትን ጸቕጢ ይገብሩልና ነይሮም፡" ኢሉ።

መንነት እቶም ጸቕጢ ዝገበሩ ዝበሎም ግን ኣይጠቐሰን። እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ ካብ ቱርኪ፡ ቻይናን ኢራንን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክትገዝእ ከም ዝጸንሐት ይንገር።

እቲ ቀዳማይ ምኒስትር፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምስ ተዓደጋ እውን ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ብግቡእ ምጥቃም ብድሆ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ።

"ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ንወተሃደራዊ ዳህሳስን መጥቃዕቲን ዝውዕላ፡ እንተላይ ባዕለን-ዘወርቲ፡ ስማርት ሴንሰራት፡ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዘለወን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምርኣይ ጽቡቕ እዩ፡" ኢሉ።

ምፍራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ "ንዝዀነ ኢትዮጵያዊን ኣፍሪቃዊን ዜጋ ኣዝዩ ዘዅርዕን ዘሐጉስን፡" ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

ሓላፍነት ምፍራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ንጸጥታ፡ ኮንትሮባንድን ካልኦት ገበናትን ንምክልኻል ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምጥቃም ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ ነይሩ።

ማእከል መሰልጠኒ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እውን ከም ዝተመረቐ ገሊጹ እዩ።

መብዛሕትአን እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ካብ ወጻኢ ዝገዝኣ እየን ነይረን።

ቀዳማይ ምኒስትር ኣብይ፡ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንፖሊስ እውን ክሕግዛ ምዃነን ጠቒሱ ኣሎ።

"ሓበሬታ መጥቃዕትን ምንቅስቓሳትን ጸላኢ ብምሃብ ኣብ ሰራዊት፡ ፖሊስን ሃገራዊ ድሕነትን ዓቢይ ኣበርክቶ ክገብራ እየን፡" ኢሉ።

መጽናዕቲ ምክያድን ዕዳጋታት ምርካብን እውን ኣገዳሲ ከም ዝኸውን ኣአንፊቱ።

ብመሰረት'ቲ ቀዳማይ ምኒስትር፡ ብዘይካ እቲ ሓድሽ ዝተመረቐ ፋብሪካ ሆመቾ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤጀንሲ ሓበሬታ ድሕንነት ኔትወርክ (ኢንሳን) እውን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከፍርዩ እዮም።

"እዞም ትካላት ነንሕድሕዶም ክረዳድኡን ክደጋገፉን ኣለዎም። ኣብ ዝወዳደሩሉ ቦታ ይወዳደሩ፡ ኣብ ዝደጋገፉሉ ኵነታት ይደጋገፉ።"

እዚ ድማ ቴክኖሎጂ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝያዳ ዘማዕብል ምዃኑ ሓቢሩ።

"ሓይሊ ኣየር ብዙሕ [ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ] ከፍርይ ይኽእል'ዩ። ምኽንያቱ፡ ተመኵሮን ብቕዓትን ኣለዎ። እዚአን ሓያል ሴንሰራት ዘለወን [ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ] ኰይነን፡ ሰብ ሰርሖ ብልሒ [AI] ዝጥቀማ እየን፡" ኢሉ።

እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈልያ ድየን?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀዳማይ ምኒስትር ኣብይ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እታ ሃገር እተፍርየን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ካብተን ቅድሚ ሕጂ ዝግዝኣ ዝነበራ ዝተፈልያ ከም ዝዀነ የመልክት።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እተን ሕጂ ኢትዮጵያ እተፍርየን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ካብተን ቅድም ክብል እታ ሃገር ዝዓደገተንን ኣብ ጥቕሚ ክውዕላ ዝጸንሓን ዝፈልየን ክልተ ቀንዲ ነገራት ኣሎ።

"ቅድሚ ሕጂ እቲ ዝገዛእናየን ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበለ በሪኽ መሬት ክነፍራ ይጽገማ ነይረን።"

እዘን ሕጂ ኣብታ ሃገር ዝፈርያ ግን፡ "ኣብ ልዕሊ 2000 ሜትሮ [ጽፍሒ ባሕሪ] ዝተነድፋን ዝተፈተናን ስለ ዝዀና ናብ ትሑት መሬት ክኸዳ ከለዋ ዝሓሸ ውጽኢት ከመዝግባ ይኽእላ'የን፡" ክብል ኣብሪሁ።

"ካልኣይ፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ስለ ዘለወን ዝተፈላለየ ናይ ርክብ መርበባት ዝጥቀማ እየን። ሳተላይት እውን ይጥቀማ። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ድማ ጸረ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት [ቴክኖሎጂ ጸረ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ] ኣለዋ፡" ኢሉ።

እዚ ድማ ንዕዳጋታት ወጻኢ "ኣዝየን ተደለይቲ" ከም ዝገብረን'ውን ገሊጹ።

እተን ሕጂ ዝፈርያ ዘለዋ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ "ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለወን ተወዳደርቲ እየን። ምርምር ዝዓቢ ዕዳጋ ምርካብ ናይ ኵላትና ስራሕ እዩ፡" ይብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር።

"ዕዳጋ እንተ ዘይፈጢርና፡ ዓቢይ ምህርቲ ስለ ዘሎ ክንጽገም ኢና። ናብ ዓለማዊ ዕዳጋ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክንኣቱ ኣለና፡" ኢሉ።

ፋብሪካ ኣጽዋር ሆመቾ፡ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝዓጠቕዖ ቦምባታት እውን ከፍርይ'ዩ። እተን ዘፍርየን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድማ ናብ ዕዳጋ ኣፍሪቃ ሰደድ ክገብር ትጽቢት ይግበር።

"ስለዚ ኢትዮጵያ ዓዳጊት ጥራሕ ዘይኰነት ሸያጢት እውን ኰይና ኣላ፡ ተጸባይት ጥራሕ ዘይኰነትስ ኣብ ስራሕቲ ቴክኖሎጂ ተሳታፊት እውን ኰይና ኣላ፡" ይብል ቀዳማይ ምኒስትር ኣብይ ኣሕመድ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ናይታ ሃገር ዝቐረበ ሓበሬታ ብጥርጣረ ዝርኣዩዎ ኣይተሳእኑን።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ቅድሚ ሕጂ ማይ ኣዝኒብና፡ ነዳዲ ረኺብና፡ ስርናይ ንሰደድ ኣዳሊና ወዘተ ዝብል ዘቕረቦ እሞ፡ ብድሕሪኡ ዘይቀጸለ ብምንጽጻር፡ እዚ ናይ ድሮን ኰነ ኣጽዋራት ምፍራይ ክኣምኑዎ ዘይከኣሉ ኣለዉ።

ኣብዚ ቅንያት፡ ቱፋሕ ኣፍሪና ኢሉ ኣብ ፊስቡክ ዝለጠፎ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ናይ ዝፈረየ ስእሊ ብምልጣፉ ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀንዩ። እቲ ድሒሩ ዝተኣልየ ኣሳእል፡ ብጌጋ ሓበሬታ ከም ዝቐረበ ተገሊጹ።