መቐለ፡ ወጥሪ ዘሰነዮ መበል 50 ዓመት ፅምብል ህወሓት

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ቅድሚ 50 ዓመታት፡ ከምዚ ሎሚ 11 ለካቲት 1967 ዓ.ም ኣብ በረኻታት ደደቢት ቃልሲ ዝወለዐ ህወሓት፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ብረታዊ ቃልሲ፡ ንወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ኣፍሪሱ ሓድሽ ስርዓት ክሃንፅ ጀሚሩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ሎሚ መበል 50 ዓመት ፅምብል ምስረታ በዓሉ፡ ብዝተኸፋፈለን ዝተገማመዐን መንፈስ ከኽብር ዝተገደደ ይመስል።

ምስ ካልኦት ሰለስተ ብሄራዊ ውድባት ስምረት ብምፍጣር፡ ኢህኣዴግ ብዝብል ገዛኢ ውድብ ፈጢሩ ን30 ዓመታት ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብሊሉ ዝገዝአ ውድብ ህወሓት፡ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ሓሊፉ፡ ኣብ ዓወዲ ቁጠባዊ ዕቤት ብዝነኣድ ለውጢ ከመሓድር ዝጸንሐ እንተዀነ'ኳ፡ ብኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዓውዲ ፖለቲካን ክውቀስ ፀኒሑ እዩ።

እቲ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ፡ ካብ ዘቤታዊ ጉዳያት ሓሊፉ፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ዛዕባታት ሰፊሕ ፅልዋ ዝነበሮ ዀይኑ፡ ገለ መራሕቱ ኣብ ኣፍረቃውን ዓለማውን መድረኻት ጐሊሆም ዝረአዩ'ውን ነይሮም።

ሃንደበታዊ ሞት መራሒ እቲ ውድብ ቀዳማይ ሚኒሰተር-ነበር መለስ ዜናዊ ስዒቡ ግን፡ ዓቕሚ መሪሕነት እቲ ውድብ እንናንቆልቀለ ምምፅኡ ይንገር።

እቲ ድሕሪ መለስ ዜናዊ፡ ዓይነ መርፍኡ ዝጠፍኦ ኣካይዳ ይጓዓዝ ኣሎ ተባሂሉ ዝንቀፍ ዝነበረ ውድብ፡ ባዕሉ ንባዕሉ'ውን ብፀረ-ዲሞክራስነት፡ ፀረ-ህዝብን ውሽጣዊ ምትእጅጃልን ገምጊሙ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ዓርሱ ከሕድስን ውሽጣዊ ሪፎርም ክገብርን ዝኣተዎ ቃል ግን ግብራዊ ከይኰነ እነሆ ናብዚ ሕዚ ኣትዩዎ ዘሎ መሃሙቕ ውድቀትን ድኽመትን ወሪዱ ይርከብ።

ነቲ ኣረጊትን ኮሚኒስታዊ ኣተሓሳስብን የሰጕም ተባሂሉ ዝንቀፍ ውድብ ዝመርሕ ዘሎ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ ፅምብል እዋናዊ 'ሪፎርምን ጽገናን' ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

"ህልውና ትግራይ ኣብ ከውሒ ዝንደቐሉ፡ ሓዱሽ መሬት ትንሳኤ ትግራይና ብግድን ክሳለጥ ኣለዎ" ዝበለ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፡ "ውድብና ህወሓት ነዚ ወግዓዊ ጠለብ ንምምላስ ናይ ፕሮግራም ሕገ ደንቢ ለውጢ ወይ ሪፎርም ክገብር ግድን ብምዃኑ፡ ህልውና ትግራይ ንምርግጋጽን ትንሳኤ ትግራይ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምምጻእ እቲ ውድብ ኵለመዳያዊ ሪፎርም ንከካይድ እዋናዊ ጠለብን ሕቶን ኰይኑ መጺ ኣሎ" ኢሉ።

"ኰይኑ'ውን ቅድም ኢሎም ዝተጀመሩ ናይ ሪፎርም ጽንዓታት ብምምላእን ሓደሽቲ ጠለባት ብምውሳኽን ዝተማልአ ለውጢ ንምክያድ፡ ስራሕቲ ለውጢ ከም ፕሮጀክት ንክምራሕ ውድብና ህወሓት ቤት ጽህፈት ኣጣይሹ ናብ ስራሕ ኣትዩ ኣሎ።"

ካብዚ ርእዮተ ዓለሙ ብዝነቅልን፡ ኣብ ውሽጡ ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምብስባስን ፡ ብሕማቕ አታሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ምዕፋን ናፅነትን ስሙክለዓል ፀኒሑ እዩ።

ውድብ ህወሓት፡ ነዚ ስነ-ሓሳቡ ዝቕይር ሓድሽ ርእየተ ዓለም ክመርሕ ድዩ ኣይኰነን ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ሕቶ ይመስል።

ኣብ 2010 ካብ መናእሰይ ኦሮምያ ዝተልዓለ ናዕቢ ስዒቡ፡ ካብ ማእከላይ መንግስቲ፡ ናብ መቐለ ገፁ ዝተደፍአ ውድብ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ናብ ኲናት ትግራይ ከምዝመርሖ ይዝከር።

እቲ ንክልተ ዓመት ዝዘለቐ ደማዊ ኲናት ብውዕል ፕሪቶርያ ደው እንተበለ'ኳ፡ ዛጊድ ፍታሕ ዘይረኸበ ብዙሕ ህዝባዊ ህልቂትን ምምዝባልን ዘስዓበ እዩ። ሰፋሕቲ ግዝኣታት እታ ክልል ድማ ኣብ ኢድ ካልኦት ዕጡቓት ኣትዩ ይርከብ።

ከም ገዛኢ እቲ ክልል ነዚ ጥፍኣታት ሓላፍነት ክወስድ ሕቶታት ዝቐረበሉ ኰይኑ፡ ድሕሪ እቲ ኲናት'ውን እንተዀነ፡ መሪሕነት እቲ ውድብ ንኽልተ ተመቒሉ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ባዕሉ ንባዕሉ ብምውቕቓስን ህዝባዊ አጀንዳታት ዘንጊዑ ኣብ ውሽጣዊ ፍሕፍሕ ተፀሚዱ'ዩ ኣሕሊፉዎ።

እነሆ መበል 50 ዓመቱ ፅምብል'ውን ተመቓቒሉ ከኽብር ተገዲዱ ኣሎ።

እቲ ብኣባላትን ደገፍትን እቲ ውድብ ክኽበር ዝቐነየ በዓል እዮቤልዩ፡ ሎማዓንቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተዛዘመ ዀይኑ፡ ኣባላት እቲ ብደ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ሓደ ፍንጫል እቲ ውድብ ጥራይ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መደረታት ኣስሚዖም።

ኣቦ መንበር ግዝያዊ ምመሕዳር እዚ ክንፊ ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፡ እቲ ውድብ ኣብ 1968 ዓ.ም ዘጋጠመ ሕንፍሽፍሽ ሓዊሱ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ግዜ ሓደጋታት ምፍልላይ ዝገጠሞ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዀይኑ፡ ነቲ ናይ ሕዚ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሓደጋ ድማ፡ 'ብሄራዊ ክሕደት' ካብ ምፍፃም ዝነቐለ ከምዝኰነ ከሲሱ።

ደብረፅዮን፡ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ቃል ዝኣተየ ዀይኑ፡ ነፍስ-ወከፍ ወለዶ ከምኡ ናይ ምግባር ሓላፍነት ከምዘለዎ ይዛረብ።

"ሓድሽ ወለዶ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ሕሉፍ ህልውና ህዝቢ ከረጋግፅ ኣለዎ። ይኹን'ምበር፡ ነዚ ሓደጋ ሰጊሩ ህልውና ትግራይ ኣብ ከውሒ ዝንደቐሉ ሓድሽ ትንሳኤ ትግራይና ክሳለጥ ኣለዎ" ብምባል፡ ብዘመናዊ ቴክኖሎጅን ሳይንስን ዝምራሕ ለውጢ ክመፅእ ፀዊዑ።

ደብረፅዮን፡ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዘልዐለ ዀይኑ፡ ነቲ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፉ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘልዐሎም፡ ዘይተተግበሩ ዝበሎም ኣጀንዳታት መሊሱ ዘቃሊሑ።

ብፍላይ ምምላስ ተመዛበልትነ ምርግጋፅ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ኣልዒሉ ዝተዛረበ ዀይኑ፡ 'መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝፈረሞ ስምምዕ እሙን ኰይኑ ክትግበር' ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣኑናቱ ኣቢሉ ከምዝብሎ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ዝዕንቀፍ ዘሎ ብሰንኪ ህወሓትን መራሕቱን እዩ።

ፅልምትምት ዝበለ ፅምብል

እቲ ኣብ'ዚ ሰሙን ኣፈላለዮም ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሑን፡ ዕርቂ ከውርዱን ስነ-ምግባር ዝተፈራረሙ ክልቲኦም መሪሕነት መዓልቲ ፅምበል እቲ ውድብ ሓቢሮም ከኽብሩ'ውን ኣይተዓደሉን።

ሓቢሮም ከኽብሩ ኣይከኣሉን ጥራይ ዘይኰነስ፡ በብወገኖም ኣብ ዝውፅእዎም መግለፂታት ኰነ፡ ዘስምዑዎም መደረታት፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ነጥቢ ከቑፅሩ ምክሳሶም ቀፂሎም ኣለዉ።

ደብረፅዮን ኣብ መደርኡ፡ ነቲ ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ህወሓት 'ብሄራዊ ክሕደት' ብምፍፃም ዝኸሰሰ ዀይኑ፡ እቲ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝርከብ ኣካል ድማ፡ ነቲ ካልእ 'ናይ ጥፍኣትን ዕሉል ናይ ስልጣን ባህግን ዘለዎ' ክብል ከሲሱ።

ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ሓቢርካ ንምብዓል ዝተጀመረ ፃዕርታት፡ ብሰንኪ እቲ ካልእ ጉጅለ ከምዝፈሸለ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ የረድእ።

"እንትርፊ ናይ ባዕሉ ናይ ስልጣን ባህጊ፡ ናይ ህዝቢ ሰላምን ድሕነትን ዘየገድሶ ጉጅለ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ሰላምን ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ተበግሶ ብምብራዝን ብምሕማስን ኣብ ህዝብና ህውከትን ግጭትን ንምፍጣር ኰነ ኢሉ ኣብ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ከም መንግስቲነ ተረዲእና ኢና" ይብል እቲ መግለፂ።

በዚ ምኽንያት፡ 'ንህዝቢ ናብ ግጭት ንዘይምእታው" ካብ ዝብል ዝነቐለ፡ ነቲ በዓል ሓቢርካ ንምኽባር ዝነበረ ተበግሶ ከምዘቋረፀን ከምዝተዀለፈን፡ ገለ ኣብ መቐለ ተታሒዞም ዝነበሩ መደባት መንግስቲ ከምዝሰረዘን ኣፍሊጡ።

እቲ መግለፂ፡ ነቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ጉጅለ ናብ ግጭትን ህውከትን ዝመርሕ ኣካይዳ ዝበሎ እንታይ ከምዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣየስፈረን።

ከም ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ህዝቢ ወፂኡ በዓሉ ከኽብር እንተፀወዐ'ኳ፡ ህዝቢ ድሕነቱ ባዕሉ ክሕሉን ብስም ርቸት ምትኳስ ዝዀነ ዘጋጥም ሓደጋ 'እቲ ጉጅለ' ሓላፍነት ከምዘርወስድን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ዞበታትን ወረዳታትን ትግራይ፡ እቲ በዓል ብኸመይ ክመዝሓለፈ ንጹር ሓበሬታ ምርካብ እንተዘይተኽኣለ'ኳ፡ ኣብቲ ኣብ መቐለ፡ 'ስታድዮም ትግራይ' ዝተብዓል ፅምበል ግን፡ ዓብዪ ናይ 50 ዓመት ወርቃዊ እዮቤልዩ ፅምብል ኣይመስልን ነይሩ ይብሉ ተዓዘብቲ።

ነዚ ምክፍፋል ብዝምልከት፡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብቲ ደጊሙ ዘውፀኦ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግለፂ ከምዚ ዝብል ኣስፊሩ ይርከብ።

"ዞባታት፣ ወረዳታትን ከተማታትን ኣቐዲምኩም ብዝሓዝኩሞ ፕሮግራም መሰረት ክትቕፅሉ፤ ህዝቢ ከተማ መቐለ ግን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ገገዛኻ ኮይንኻ ነዚ ብሄራዊ በዓል ክትዝክሮ ከም መንግስቲ ብብርኪ ክልል ኣብ መቐለ ዝሓዝናዮም ዝተወሰኑ ኣገደስቲ ንጥፈታት ክንስርዝ ከምዝተገደድና ክንሕብር ንፈቱ።"

ብፍላይ ምስ መበል 45 ኰነ መበል 40 ዓመት ፅምበላት እንተነፃፀር፡ ኣዝዩ ብዝተኸፋፈለን ስግኣት ብዘንፀላለዎን ኩነታት ዝተብዓለ ዀይኑ፡ እቲ ክሳብ 60 ሽሕ ሰባት ናይ ምትሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ ስታድዮም እውን ክፉት ኰይኑን ጐዲሉን ተራእዩ።

እንተዀነ፡ ኣብዚ ዝዓበየ በዓል፡ በዝሒ ህዝቢ ንዘይምርካቡ፡ ምኽንያት ድጋፍ ነበርቲ መቐለ ምስኣኑ ይኹን፡ ስግኣት ስለዝተሰምዖ ምፍላጥ ኣይተኽኣለን።