ትግራይ፡ መራሕቲ ህወሓት 'ዝተሰማምዕሎም' ቀንዲ ነጥብታት

ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ጸጋም) ጌታቸው ረዳ (የማን)
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ንዝሓለፈ ኣስታት ሓደ ዓመት ክነቓቐፉን ክካሰሱን ዝፀንሑ መራሕቲ ህወሓት፡ ውሽጣዊ ፀገሞም ብዘተን ዝርርብን ክፈትሑ ከምዝተስማምዑ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ገሊፆም።

ብመሰረት እቲ ሎሚ ኣብ ገፅ ፌስቡክ-ቴሌቪዥን ትግራይ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡ እቶም መራሕቲ ፖለቲካ "ኩለመደያዊ ፀገማቶም ብሰላምን ብዘተን ንምፍታሕ" ኣብ ምርድዳእ በፂሖም ኣለዉ ።።

ብዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝምርሑ ጉጅለታት ህወሓት፡ ጉባኤ ዘካየደን ዘይካየደን ብዝብል ብዕሊ ዝጀመረ ምግምማዕ፡ ሓደ ነቲ ካልእ ኣፍልጦ ተኸላሊኡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር'ውን ኣብ ሕቶ ኣእትዩዎ ፀኒሑ እዩ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ወርሒ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድ ብዘይምኽኣሉ ሕጋዊ ጥሕሰት ፈፂሙ ብዝብል፡ ንመፃኢ ሰለስተ ወርሒ ካብ ዝዀነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክዕቀብ ምእጋዱ ይዝከር።

እቲ ኣብቲ ክልል ጠንቂ ዘይምርግጋዕ ኰይኑ ዝፀንሐ ምግምማዕ ስዒቡ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣዘዝቲ ሰራዊት ፀግዒ ዝሐዘ መግለፂ ምውፀኦም ነቲ ወጥሪ ኣጋዲዱዎ ቀንዩ ነይሩ።

ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ስምምዕ

ኣቦታት ሃይማኖት

ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane

ኣብቲ ሎሚ ዝወፅአ ሓበሬታ፡ "ብኽልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕ ንቕድሚት ከሰጉም ዘኽእል መምርሒ ስነምግባር ወፂኡን ፈሪሞምን" ከምዘለዉ ይጠቅስ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፡ ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ስምምዕ'ውን ዘርዚሮም ኣለዉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በዚ መሰረት ጎነጻዊ ኣገባብ ከይጥቀሙ፡ ምልዕዓል ዘስዕብ ናይ ጽልኢ ጎስጓሳት ከይገብሩን ምፍርራሕን ዓመጽን ከወግዱን ቃል ኣትዮም።

"ፖለቲካዊ ዕላማታት ንምዕዋት፣ ሓይሊ ምጥቃም ንነፅግ " ብምባል ድማ "ኩሎም ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊ፣ ደሞክራስያዊ፣ ሕግን ስርዓትን ሓሊና ክንዘራረብ ቃል ንኣቱ" ኢሎም። "ኣባላትናን ደገፍትናን ናብ ዝዀነ ዓይነት ዓመፅ ንኽሕወሱ ኣይንበራበርን፣ ኣይንድግፍን፣ ኣይነፍቅድን"።

"ከባብያዊነትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መሰረት ዝገበረ ኣንፃር ዝዀነ ውልቀሰብ ወይ ኣባል ፖለቲካዊ ውዳበ፣ ፅልኢ፣ ኣድልዎ፣ ወይ ዓመፅ ዘለዓዕል ኣዘራርባ ካብ ምጥቃም ክንቑጠብ ኢና"።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣባላቶምን ደፍቶምን "ኣብ ዝዀነ እዋን ኣብ ዝዀነ ዓይነት ተግባር ምፍርራሕ ንዘይምእታው ሓለፍነት ንወስድ" ኢሎም።

"ፈረምቲ ኣካላት፣ ሓይሊ ውዳበና ንምርኣይ ወይ ልዕልናና ንምርግጋፅ ኣብ ዝዀነ ዓይነት ዓመፃዊ ንጥፈታት ኣይንኣትውን ወይን ኣይንፈቅድን"። ንዝኾነ ብደገፍቶም ዝፍጸም ነቲ ስምምዕ ዝጥሕስ ተግባር ሓላፍነት ክወስድሉ'ውን ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ክልቲኦም ተፈራረምቲ ኣካላት በብወገኖም ብዛዕባ'ዚ ዝተበጽሐ ስምምዕ "ስነምግባር" ንመራኸቢ ብዙሃን ከፍልጡ ከምዝተሰማምዑ'ውን እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳን ዶ/ር ደብረጽዮንን ዝፈረምሉ ሰነድ ጠቒሱ'ሎ።

"ነዚ ስነ-ምግባር ብምፍራም፣ ነዞም መትከላት ንምኽባርን ክኽበር ንምግባርን ቃል ብምእታው፣ ህልውናን ድሕንነትን፣ ከምኡ'ውን ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ንምርግጋፅ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና"።

ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ዘሸማግሉ ዘለዉ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ክልል ትግራይ ንትግባረ እቲ ስምምዕ ክከታተሉ ብክልቲኦም ወገናት ተቐባልነት ረኺቦም ኣለዉ።

ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ብፁእ ኣብነ መርሃ ክርስቶስ፡ "እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ብልዝብ ንኽፍታሕ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ብውልቀ እናረኸብና ክንፅዕር ፀኒሕና ኢና" ኢሎም።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ተመሳሳሊ ናይ ዕርቂ ዜና ተዘርጊሑ ዝነበረ ዀይኑ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ እቲ ፖሊቲካዊ ወጥሪ ምቕፃሉ ዝዝከር እዩ።

ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ትግራይ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ቀጻሊ ኣኼባታት ተጸሚዶም ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።