ሃሎዊን እንክጽንብሉ 154 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሶውል ሃሎዊን ንምጽንባል ካብ ዝተኣከቡ ሰባት ብዙሓት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ፡ በዓል ሃሎዊን ንምጽንባል ኣብ ዝተኣከበ ህዝቢ ብዝተፈጥረ ምጽቕቓጥ 154 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ ገሊጾም። 

ኣብቲ ኣብ ከተማ ሶውል ዞባ ኢታኤዎን ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ካልኦት 82 ሰባት ቈሲሎም ከምዘለዉን ካብቶም ምውታት እቶም 19 ወጻእተኛታት ምዃኖም ተሓቢሩ። 

እቲ ዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ፡ በዓል ሃሎዊን ንምጽንባል፡ ናብቲ ፍሉጥ ለይታዊ ንጥፈታት ዝካየደሉ ከባቢ ኢታዎን ድሕሪ ምትእኽኻቡ እዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት መንእሰያትን ዕድመኦም ኣብ 20ታት ዝርከብ በጽሕታትን ምዃኖም እቲ ካብ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ካብቲ ከባቢ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት፡ ኣስከሬናት ዝሓዘ ሳንጣታት ኣብ ጐደናታት፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ሰባት ንምድሓን እናተቓለሱን፡ ዝተጸቓቐጡ ሰባት ጐቲቶም እናውጽኡን የርእዩ። 

ምስቲ ሓደጋ ብዝተሓሓዝ ከባቢ 2,900 ሰባት ሃለዋቶም ተሳኢኑ ምህላው ማእከል ኮሚኒቲ ከተማ ሶል ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ-ዮኤል ህጹጽ ኣኼባ ድሕሪ ምጽዋዕ ንመዓልታት ዝጸንሕ ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ ኣሎ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣዝየ ጕህየን ከቢዱንን ኣሎ" ድሕሪ ምባል፡ "ንህይወትን ድሕነትን ሰባት ሓላፍነት" ከምዝስምዖ ተዛሪቡ።

ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ስፍራ'ውን በጺሑ።

ከባቢ 50 ዝዀኑ ሰባት ወቕዒ ልቢ ኣጋጢምዎም ምንባሩ ማዕከን ዜና ዮንሃብ ንሰብ መዚ ብምጥቃስ ጸብጺቡ። 

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት፡ ነቲ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንፈለማ እዋን ኣብ ቃልዕ ብዘይማስክ ዝኽበር በዓል ሃሎዊን ንምስታፍ ተኣኪቦም ምንባሮም ይግለጽ። 

ኣቐዲሙ ኣብ ሶሻል ሚድያ፡ እቲ ከባቢ ኣዝዩ ተጨናኒቑ ከምዘሎን ውሑስ ዘይምዃኑን ዝገልጽ መልእኽትታት ተዘርጊሑ ነይሩ። 

ናብቲ ስፍራ ዝበጽሐ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ሆሱ ሊ፡ “ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣምቡላንሳት ነቲ ኣስከሬናት ሓደ ብሓደ ክወስዱ” ከምዝረኣየ ገሊጹ።

“ሎሚ ምሸት ብዙሕ ህዝቢ እዩ ኣብዚ ተኣኪቡ። ብዙሓት፡ ዝተፈላለየ ኣልባሳት ጌሮም እዮም መጺኦም፤ ብዙሓት ከኣ ተጨኒቘምን ጕህዮምን ኣለው፡ ዕግርግር እዩ፡” ኢሉ። 

ብዙሓት ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ሲቪላውያንን፡ ኣብ ጐደናታት ውነኦም ንዘጥፍኡ ሰባት ሓገዛት እናገበሩ ዘርእይ ስእልታትን ቪድዮታትን ይዝርጋሕ ኣሎ። 

ኣብ ሓደ ስእሊ ከኣ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት፡ ሰባት ካብ ዝተጸፍጸፈ ሬሳታት ስሒቦም ከውጽኡ የርኢ። 

ሓደ ጋዜጠኛ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ብሰንኪ እቲ ኣብ ጥቓ ሃሚልተን ሆቴል ዘጋጠመ ሓደጋ” ሰባት ብቕልጡፍ ናብ ቤቶም ክምለሱ ዝምሕጸን ጽሑፍ መልእኸቲ ናብ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ዞባ እትርከብ ሞባይል ቴለፎን ተላኢኹ ነይሩ። 

ሃሎዊን ኣብ ደቡብ ኮርያ ባህላዊ በዓል እኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ተቐባልነት እናረኸበ ክመጽእ እዩ ጸኒሑ።