‘ጋንግስታስ ፓራዳይዝ’ ብትብል ደርፉ ዝፍለጥ ራፐር ኩሊዮ ዓሪፉ

ኩሊዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ቅኑዕ ስሙ ኣርቲስ ልዮን ኣይቪ ጁንየር ዝኾነ ራፐር ኩሊዮ ኣብ መበል 59 ዓመቱ ከምዝሞተ ተፈሊጡ።

ኩልዮ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ገዛ ሓደ ዓርኩ፡ ኣብ ምድሪቤት ሽቓቕ ወዲቑ ከምዝተረኸበ ኣካያዲ ስራሕኡ ጃረዝ ፖዚ ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ኩሊዮ ካብ 1980ታት ኣትሒዙ ሙዚቃ ይሰርሕ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ 1995 ‘ጋንግስታ ፓራዳይዝ’ ብትብል ደርፉ ግራሚ ምስ ተዓወተ ግን ኣብ ታሪኽ ሂፕ ሆፕ ዘለዎ ቦታ ኣጽኒዑ።

እታ ደርፊ፡ ናይታ ‘ዴንጀረስ ማይንድስ’ ዘርእስታ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 78 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ዝረኸበት ፊልም መሰነይታ ኮይና እያ።

በቲ ዜና "ልባ ከም ዝተሰብረ" ኣብ ኢንስታግራም ዝጸሓፈት እታ ኣብታ ፊልም ዝተዋስአት ሚሸል ፋይፈር፡ "ፊልምና ብዙሕ ዓወት ዝረኣየትሉ ምኽንያት" ደርፊ ኩሊዮ እዩ ኢላ።

"ፈጺሙ ብሓጺሩ ዝቖጽየ ህይወት" ብምባል እታ ተዋሳኢት ዝተሰምዓ ሓዘን ገሊጻ

ፍሉጥ ጸሊም ስነጥበባዊ ስኑፕ ዶግ ብወገኑ፡ ነታ ደርፊ ጠቒሱ፡ ንሱን ኩሊዮን ኣብ 2006 ዝተሓባበሩላ ትራክ ጋንግስታ ዝተሰኣልዎ ስእሊ ዘርጊሑ።

ራፐርን ተዋሳኣይን ኣይስ ኪዩብ ድማ፡ "እዚ ዘሕዝን ዜና'ዩ። ኩሊዮ ናብ ላዕሊ ጥርዚ እቲ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ክዓብይ ተዓዚበ እየ" ክብል እንከሎ፡ ቫኒላ ኣይስ'ውን "እቲ ጥዑይ ኣርከይ ኩሊዮ ከም ዝሞተ ሰሚዐ ተጸሊለ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ራፐር ኤም ሲ ሃመር ንኩሊዮ "ሓደ ካብቶም ዝፈልጦም ደስ ዝብሉ ሰብኡት" ክብል ገሊጽዎ።

ተዓዋቲ ሽልማት ኦስካር ዝኾነ ሙዚቀኛን ዳይረክተርን ክዌስትሎቭ ከኣ ኣብ ትዊተር "ሰላማዊ ጉዕዞ ይግበረልካ ሓውና" ኢሉ ጽሒፉ።

ራፐር ፍሌቨር ፍላቭ፡ ንሱን ኩሊዮን "ኣብ ሰሉስ ብሓባር ምርኢት ከቕርቡ" መደብ ከምዝነበሮም ሓቢሩ።

ድምጻዊት ደቢ ሃሪ "ብኽብሪ ዕረፍ" ብምባል ዘለዋ ናእዳን ኣድናቖትን ገሊጻ። ራፐር ኤልኤል ኩል ጄ ድማ ብተመሳሳሊ ምስ "ፍቕሪን ክብሪን" ዝብል መልእኽቲ ጽሒፉ። ሙዚቀኛ ኣል ያንኮቪች እውን ምስ'ቲ ነፍስሄር ራፐር ዝተሰኣሎ ስእሊ ብምልጣፍ ሓዘኑ ገሊጹ'ሎ።

ጠንቂ ሞት ናይቲ ህቡብ ስነጥበባዊ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።

ይኹን እምበር ፖዚ፡ እቶም ዝወሰድዎ ሓካይም ምስ ልቢ ዝተኣሳሰር ሕማም ክኸውን ይኽእል ዝብል እምነት ከምዘለዎም ተዛሪቡ።

ኣብ 90ታት ኣብ መድረኽ ሙዚቃ ራፕ ምዕራባዊ ገማግም (ዌስት ኮስት) ኣሜሪካ ፍሉጥ ዝነበረ ኩሊዮ ኣብ ክፍለሃገር ፔንስልቨንያ ተወሊዱ፡ ኣብቲ ሞያኡ ዘዐንበበሉ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ፡ ኮምፕተን ድማ ዓብዩ።

ቅድሚ ምሉእ ግዜኡ ንሂፕ-ሆፕ ምውፋዩ ኣብ ከባቢ ሳን ሆዜ ከም ወለንተኛ ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።

ንሱ ኣብ 1994 ንጋዜጣ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት "ሞራሉ ንምጽራይ ዝኸውን መንገዲ" ስለዝኾነ ከምኡ ከምዝገበረ ገሊጹ ነይሩ።

"ኣብ ምጥፋእ ሓዊ ዝወሃብ ስልጠና ዘድልየኒ ዝነበረ ስነ-ስርዓት እዩ ነይሩ" ኢሉ። "መዓልታዊ ንጎዪ ነይርና። ኣነ ኣይሰትን፡ ሽጋራ ኣየትክኽን ወይ ከምቲ ልሙድ ዝገብሮ ዝነበርኩ ነገራት ኣይገብርን ነይረ።"

ኩሊዮ ኣብ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንሱ ጋንግስታ ራፐር ዝብል መጸውዒ ነጺጉ፡ ኣብ ክንድኡ ኩሉ መዳያዊ ኣዘናጋዒ ዝብል ተራ ይመርጽ።

ኩሊዮ፡ ኣብ 2009 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበረ ሴሌብሪቲ ቢግ ብራዘር ሓዊሱ ኣብ ዓሰርተታት ፊልምታትን መደባት ተለቪዢንን ዝተዋስአ ንፉዕ ኣሰናዳኢን ተዋሳኣይን'ዩ ነይሩ።

‘ኩኪንግ ዊዝ ኩሊዮ’ ዝብል መጽሓፍን ተኸታታሊ መደብ ኢንተርኔትን እውን ኣዳልዩ እዩ።

ክሳብ ዝሞተሉ እዋን ንጡፍ ዝነበረ ኩሊዮ፡ እኒ ቫኒላ ኣይስን ያንግ ኤም ሲን ሓዊሱ ምስ ካልኦት ኮኾባት 90ታት ዑደት ኣብ ምግባር'ዩ ጸኒሑ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት እውን ኣብ ቴክሳስ ምርኢት ኣቕሪቦም ነይሮም።

ኣብ 1996 ዝተመርዓወ ኩሊዮ ምስ በዓልቲ ቤቱ ነበር ጆሴፋ ሳሊናስ ኣርባዕተ ቆልዑ ኣፍርዮም እዮም።