እስራኤል ኣብ ምጽራይ ቅትለት ጋዜጠኛ ሽሪን ኣቡ ዓቕላ፡ ምስ ኣመሪካ ከምዘይትተሓባበር ኣፍሊጣ

ሽሪን ኣቡ ዓቕላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ሽሪን ኣቡ ዓቕላ
Published

እስራኤል ኣብ ጉዳይ ቅትለት ጋዜጠኛ ሽሪን ኣቡ ዓቕላ፡ ኣብ ዝግበር ዝዀነ “ደጋዊ መርመራ” ከም ዘይትተሓባበር ገሊጻ።

ሚኒስትር ምክልኻል በኒ ጋንትዝ፡ ሰብ መዚ ኣመሪካ ኣብ ቅትለት እታ ጋዜጠኛ መርመራ ምጅማሮም ጌጋ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

እታ ፍልጤማዊት-ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ፡ ኣብቲ ብእስራኤል ዝተትሓዘ ከባቢ ዌስት ባንክ፡ ወተሃደራት እስራኤል ስርሒት ኣብ ዘካይዱሉ፡ ኣብ ስራሕ እናሃለወት ብጥይት ኣብ ርእሳ ተወቒዓ ከም ዝሞተት ይዝከር።

ኣቐዲሙ፡ ሽሪን ብወተሃደራት እስራኤል ከም ዝተቐተለት መሰኻኽር ዓይኒ ዝገለጹ ኰይኖም፡ ሰብመዚ እስራኤል እውን ብእስራኤላዊ ወተሃደር ተቐቲላ ክትከውን ከም እትኽእል ገሊጾም እዮም።

ቤት ጽሕፈት መርመራ ፌደራል ኣሜሪካ (ኤፍ.ቢ.ኣይ) ኣብ ቅትለት እታ ጋዜጠኛ መርመራ ከም ዝጀመረ ንሚኒስትሪ ፍትሒ እስራኤል ምሕባሩ ኣሜሪካዊት ትካል ዜና ኣዝዮስ ብሰኑይ ገሊጻ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል “ሞያዊን ዘይሻራውን መርመራ” ከም ዘካየደ ዝሓበረ ሚኒስተር ምክልኻል ገንትዝ ግና ኣብ ልዕሊ ወታሃደራቶም ንዝካየድ ዝኾነ ምርመራ ከም ዘይተሓባበሩን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ምጽራይ ከካይዱ ከም ዘይፈቕዱሎምን ንሰብ መዚ ኣመሪካ ከም ዝሓበሩሎም ተዛሪቡ።

ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣዝዮም ፍሉጣት ካብ ዝዀኑ ጋዜጠኛታት ሓንቲ ዝነበረት ሽሪን ኣቡ ዓቕላ፡ ብ11 ጉንበት 2022፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጀኒን፡ ወተሃደራት እስራኤል የካይድዎ ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣብ እትጽብጽበሉ እዋን እያ ተቐቲላ።

ኣብቲ እዋን ኣብ መንጎ ወተሃደራት እስራኤልን ፍልስጤማውያን ሚልሻታትን ልውውጥ ተኹሲ ዝነበረ ኰይኑ፡ እታ ጋዜጠኛ መለለዪ ጋዜጠኛታት ዝዀነ ቆቢዕን ጃኬትን ተኸዲና ነይራ።

መሰኻኽር ዓይንን ሰብመዚ ፍልስጤምን፡ እታ ጋዜጠኛ ብወተሃደራት እስራኤል ከም ዝተቐተለት ዝገለጹ ኰይኖም ብሕቡራት ሃገራትን መራኸቢ ብዙሃንን ዝተገበሩ መርመራታት እውን ነዚ ኣረጋጊጾም እዮም።

ገምጋም ኣሜሪካ እውን እቲ ነታ ጋዜጠኛ ዝቐተለ ጥይት ካብ ወተሃደራት እስራኤል ዝተተኰሰ ክኸውን ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ሓደ በዓል መዚ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ጋዜጠኛ ምዃና ብዘይፈለጠ ወተሃደር ብጌጋ ተወቒዓ ክትከውን “ዓብዪ ተኽእሎ” ምህላዉ ተዛሪቡ ነይሩ።

“ነቲ ዝገበሮ ነጊሩና እዩ፤ ከምኡ ገይሩ እንተዀይኑ እውን ብስሕተት ዝተገበረ እዩ” ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብቲ እዋን እቶም ወተሃደራት ዝነበሩዎ ኩነታት ጽንኩር ከም ዝነበረን ካብ ኩሉ ኣንፈት ይትኰሰሎም ምንባሩን እቲ በዓል መዚ ዝሓበረ ኰይኑ፡ ካብቲ ኣቡ ዓቕላ ዝተቀተለትሉ ከባቢ ዝተረኸበ ናይ ቪድዮ ሓበሬታ ግን ነዚ ዝድግፍ ኣይኰነን።

ወተሃደራት እስራኤል ኣስታት 200 ሜትሮ ጥራሕ ርሒቖም ምንባሮም ይግመት።እቲ ቪድዮ ድማ፡ ማቲ እታ ጋዜጠኛ ዝነበረትሉ ከባቢ ብተደጋጋሚ ጠያይቲ ክትኩሱ የርእይ።

ኣብ እየሩሳሌም ዝተወለደት ጋዜጠኛ ኣቡ ዓቕላ፡ ዝበዝሕ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ዝተቐመጠትን ዜግነት ኣሜሪካ ዝነበራን እያ።

ዝበዝሕ ናይ ስራሕ ግዚኣ ድማ ጎንጺ እስራኤልን ፍልስጤምን ኣብ ምጽጻብ ኣሕሊፋቶ።

ሓደ እዋን “ጋዜጠኝነት ናብ ህዝቢ ዝቐረበ ክኸውን እየ ዝደልዮ። እቲ ሓቂ ንምቕያር ቀሊል ዘይክኸውን ይኽእል፤ እንተወሓደ ግን ድምጾም ናብ እዝኒ ዓለም ከምጸኦ ይኽእል እየ” ኢላ ነይራ።