ንናይጀርያዊ ኮኸብ ኣፍሮቢትስ ሞህባድ ዝሓከመት ነርስ ቀንዲ ጥርጥርቲ ሞቱ ምዃና ፖሊስ ገሊጹ

ንናይጀርያዊ ኮኾብ ኣፍሮቢትስ ሞህባድ መርፍእ ከም ዝወግአቶ ዝተነግረ ሓጋዚት ነርስ፡ ቀንዲ ጥርጥርቲ ሞቱ ምዃና ፖሊስ ገሊጹ።
ሞህባድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ኣብ ዘይንጹር ኩነታት ከምዝሞተ ይዝከር።
ብሞት እዚ ወዲ 27 ዓመት ተጻዋታይ፡ ኣመና ዝሓዘኑ ደገፍቱ፡ ዕሙቕ ዝበለ ምርመራ ክካየድ ሓቲቶም።
ብዓርቢ ፖሊስ፡ ንሞህባድ ዝሓከመት ነርስ ብሸለልትነት ከም ዝወግኣቶ ገሊጹ። እታ ነርስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ትርከብ ኮይና ዛጊድ ርእይቶ ኣይሃበትን።
ፖሊስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ከተማ ሌጎስ ንሞት ሞህባድ ዘብጽሐ ሰንሰለታዊ ፍጻመታት ኣቐሚጡ።
ብ10 መስከረም፡ ሞህባድ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኢለሪዮሉዋ ኦላዲሜጂ ኣሎባ፡ ፕራይምቦይ ብዝብል ሳጓ ምስ ዝፍለጥ ናይ ቁልዕነት ዓርኩ ኦሉዋቶሲን ኦዎዱኒ ‘ተባኢሱ’ ንነብሱ ከምዘቁሰላ ኮሚሽነር ፖሊስ ግዝኣት ሌጎስ ኢዶው ኦዎሁንዋ ገሊጹ።
ሞህባድ በዓል ሓዳርን ኣቦ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ቆልዓ ኮይኑ፡ ንኦዎዱኒ ክወቕዖ ፈቲኑ ነይሩ። እንተኾነ ግን መስኮት መኪና ምስ ሰባበረ ስሒቱ ኢዱ ከምዝቖረጸ መረዳእታ ፖሊስ ሌጎስ የመልክት።
ኣብ ዝቐጸሉ መዓልታት፡ እቲ ቁስሊ ከም ዝሓበጠን፡ ሞህባድ ድማ ንቓንዝኡ ክጻወሮ ዘይምኽኣሉን እቲ ኮሚሽነር ገሊጹ።
ካልእ ዓርኩ ኣዮባሚ ሳዲቕ፡ ነቲ ኮኾብ ንምሕካም፡ ንሓጋዚ ኣለይቲ ሕሙማት ፈይሳዮ ኦገደንገ ናብ ገዛ ሞህባድ ክትመጽእ ጸዊዕዋ።
ሳዲቅ ይኹን ኦዎዱኒ ብዛዕባ መግለጺ እቲ ኮሚሽነር ርእይቶ ኣይሃቡን። ክልቲኦም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
እቲ ኮሚሽነር ብ12 መስከረም ሚስ ኦገደንገ ንሞህባድ ሰለስተ ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ከም ዝወግኣቶ ገሊጹ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድማ ተምላስን ምንቅጥቃጥን ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ብድሕሪኡ ሞህባድ ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ዝተወሰደ እንትኾን፡ ኣብኡ ሞይቱ ድማ ሬስኡ ንጽባሒቱ ተቐቢሩ።
እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ፖሊስ፡ ከም ተሓጋጋዚት ነርስ መጠን፡ ኦገደንገ ነቲ መርፍእ ክትህብ ብቕዓት ከምዘይብላ ኣረጋጊጹ ክብል ኮሚሽነር ኦዎሁንዋ ገሊጹ።
ፖሊስ፡ ሚስ ኦገደንገን ሚስተር ኦዎዱኒን እንታይ ክሲ ከምዘጋጥሞም ኣይገለጸን። ይኹን እምበር፡ ሚስተር ሳዲቕ፡ ንሞህባድ ኣብ ዘይተማልአ ሕክምናዊ ኩነት ክትሕክሞ ዘይብቐዕቲ ሓኪም ዓዲሙ ስለዝተባህለ፡ ውዲት ብምፍጻም ተታሒዙ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኮኾብ ፊልም ኣፍሮቢትስ ናይራ ማርሊን ኣላላይ ሙዚቃ ሳም ላሪን እውን ክልቲኦም ንሞህባድ ኣደናጊሮምዎን ኣሸጊሮምዎን ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ንሱ ይኹን ላሪ ብዛዕባ እቲ ብዓርቢ ዝሃቦ መግለጺ ፖሊስ ርእይቶ ኣይሃቡን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
