ንቐዳም ዝተሓስበ ፈስቲቫል ኤርትራ ጀርመን ተሰሪዙ

Published

ዝመጽእ ቀዳም 23 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራ ከምዝተሰረዘ ማዕከናት ዜና ጀርመን ኣቃሊሐን።

ነዚ ኣመልኪቱ፡ ምምሕዳር ከተማ ሽቱትጋርት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ብማሕበረኮም ኤርትራውያን ፈስቲቫል ንምክያድ ዝጸንሐ መደብ ብስምምዕ ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።

ዝሓለፈ ቀዳም 16 መስከረም፡ ኣብታ ከተማ ክካየድ ተሓሲቡ ኣብ ዝነበረ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ዕግርግር፡ 228 ዝዀኑ ኤርትራውያን ተቓወምቲ መንግስቲ ምስ ፖሊስ ብምግጫው ከም ዝተኣስሩን፡ ብሰንኩ እቲ መደብ ኣብቲ ዕለት ክካየድ ከምዘይከኣለን ተሓቢሩ ነይሩ።

ድሒሩ ብኣዳለውቲ እቲ ፈስቲቫል ከምዝተሓበረ፡ እቲ ፈስቲቫል ንቐዳም እዩ ተሰጋጊሩ ኔሩ፤ እዚ ድማ ንሰበስልጣን እታ ከተማ ኣብ ወጥሪን ክትዕን ኣእትይዎም እዩ ጸኒሑ።

ነዚ ኣመልኪቱ፡ እቲ ብረቡዕ ምሸት ካብ ምምሕዳር ከተማ ሽቱትጋርት ዝተዋህበ መግለጺ ከምዘነጽሮ ኸኣ፡ ምስራዝ ናይቲ ተመዲቡ ዝቐነየ ፈስቲቫል፡ "ኣብ መንጐ እቲ ምምሕዳርን ኣካየድቲን ብዝተበጽሐ ሓባራዊ ስምምዕ" እዩ፡ ኢሉ።

እዚ ውሳነ’ዚ፡ ኣብ መንጐ ኣካየድቲ ማሕበር ኤርትራውያንን ሓላፊ ምቍጽጻር ስርዓት እታ ከተማ፡ ክለመንስ መየር ድሕሪ ዝተኻየደ ጽዑቕ ዝርርብ ዝተበጽሐ ኰይኑ፡ ንስለ "ድሕነት ህዝብን ምኽባር ስርዓትን" ብሓባራዊ ስምምዕ ዝተወሰነ ምዃኑ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ሓደ ካብ ኣካየድቲ እቲ መደብ ዝዀነ ዮሃንስ ርእሶም ንማዕከናት ዜና ጀርመን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስራዝ እዚ መደብ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብን ብዘለና ሓላፍነት ኰይኑ፡ መርኣያ ዘለና ናይ ምትሕብባር ድሌት እዩ፤ እንተዀነ ግን እዚ ንናዕቢ ኢድካ ከም ምሃብ ክርአ የብሉን፡ ኢሉ።

እቲ ፈስቲቫል ኣብ ዝዀነ ካልእ ግዜ ክካየድ እዩ፤ ሕጂ ግን ነቲ ዘሎ ኵነታት መሊስካ ንዘይምግዳድ፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ከነሰጋግሮ ወሲንና ኣለና፡ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ከንቲባ ሽቱትጋርት ፍራንክ ኖፐር፡ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምንኣድ፡ ኣብቲ ብረቡዕ ምሸት ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሳተፉ ናዕበኛታት፡ ቅልጡፍን ተሪርን መቕጻዕቲ ክወሃብ ደጊሙ ጸዊዑ።

ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ እታ ከተማ፡ ካርሰን ሆፍለር ብወገኑ፡ በቲ ውሳነ ሩፍታ ከምዝተሰምዖም ገሊጹ።