ሶርያ፡ እስራኤል ንዒላማታት 'ሆምስ' ከም ዝደብደበት ኣፍሊጣ

Published

እስራኤል ኣብ ግዝኣት ሆምስ ንዝርከቡ ዒላማታት ብምድብዳባ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ወይ ከም ዝቘሰሉ ሰራዊት ሶርያ ኣፍሊጡ።

ግዝኣት ሆምስ ካብ ሊባኖስ ንኣንፈት ሰሜን እዩ ዝርከብ።

ሓይሊ ኣየር ሶርያ ንሚሳይላት እስራኤል ወቒዑ ከም ዘውደቐ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሶርያ ኣቃሊሑ።

ሓደ ወተሃደራዊ ምንጪ ሶርያ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ሆምስ ንዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሹራያትን ካልኦት ነቝጣታትን ዒላማ ከም ዝገበረ ገሊፁ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኲናት እስራኤል-ቓዛ ካብ ዝውላዕ ንደሓር፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድገፉ ዒላማታት ሚሊሻታት ተካይዶ ዘላ መጥቃዕትታት ዛይዱ ኣሎ።

ሶርያዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ‘ሲርያን ኦብዝርቨቶሪ ፎር ሂዩማን ራይትስ’፡ በቶም ብሰሉስ ዝተካየዱ መጥቃዕትታት ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ።

ሃገራዊ ተለቪዥን ሶርያ፡ ኣምቡላንሳት ናብቲ ደብዳብ ኣየር ዝተኻየደሉ ከባቢ ከምርሓ ዘርኢ ቪድዮታት ዘርጊሓ። እንተዀነ ሮይተርስ ነቲ ከባቢ ብልክዕ ከረጋግጾ ከምዘይከኣለ ገሊጹ።

ካብቶም ዝተቐተሉ እቶም ክልተ ሲቪላት ከም ዝዀኑ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ሓቢሩ።

ንዓመታት ኣብ ሶርያ ደብዳባት ዝፈፀመት እስራኤል፡ ምስ ኢራን ርክብ ንዘለዎም ዕጡቓት ዒላማ ከም ትገብር እያ ትገልፅ።

ሓይልታት ኢራን፡ ካብ ምጅማር ኲናት ሕድሕድ ሶርያ ኣትሒዞም፡ ኣንጻር እቶም ሰፊሕ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ዕጡቓት ዝዋጋእ ዘሎ ፕረዚደንት ባሻር ኣል-ሳድ ይሕግዙ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ኣሜሪካ፡ ብ 28 ጥሪ ኣብ ዮርዳኖስ ንዝተቐተሉ ሰለስተ ወተሃደራታ ሕነ ንምፍዳይ፡ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ንዝርከብ ዒላማታት ደብዲባ እያ።