እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካርዲ ቢ ኣብ መድረኽ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙዋ?
ካርዲ ቢ ኣብ ላስ ቬጋስ ኮንሰርት ኣብ እተቕረበሉ ዝነበረት እዋን ዘጋጠሙ ፍጻመታት ኣዘራረብቲ ኰይኖም ኣለዉ።
መጀመርታ ሓደ አድናቒ መስተ ዝሓዘ ጥርሙስ ናብታ ኣብ መድረኽ ዝነበረት ጓል 30 ዓመት ራፐር ደርብዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ካርዲ ቢ እትደርፈሉ ዝነበረት ማይክሮፎን ናብ ተዓዘብቲ ብምድርባይ ምላሽ ሂባ።
እዚ ፍጻመ ድማ ካልእ ነገር ኣቃሊዑ፤ ዋላ’ኳ ካርዲ ቢ ማይክሮፎን እንተደርበየት፡ ድምጻ ግን ኣይተቛረጸን። ደርፋ ኣብ ስፒከራት ምቅላሕ ቀጺሉ።
እዚ ማለት እታ ራፐር፡ ‘ሊፕ ሲንክ’ እያ ትገብር ነይራ - ምስ ኣቐዲሙ ዝተቐድሐ ደርፋ ብምስምማዕ ከንፈር ስቕ ኢላ ተንቀሳቕስ ነይራ ማለት እዩ።
ቢቢሲ ካብ ወከልቲ ካርዲ ቢ ርእይቶ ክረክብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
እቲ ኣብ ላስ ቬጋስ ዘጋጠመ እቲ ፍጻመ፡ ብሓያሎ ደገፍቲ ብብዙሕ ኩርናዓት ብካሜራ ተቐሪጹ እዩ።
ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ሰራሕተኛታት ጸጥታ ነቲ መስተ ዝደርበየ ከቢቦም ማይክሮፎን ናይታ ራፐር ክመልሱ ይረኣዩ።
ኣቐዲሙ ኣብ ዝተቐድሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ካርዲ ቢ ሕቖኣ ናብቲ ህዝቢ እናመለሰት፡ ንካልእ ኣድናቒ ብድሕሪታ ክነጽገላ ክትሓትት የርእይ።
ድሒሩ ኣብቲ ምርኢት፡ እታ ራፐር፡ ብናይ ገዛእ ርእሳ መምርሒ ኣብ ሕቖኣ ከም ዝተነጸገ ገሊጻ።
እቲ ካልኣይ ኣድናቒ ግን ብዘይተጸበየቶ መንገዲ ዝደርበዮ መትሓዚ ማይ ኣብ ገጻ ከም ዝወቕዓ ሓቢራ።
ካርዲ ቢ ብዝያዳ ብከም ‘ኣይ ላይክ ኢት፡ ኣፕን ቦዳክ የለው’ን ዝኣመሰላ ውሩያት ደርፍታት ትፍለጥ።
ደገፍቲ ስለምንታይ ዝተፈላለዩ ነገራት ናብ መድረኽ ይድርብዩ?
ካርዲ ቢ ዘጋጠማ ፍጻመ ዳሕረዋይ ኣብነት ጥራይ እዩ፤ ብሰንኪ ኣድነቕቲ ዝድርብይዎም ነገራት ምርኢታቶም ከቋርጹ ዝተገደዱ ደረፍቲ ሒደት ኣይኰኑን።
ተዓዘብቲ ናብ መድረኽ ወይ ናብ ደረፍቲ ዝተፈላለዩ ነገራት ክድርብዩ ዘርእዩ ቪድዮታት ዳርጋ ሰሙን ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ተዘርጊሖም ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ሃሪ ስታይልስ ኣብ ሓደ ምርኢት ኣብ ዓይኑ ተወቒዑ ነይሩ።
ፒንክ ድማ ኣብ ለንደን ምርኢት እናቕረበት ከላ ሓሙኽሽቲ ሰብ ዝሓዘ ቦርሳ ተደርብዩዋ።
ድምጻዊት ኣቫ ማክስ እውን ኣብ መድረኽ ተጸፊዓ’ያ፤ ድምጻዊት ኬልሲ ባለሪኒ ድማ ኣምባር ተደርብዩዋ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሊል ናስ ኤክስ፡ ኣብ ሽወደን ምርኢት እናቕረበ እንከሎ፡ ናይ ጾታዊ ርክብ መሳርሒ ኣብቲ መድረኽ ምስ ዓለበ፡ ተገሪሙ እዩ።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ቢቢ ረክሳ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብ መድረኽ ዝደርበዮ ቴለፎን ኣብ ገጻ ወቒዕዋ ከም ዝተጎድአትን ናብ ናብ ሆስፒታል’ውን ከም ዝተወስደትን ይዝከር።
እቲ ወዲ 27 ዓመት ኒኮላስ ማልቫኛ ምዃኑ ዝተገልጸ ሰብ፡ ድሒሩ ብዝተፈላለዩ ደረጃታት መጥቃዕቲ ተኸሲሱ እዩ።
ኒኮላስ፡ ተሌፎኑ ዝደርበየሉ ምኽንያት "መስሓቕ እዩ" ኢሉ ብምሕሳቡ እዩ፤ ንብዙሓት ስነጥበባውያን ግን ከምዚ ዓይነት ፍጻመ መስሕቕ ኣይኰነን።
ድምጻዊ ቻርሊ ፑት ኣብ ትዊተር፡ "ኣኽብሮት ዘይብሉን ኣዝዩ ሓደገኛን" ምዃኑን ብምግላጽ ከምዚኦም ዝበሉ ፍጻመታት "ደው ክብሉ ኣለዎም" ክብል ንደገፍቱ ተማሕጺኑ።
ስለዚ ንሙዚቀኛታትን ምርኢታቶምን ክርእዩ ገንዘብ ከፊሎም ዝኣትዉ ገለ ኣድነቕቲ፡ ስለምንታይ መወዳእትኦም ናብ መድረኽ ዝተፈላለዩ ነገራት ምድርባይ ይኸውን?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርዲፍ መምህር ዝዀነት ዶክተር ሉሲ ቤነት፡ ኣብ መንጎ ኣድነቕትን ዝፈትውዎም ደረፍትን ዘሎ ርክብ ትጥምት።
ንሳ፡ ከም ሓባራዊ ስጉምቲ ክኸውን ከሎ ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ "ናይ ዋንነት" ስምዒት ክፈጥርን "መንነቶም ክገልጹ" ከም ዘኽእሎምን ትዛረብ።
"እንተዀነ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ነገር ዝቕየር ዘሎ ይመስል፤ ዝያዳ ዝተነጸሉ፡ ምዝባዕ ዝፈጥሩ፡ ውልቃዊ ኣካላዊ ተግባራት ከም ምድርባይ ኣቑሑት ንርኢ ኣለና" ትብል።
ብተወሳኺ "ኣብ ኮንሰርት ብኣካል ክንርከብ ኣብ ዘይከኣልናሉ" እዋን ለበዳ ኮቪድ፡ ኣተሓሳስባ ሰባት ተቐይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ትገልጽ።
ዶክተር ቤነት ከም እትብሎ፡ ገለ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ንክረኽቡ ዝገብርዎ ጻዕሪ ይመስል።
"ምስኦም ኣብ ሓደ ቦታ እናሃለኻ፡ ገለ ነገር እንተደርቢኻ፡ ሽዑ ኣቓልቦ ትረክብ ኢኻ" ትብል።
ገለ ኣድነቕቲ፡ "ኣብ እዋን ኮንሰርት ቅኑዕ ባህሪ ንምርግጋጽ" ተገዳስነት ይወስዱ ከም ዘለዉ ዶክተር ቤነት ትሕብር።
"ስነጥበባውያን ምርኢት ኣብ ዘቕርቡሉ እዋን ዝያዳ ክብሪን ሓለዋን ንኽረኽቡ፡ ምናልባት ኣድነቕቲ ባዕሎም ዝያዳ ጻዕርታት ክገብሩ ክንርኢ ንኽእል ኢና" ትብል።
"ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣድነቕቲ ቴይለር ስዊፍት ዘዳለውዎ ናይ ኮንሰርት መምርሒታት ስነ-ምግባር ርኢና ኢና"።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ቴይለር ስዊፍት ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ሲያትል ዘካየደቶ ኮንሰርት ልዑል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘስዓበ ተገሊጹ ነይሩ።
ካብቲ ስርዓተ ድምጺ እቲ ኮንሰረት ብተወሳኺ ኣድነቕቲ ቴይለር ድጋፎምን ሓጎሶምን ዝገለጹሉ ኣገባብ ጠንቂ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት ምግላጾም ይዝከር።