ሩስያ፡ ኣምባሳደር ኢስቶንያ ካብ ሃገራ ክወጽእ ኣዚዛ

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ
Published

ሩስያ ንኢስቶንያ ብ"ጽልኢ ሩስያ" ድሕሪ ምኽሳሳ፡ ኣምባሳደር ኢስቶንያ ክሳዕ 7 ለካቲት ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዛ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢስቶንያ ምስ ሞስኮ ዝነበራ ዝምድና "ኮነ ኢላ ተዕንዎ" ከም ዘላ ገሊጹ።

ማርጉስ ላይድረ ኲናት ዩክሬን ካብ ዝጅምር ንደሓር ካብ ሩስያ ዝተሰጎገ ናይ መጀመርታ ኣምባሳደር እዩ።

ነዚ ስዒቡ ኢስቶንያ’ውን፡ ኣምባሳደር ሩስያ ክሳዕ 7 ለካቲት ካብ ሃገራ ክወጽእ ትእዛዝ ብምሃብ ግብረ መልሲ ሂባ።

ሩስያ ኣንጻር እቲ ዲፕሎማሰኛ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ኢስቶንያ ኣብ ቀረባ እዋን ቁጽሪ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሩስያ ክቕንሱ ድሕሪ ምእዛዛ'ዩ።

ሩስያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኤምባሲኣ ካብ 17 ናብ 8 ክትንኪ ተነጊርዋ። ኢስቶንያ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ዝምድና እተን ሃገራት ንምምዕባል ዝገብርዎ ጻዕሪ ከም ዘቋረጹ ገሊጻ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወከልቲ 11 ሃገራት ኔቶ ኣብ ኢስቶንያ ኣብ ዝርከብ መደበር ሰራዊት ተኣኪቦም፡ ዩክረይን መሬታ ዳግማይ ክተምልስን ተወሳኺ ምዕባለታት ሩስያ ንክትምክትን ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ፓኬጃት ብዝምልከት ምዝርራቦም እውን ወጥሪ ኣልዒሉ’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ላቲቭያ ኤድጋርስ ሪንከቪክስ፡ ሃገሩ ንኢስቶንያ ከም እትድግፍን ምስ ሩስያ ዘለዋ ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክሳብ 24 ለካቲት ከም እትቕንስን ገሊጹ።

ላይድረ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ ፈደረሽን ሩስያ ከገልግል ዝተመዘዘ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ፊንላንድን ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ከም ዝፈጸመ ይፍለጥ።

ኣብ ሞስኮ ኣብ ኤምባሲ ኢስቶንያ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ሕጂ ብምክትል ኣምባሳደር መዓርግ ዘለዎ ዲፕሎማት ክትካእ እዩ።

እቲ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ዝተወሃበ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ መራሕቲ ኢስቶንያ ንኹሉ እቲ ምስ ሩስያ ዝነበረ ዝምድና ኣበላሽዮም'ዮም። ፍጹም ፍርሒ ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝግበር ጽልኢ ምኹስኳስ፡ ክሳብ  ፖሊሲ እቲ መንግስቲ ዝኾነ ክልዕል ተገይሩ'ሎ።"

"ሕጂ ኢስቶንያ ቁጽሪ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሩስያ ብምንካይ ብሱር በተኻዊ መንገዲ ሓድሽ ዘይምሕዝነታዊ ስጉምቲ ወሲዳ ኣላ፡ እዚ ድማ ምፍራስ ዝምድና እዘን ሃገራት ዘረጋግጽ’ዩ።

ከም ምላሽ ድማ ሩስያ፡ ዲፕሎማስያዊ ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ናብ ምክትል ኣምባሳደር ክወርድ ወሲና'ላ።"

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ወሲኹ፡ ላይድረ ሎሚ ሰኑይ ናብቲ ሚኒስትሪ ከም ዝተጸውዐን ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝተሓተተን ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ ምዕባለ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ሕጂ ኣብ ኢስቶንያ ዝተመርኮሰ ምዃኑ ይሕብር።