ኣብ ልዕሊ ሲቪላውን ወተሃደራውን መራሕቲ ትግራይ ዝጸንሐ ክሲ ተላዒሉ

ኣርማ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, MOJ

Published

ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈዴራልን ህወሓትን ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ህወሓት ዝርከብዎም መራሕቲ ትግራይ ኣንቢርዎ ዝነበረ ክሲ ከም ዘልዓሎ ሚኒስትሪ ፍትሒ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ንተሓታትነት እቶም ምስቲ ግጭት ዝተሓሓዙ ገበናት ዝምልከት ዝጸንሐ ዓለምለኻዊ ተመኵሮታት ብምውካስ፡ ኣብ መቓን መሰጋገሪ ፍትሒ ክርኣዩ ከም ዝግባእ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ፡ ይብል።

በዚ መሰረት፡ እቶ ተኸሲሶም ዝጸንሑ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ፡ ክሶም ክለዓልን ጉዳዮም ኣብ መቓን መሰጋገሪ ፍትሒ ክርአን ኣድላዪ ኰይኑ ተረኪቡ፡ ክብል እቲ መግለጺ የመልክት።

"ብገበን ተጠርጢሮም ክሲ ቀሪብሎም ዝነበረ ሲቪላውን ወተሃደራውን መራሕቲ ህወሓት፡ ክሶም ተቛሪጹ፡ ጉዳዮም ኣብ ክሊ መሰጋገሪ ፍትሒ ክርአ ምግባር ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ" ክብል መግለጺ ሚኒስትሪ ፍትሒ ይጠቅስ።

ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈዴራልን ህወሓትን ኣብ መጀመርታ ሰሙን ሕዳር 2020 ዝጀመረ ደማዊ ኵናት፡ ጠንቂ ሞት ኣማኢት ኣሽሓት፡ ምፍንቓል ሚልዮናትን ከም ዝዀነ ዝዝከር ኰይኑ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ብዝገበርዎ ዘተ ደው ክብል ክኢሉ’ዩ።

ኣብ እዋን እቲ ኵናት መንግስቲ ፌደራል ኣብ ሓምለ 2021 ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ነበር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ሕጂ ፕረዚደንት ግዝያዊ ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ተመሪጹ ዘሎ ጌታቸው ረዳን ዝርከብዎም ልዕሊ 60 ላዕለዎት ሲቪላውያንን ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ግብረሽበራውያን ኢሉ ኣብ መዝገብ ከም ዘእተዎም ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን እቲ ብሰንኪ እቲ ኵናት ብመንግስቲ ፌደራል ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ኣትዩ ዝነበረ ህወሓት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ከም ዝተኣለየ ይፍለጥ።

እቲ ቀሪብሎም ዝነበረ ክሲ እንታይ’ዩ ነይሩ?

ዋና ኣኽባር ሕጊ ፌደራል 23 ሓምለ 2021’ዩ ብስም መዝገብ ደብረጽዮን ዶ/ር ገብረሚካኤል ኣብ ልዕሊ 62 ሰባት ክሲ ምምስራቱ ገሊጹ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ መዝገብ ክሲ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ካልኦት ወተሃራዊ መኮንናትን ከምኡ'ውን ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ትካላት ኣትዮም ነይሮም።

እቲ መዝገብ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፡ ጌታቸው ረዳ፡ ኣለም ገብረዋህድን ጌታቸው ኣሰፋን ዝርከብዎም 62 ተኸሰስቲ ዘለዎ ኰይኑ ካብ መንጐኦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ'ውን ምህላዎም’ዩ ኣብ ግዚኡ ተገሊጹ ነይሩ።

ዋና ኣኽባር ሕጊ ከም ዝገለጾ እቶም ክሲ ዝተመስረተሎም ኣባላት ፈጻሚት ኮሚተ ህወሓት፡ ውሳነ ብምሃብ ልዑል ተሳትፎ ዝነበሮም ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህወሓትን ኣባላት ካቢነ እቲ ክልላዊ መንግስትን ይርከብዎም።

ብዘይካ'ዚ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከም ዝተፈጸመ ኣብ ዝተገለጸ መጥቃዕቲ "ቀንዲ ተራ ከም ዝነበሮም ዝተገለጹ ትካላት ኤፈርት፣ መራሕቲ ናይ ውልቅን መንግስታውን ትካላት፣ መራሕቲ ኮምሽን ምርጫ ትግራይ፣ መራሕቲ ናይቶም ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ዘይ-ሕገመንግስታዊ ምርጫ ዝተሳተፉ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ፍሉጣት ውልቀ ሰባት" ኣብቲ ክሲ ተካቲቶም ነይሮም።

እቲ ክሲ ኣብ ትሕቲ ክልተ ናይ ገበን ክስታት ዝተመስረተ ኮይኑ፤ እቲ ቀዳማይ ብሓይሊ፡ ብምፍርራሕ ብኣድማን ሕጋዊ ብዘይኮነ መገድን ዘይ-ሕገመንግስታዊ ምርጫ ምክያድ፡ ብሕገ መንግስቲ ንዝቖመን ኣፍልጦ ንዝተዋሃቦን ክልላዊ መንግስቲ ብምልዋጥ ንገበናዊ ሕጊ እታ ሃገር ዓንቀጽ 238 ብምጥሓስ እዩ።

እቲ ካልኣይ ድማ ንመንግስቲ ፌደራል ብሓይሊ ንምልዋጥ ብምሕሳብ ካብ 2011 [ግእዝ] ጀሚሩ ንመንግስቲ ፌደራል ብብረታዊ መጥቃዕቲ ክልውጥ ዝኽእል ናይ ትግራይ ወተሃደራዊ እዚ ዝተባሃለ ሓይሊ ብምውዳድ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ምክያድ፣ ንገበናት ሽበራ ንምክልኻል ንዝወጽአ ኣዋጅ ቁጽሪ 1176/2021 ዓንቀጽ 3/1 ከምኡውን 3/2 ብምጥሓስ ምዃኑ ኣኽባር ሕጊ ኣብቲ እዋን ምግላጹ ይዝከር።

ኣኽባር ሕጊ ኣብ ልዕሊ እቶም 62 ሰባት ንዘቕረቦ ክሲ 510 ሰባት መሰኻኽርን 5,329 ገጻት ዘለዎ ሰነዳት ኣተሓሒዙ ነቲ ጉዳይ ናብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ከምዘቕረበ’ውን ኣብ ግዚኡ ምግላጹ ይፍለጥ።