ኬንያ፡ ኣብ ግዜ ምንጻል ጥንሲ ዓመታዊ 2600 ደቂ ኣንስትዮ ይሞታ
ኬንያ፡ ኣብ ግዜ ምንጻል ጥንሲ ዓመታዊ 2600 ደቂ ኣንስትዮ ይሞታ
Published
ምንጻል ጥንሲ ኣብ ኬንያ ዝተሓላለኸ ጉዳይ እዩ። እቲ መበገሲኡ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ዝወጽአ ሕጊ ቅጽዓት፡ ምንጻል ጥንሲ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ይድንግግ።
እታ ጥንሲ እትንጽል ጓል ኣንስተይቲ፣ ነቲ ምንጻል ጥንሲ ዝፍጽምን ሰብን ንዕኡ ዘድሊ ንብረት ዘቕርብ ሰብን ድማ ገበነኛታት እዮም ይብል።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ብ2010 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ቅዋም ምስቲ ሰፊሕ ሕጊ ተደሚሩ፡ "ህይወት ወይ ጥዕና እታ ኣደ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ" ወይ ድማ እቲ ጥንሲ ብሰንኪ ዓመጽ ወይ ብዘመድ ዝተፈጸመ ምስ ዝኸውን ምንጻል ጥንሲ ይፈቅድ።
ኣብ ኬንያ ጥንሲ ክንጽላ ካብ ዝፍትና ደቂ ኣንስትዮ ዓመታዊ 2600 ከም ዝሞታ መረዳእታት ይሕብሩ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ መንግስቲ ብ2012 ንሰራሕተኛታት ጥዕና ብዛዕባ ሕጋዊ ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት መምርሒታት ኣውጺኡ ነይሩ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን እቲ መምርሒታት ኣይተተግበረን፤ ብዛዕባ ውሑስ ክንክን ምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ስልጠናታት ድማ ተቛሪጹ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣፍሪቃ ኣይ ዘካየዶ መርመራዊ ጸብጻብ እቶም ዝንጸሉ ድቂታት ኣብ ሩባታት ከም ዝድርበዩ የመልክት።



