እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክድለ ዝጸንሐ ቈልዓ ድሕሪ 8 መዓልታት ኣብ ቱቦታት መተሓላለፊ ርስሓት ተረኺቡ
ኣብ ጀርመን ደሃይ ኣጥፊኡ ክድለ ዝቐነየ ቈልዓ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ቱቦታት መተሓላለፊ ርስሓት ብህይወት ተረኺቡ።
እቲ ‘ጆ’ ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ወዲ 8 ዓመት፡ ብ17 ሰነ 2022 ኣብ ከተማ ኦልደንበርግ ካብ ዝርከብ ገዝኡ ድሕሪ ምጥፍኡ፡ ንምርካቡ ዓብዪ ወፍሪ ክካየድ ቀንዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከኣ፡ ሓደ ሓላፊ መገዲ ካብ ሓደ ጉድጓድ ድምጺ ሰሚዑ ቁሊሕ ምስ በለ ተረኺቡ።
ኢድ ሰብ ከይተሓወሶ ኣይተርፍን’ዩ ብምባል መርመራ ከካይዱ ዝቐነዩ ፖሊስ፡ እቲ ቈልዓ ኣብታ ዝጠፍኣላ መዓልቲ ናብቲ ቱቦ ብምእታው ጥራይ ተሰዊሩ ምቕናዩ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ካብቲ 300 ሜትሮ ካብ መንበሪ ገዝኡ ርሒቑ ዘሎ ረሳሕ ቱቦ ምስ ኣውጽእዎ፡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።
ዕድል ገይሩ ግን ብክቱር ቀዝሒ ዝስዕብ “ሃይፐርተርሚያ” እንተዘይኰይኑ ዝኾነ ጉድኣት ከም ዘይወረዶ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ፖሊስ፡ ምርካቡ ብወግዊ ኣብ ዝገለጽሉ እዋን “ወዲ ሸሞተ ዓመት ጆ ይነብር” ክብሉ ኣብ ትዊተር ኣበሲሮም።
“ካብ ህዝቢ ብዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ንጆ ኣብ ስርዓተ-መተሓላለፊ ርስሓት ክንረኽቦ ኪኢልና” ክብል ሓላፊ ፖሊስ ጆሃን ኩመ ተዛሪቡ።
“እቲ ዝያዳ ዘገድስ ብህይወት ምህላዉን ብህጹጽ ናብቲ ውሕስነት ዝረኽበሉ ሆስፒታል ምውሳዱን’ዩ። ሕጂ ናይ ሩፍታ እስትንፋስ ከነተንፍስ ንኽእል ኢና”።
ወላዲ እቲ ቆልዓ ብወገኑ፡ ንማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ዘጋጠሞ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ጆ “ደሓን ኣሎ” ኢሉ።
ከመይ ኢሉ ናብቲ ቱቦ ከም ዝኣተወ ዝተፈላለየ ግምታት’ኳ ክወሃብ እንተተሰምዐ፡ ፖሊስ ብሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ግን፡ እቲ ቆልዓ ተንፋሒኹ ድሕሪ ምእታዉ ክምለስ ዓቕሚ ከም ዝሰኣነ ሓቢሮም።