ሰብ ሕያዋይ ኰይኑ ድዩ ዝውለድ ወይስ እከይ?

ከም’ቲ ቶማስ ሆብስ ዝብሎ ክንውለድ ከለና ‘ኣረሜናውያን’ ዲና?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ከም’ቲ ቶማስ ሆብስ ዝብሎ ክንውለድ ከለና ‘ኣረሜናውያን’ ዲና?
Published

ኣብ ቀረባ እዋን ህፃናት ብምቕታል ዓለም ዘዘራረበት ነርስ ሉሲ ሌትቢ ብፍላይ ቀዳሞት ገጻት ዳርጋ ኩለን ጋዜጣታት ዓባይ ብሪጣንያ ዓብሊላ ነይራ።

እታ ነርስ ክትናብዮም ዝግብኡ ሸውዓተ ዕሸላት ብምቕታል እያ ገበነኛ ኮይና ተረኺባ።

ንሳ ዝዀነ ዝፍለጥ ታሪኽ ግህሰትን ዝፍለጥ መሰረታዊ ጸገም ጥዕና ኣእምሮኣን ወይድማ ምስ ኣኽረርቲ ጉጅለታት ምትእስሳር የብላን።

ብኹሉ ጸብጻባት፡ ብምቹእ ኣተዓባብያ ኣብ ንቡር ስድራቤት እያ ዓብያ። ምስ’ዚ ኹሉ ግን ዕሸላት ቀቲላ።

ሰባት እኩያት ኰይኖም’ዮም ኣይውለዱን ዝብል ልሙድ ኣተሓሳስባ ኣሎ - ንቅኑዕን ጌጋን ዘለና ዝንባለ ካብ ኣተዓባብያናን ከባቢናን ዝምንጩ’ዩ።

ስለዚ ኣብ ሓልዮትን ምቹእ ሃዋህውን ዝዓበዩ ሰባት እኩያት ክዀኑ ምስ’ዚ ሓሳብ ብከመይ ክነተዓርቖ ንኽእል?

ደቂ ሰባት ሕያዎት ኰይኖም ድዮም ዝውለዱ ወይስ እከያት ዝብል ሕቶ ንዘመናት ፈላስፋታት ክካትዑሉ ጸኒሖም እዮም።

ደቂ ሰባት ምስ ጽቡቕ ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ተወሊድና ሕብረተሰብ ድዩ ዘበላሽወና ወይስ ምስ እከይ ባህሪ ተወሊድና ሕብረተሰብ እዩ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ዝጓስየና? ፈላስፋታት ንኣሽሓት ዓመታት ዝተኻትዑሉ ሕቶ እዩ።

ኣሪስቶትል፡ ከም “ኢሞራላዊ ፍጥረታት” ከም እንውለድን ሞራል ምስ ዕብየት ከም ዝምዕብልን ይምጉት።

ሲግሙንድ ፍሮይድ እውን ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ከም ንእሽቶ ሰሌዳ ባዶ ምዃኖም ይዛረብ።

ክልተ ፍሉጣት ተጻረርቲ ኣረኣእያታት ድማ፡ ቶማስ ሆብስን ዣን-ጃክ ሩሶን ዘልዕልዎም ሓሳባት ክዀኑ ይኽእሉ።

ሆብስ፡ ደቂ ሰባት ምእንቲ ኽስስኑ ባህርያዊ ድፍኢታቶም ዝድርት ሕብረተሰብን ሕግታትን ዘድልዮም ‘ኣፀየፍትን’ን ‘ኣረሜናውያንን’ ክብል ይገልጾም።

ድሒሩ እዚ ሓሳብ ብግልጺ ዝነፀገ ሩሶ ድማ፡ ደርባዊ ስርዓት ሕብረተሰብና ዝፈጠሮ ብልሽውና ስስዐን ዘይማዕርነትን እንተዘይህሉ ነይሩ ደቂ ሰባት ሕያዎትን ፅፉፋትን ምዀኑ ነይሮም ኢሉ ይምጉት።

ብሓቂ ክንውለድ ከለና ሕያዎት ዲና ወይስ እከያት?

ኣእምሮ ዕሸላት ፍጹም ዝተሓተ ባህላዊ ጽልዋ ደቂ ሰባት’ዩ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ኣእምሮ ዕሸላት ፍጹም ዝተሓተ ባህላዊ ጽልዋ ደቂ ሰባት’ዩ

ኣእምሮ ዕሸላት ፍጹም ዝተሓተ ባህላዊ ጽልዋ ደቂ ሰባት’ዩ ዘንጸባርቕ - ኣዕሩኽ የብሎምን፡ ገና ቤት ትምህርቲ ኣይከዱን፡ ዝዀነ መፅሓፍ’ውን ኣየንበቡን።

ኣሽንኳይዶ ቋንቋ ክዛረቡ ሽንቶም’ኳ ክቆፃፀሩ ኣይኽእሉን። ስለዝዀነ ድማ ኣብኦም ዝግበር መፅናዕቲ ዝሓሸ ርድኢት ዝህብ’ዩ።

እቲ እንኮ ፀገም ግን ቋንቋ ዘይምዝራቦምን ርእይቶኦም ንምምዛን ብልሓት ዘድሊ ምዃኑ እዩ።

ፅቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ርእይቶ ንምግላፅ ግድን ክትዛረብ ኣየድልይን።

ዕሸላት ዝደልይዎ ወይ ዝፈትውዎ ነገራት ክሕዙ ኢዶም ይዝርግሑ እዮም። ንዝገርሞም ነገራት ድማ ንነዊሕ እዋን ክጥምቱ ይፍትኑ።

እዚ ኣገባብ ዝተጠቐሙ መጽናዕትታት ምዕባለኣዊ ስነ-ልቦና፡ ኣብ ሰብኣውነት ገለ ተፈጥሮኣዊ “ለዋህነት” ክህሉ ከም ዝኽእል የመልክቱ።

ዝያዳ ቴክኒካዊ ብዝዀነ ኣገላልፃ፡ እንተወሓደ ቆልዑ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝሕሰብ ዝነበረ ዕድመ ኣቐዲሞም ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምፍላይ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ይሕብሩ።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ያል ዝተኻየዱ ብልሓት ዘለዎም ፈተነታት ነዞም ስጉምትታት ተጠቒሞም ንኣእምሮ ዕሸላት ዳህሲሶም። ውጽኢቱ ድማ፡ እቶም ዝነኣሱ ደቂ ሰባት ከይተረፉ፡ ቅኑዕን ጌጋን ዝብል ስምዒት ከምኡ’ውን ካብ ክፉእ ንላዕሊ ጽቡቕ ናይ ምምራጽ ባህርያዊ ድሌት ከም ዘለዎምን ይሕብር።

ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት፡ ዝተፈላለዩ ሕብራዊ ቅርጽታት ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምዃኑ ብንጹር ብዘመልክት ኣገባብ ዝዋስኡሉ ናይ ኣሻንጉሊት ምርኢት ክዕዘቡ ተገይሮም።

ሓደ ቀይሕ ዓንኬል ንሓደ ጎቦ ንምድያብ ክቃለስ እንከሎ፡ ሓደ ትርብዒታዊ ቅርፂ ዘለዎ ሰማያዊ “እከይ” ድማ ንድሕሪት ንታሕቲ ክደፍኦ ይፍትን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓደ “ለዋህ” ብጫ ስሉስ ኩርናዕ ነቲ ቀይሕ ዓንኬል ንላዕሊ ብምድፋእ ክሕግዞ ይፍትን።

ድሕሪ እቲ ምርኢት እቶም ዕሸላት ኣየናይ ቅርፂ ክፃወቱ ከም ዝደልዩ ተሓቲቶም - እኩይ ትርብዒታዊ ቅርፂ ዘለዎ ሰማያዊ ወይስ ለዋህ ብጫ ስሉስ ኩርናዕ። ኩሎም እቶም ዕሸላት ነቲ ‘ሓጋዚ’ን ‘ሓልዮት’ ባህርያት ዘርኣየ ብጫ ስሉስ ኩርናዕ መሪጾም።

እቲ ምርኢት እቶም ቅርፅታት ተፃራሪ ተራ ሒዞም ዳግማይ ክቐርብ ተገይሩ፤ ሽዑ’ውን እቶም ዕሸላት መብዛሕትኦም ነቲ ናይ ‘ሓጋዚ’ ተራ ዝጻወት ቅርፂ መሪጾም።

ሰባት፡ ‘ጥዑያት’ ወይ ‘እከይ’ ክዀኑ ዝድርቶም ጽልዋ ሕብረተሰብ ድዩ ዝብል ሕቶ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ከካትዕ ጸኒሑ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Blackred | Getty

መግለጺ ስእሊ, ሰባት፡ ‘ጥዑያት’ ወይ ‘እከይ’ ክዀኑ ዝድርቶም ፅልዋ ሕብረተሰብ ድዩ ዝብል ሕቶ ከካትዕ ፀኒሑ’ዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 2017 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኪዮቶ ዝተገብረ መፅናዕቲ፡ ምስቲ ናይ ኣሻንጉሊት መጽናዕቲ ተመሳሳሊ ኣገባብን ርኽበታትን ዝነበሮ ኰይኑ፡ ነዚ ውጽኢት ዘረጋግጽ ይመስል።

ሽዱሽተ ወርሒ ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ሰለስተ ‘ወኪላት’ ተባሂሎም ዝተጸውዑ ገጸ ባህርያት ዝሓዘ ቪድዮ ክርእዩ ተገይሮም።

እቲ ሓደ ‘ግዳይ’ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ‘ደንዳኒ’ ኰይኑ ግዳይ ብሓይሊ ደፊኡ ምስ መንደቕ የጣብቖ።

እቲ ‘ሳልሳይ ወገን’ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ እቲ ግዳይን እቲ ደንዳኒን ጣልቃ ብምእታው ነቲ ግዳይ ንምሕጋዝ ይፍትን፤ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ክንድኡ ይሃድም።

ነቲ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣዮም እቶም ህጻናት ካብቶም ገፀ ባህሪያት ክመርፁ ተገይሮም - መብዛሕትኦም ድማ ነቲ ግዳይ ክሕግዝ ጣልቃ ዝኣተወ ሳልሳይ ወገን መሪፆም።

ካልኦት መፅናዕትታት እውን ዕሸላት፡ ንኻልኦት ዝጠቅም ባህርያት ከም ዘንፀባርቑ የመልክቱ።

ንኣብነት ኣብ ሃርቫርድ ዝተገብረ፡ ተዓዘብቲ ይርእይዎም ከም ዘለዉ ዘይፈልጡ ዕሸላት ሕያዋይ ተግባራትን ንኻልኦት ሓገዝትን ኰይኖም ተራእዮም።

እዚ ድማ ዘማዕበልዎ ባህሪ ጥራይ ከም ዘይኰነን ከምኡ’ውን መቕፃዕቲ ፈሪሖም ዝገበርዎ ዘይምዃኑ’ዩ ዘመልክት።

ውጽኢት እዞም መጽናዕቲታት ነቲ ነዊሕ ዝፀንሐ ምላሽ ዘይረኸበ ሕቶ ዝፈትሑ ኣይኰኑን።

ንኹሉ ብናይ ምስትንዓቕ ዓይኒ ዝርኢ ሰብ፡ እቶም መፅናዕቲታት ዕሸላት ኣብ ገዛእ ርእሶም ተገዳስነት ከም ዘለዎም ጥራይ ዘርእዩ እዮም ክብል ይኽእል እዩ።

እንተወሓደ ግን፡ እዞም መፅናዕትታት ነቲ ፍሮይድን ሆብስን ኣብ ባህርይ ደቂ ሰባት ዝነበሮም ዝያዳ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ምሉእ ብምሉእ ክነፅጉ’ኳ እንተዘይከኣሉ፡ ዕሸላት ብተፈጥሮኦም ንኻልኦት ዝጠቅም ባህርያት ክመርፁ ከም ዝደልዩ ዝሕብሩ ይመስሉ።