ኣሜሪካ ቅድሚ 370 ዓመታት ሓኒቃ ንዝቐተለቶም ‘ጠንቋሎ’ ካብቲ ገበን ናጻ ገይራቶም

Published

ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ከነቲከት ቅድሚ 370 ዓመታት ብተግባር ጥንቆላ ገበነኛታት ኢላ ንዝቐተለቶም ሰባት ካብቲ ገበን ናጻ ንክበሃሉ ቤት ምኽሪ ወሲኑ።

እቶም ድሕሪ 3 ክፍለ ዘበናት ናጻ ዝተባህሉ 12 ሰባት ኣሜሪካ ብባዕዳዊ መግዝኣቲ ጎቢጣ ኣብ ዝሓዘቶም ከባቢታት ዝነብሩ’ዮም።

ካብቶም 12 እቶም 11 ሰባት ምስ ጥንቆላ ተዛሚዱ ተሓኒቖም ንኽቕተሉ ተፈሪድዎም።

ቤት ምኽሪ ናይታ ግዝኣት ኣብዚ ሕጂ እዋን ከይዲ መስርሕ እቲ ፍርዲ ዝመርመረ ኰይኑ “ጉድለት ፍትሒ” ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ደቂ ደቂ ናይቶም ብጌጋ ጠንቆልቲ ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ሰባት ሽሞም ካብቲ ገበን ናጻ ከም ዝዀነ ንምግባር ስኖም ነኺሶም ተቓሊሶም።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ መበል 17 ክፍለዘበን ብዙሓት ሰባት ምስ ጥንቆላ ተዛሚዱ ግፍዓዊ ቅትለት ከም ዝተፈጸሞም’ዩ ዝግለጽ።

ባይቶ ከነቲከት ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ካብ መፋርቕ ክሳዕ መወዳእታ 16 ክፍለ ዘበን ኣብ ዝነበረ ግዜ ብጥንቆላ ናይ ዝተኸሰሱ ሰባት ሽም ናጻ ንምግባር 33 ድጋፍ ሓደ ተቓውሚ ድምጺ ሂቡ።

ነዚ ውሳነ ተቓዊሙ ድምጺ ዝሃበ ኣባል እቲ ባይቶ ሴናተር ሮብ ሳምፕሰን ይበሃል።

ንሱ “ንሕና ክንርድኦም ዘይንኽእል ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝተወሰኑ ፍርድታት ልክዕ ወይ’ውን ጌጋ’ዩ ኢልካ ንድሕሪት ተመሊስካ ምርመራ ምግባር ጌጋ’ዩ” ኢሉ።

“ኣሜሪካ ተምሳሌት ሕማቕ ታሪኽ ኰይና ንኽትርአ ዘግብሩ ፍጻመታት ክርእይ ኣይደልን” ኢሉ ከም ዝተዛረበ ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

እቲ ሴናተር ኣስዒቡ “ኣብ መጻኢ ጉዳያት ክነተኩር’ ዝደሊ። እዚ ብሩህን ዝሓሸን’ዩ” ኢሉ።

ደቂ ደቅን ኣዝማድን ናይቶም ብጥንቆላ ተኸሲሶም ዝነበሩ ሰባት ሓራ ናይ ምውጻእ መደብ ካብ 2005 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን ጀሚሩ ክካትዑ ጸኒሖም።

ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ቃልሲ ድማ እነሆ ሓሳብ ልቦም ሰሚርሎም ኣቦ ሓጎታቶም ካብቲ ብገበን ተኸሲሶምሉ ዝነበሩ መዝገብ ናጻ ተባሂሎም።

እቶም ንኣቦሓጎታቶም ካብ ናይ ጠንቋሎ መዝገብ ሓራ ንምውጻእ ዝተቓለሱ ሰባት ከም ዝተሓጎሱን ምስጋና ከም ዘቕረቡን ተገሊጹ።

እቲ ናይ ባይቶ ውሳነ ኣብ ድሮ እታ ፈላመይቲ ብጥንቆላ ተኸሲሳ ተሓኒቓ ዝተቐተለት ኣሊስ ያንግ ዝተወለደትሉ መበል 376 ዓመት ምዃኑ ድማ ፍሉይ ከም ዝገብሮ ገሊጾም።

“እዚ ውሳነ ንኽውሰን ኣበርክቶ ንዝገበሩ ደቂ ደቆም፣ ኣዝማዶም ኮነ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢሉ’ውን ተመራመርቲ ታሪኽ ካብ ልቢ ነመስግኖም” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፎም።