ስምይቲ ደራፊት ተይለር ስዊፍት ድምጸይ ንካምላ ሃሪስ’የ ዝህብ ኢላ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣመሪካዊት ስምይቲ ደራፊት ተይለር ስዊፍት፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ድምጻ ንካምላ ሃሪስ ከም እትህብ ኣፍሊጣ።

ምክትል ፕረዚደንት ካምላ ሃሪስ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዘካየደቶ ንሕንሕ ድሕሪ ምዝዛሙ እያ፡ ስዊፍት ነዚ ዝገለጸት።

እዛ ኰኾብ ሙዚቃ ፖፕ ተይለር ስዊፍት፡ ብሰሉስ ምሸት “መጽናዕተይ ወዲአ ኣለኹ። ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2024 ንካምላ ሃሪስን ቲም ዋልዝን እየ ድምጸይ ክህብ። ምኽንያቱ ኣነ ንዝኣምነሉ እያ ትቃለስ” ብምባል፡ ብመገዲ ኢንስታግራም ገሊጻ።

ስዊፍት፡ ንምክትል ፕረዚደንት ካምላ ሃሪስ፡ “በዓልቲ ተውህቦ ረዛን መራሒት’ያ” ብምባል ገሊጻታ።

እታ ድምጻዊት፡ “ብናተይ እምነት ብዕግርግር ዘይኰነስ ብህድኣት ንምራሕ እንተድኣ ኴንና፡ ኣብ ሃገርና ብዙሓት ነገራት ከነዐውት ንኽእል ኢና” ኢላ።

ተይለር ስዊፍት ብመገዲ ኢንስታግራም ዝዘርግሐቶ ምስ ድሙኣ ዝተስኣለቶ ስእሊ፡ ሕጹይ ምክትል ትራምፕ ዝዀነ ጄዲ ቫንስ ኣብ ሓደ እዋን ንዝሃቦ ርእይቶ ንምንቃፍ ምዃኑ ተኣሚቱ።

ሴናተር ኦሃዮ ዝዀነ ጄዲ ቫንስ፡ ኣብ 2021 ንካምላ ሃሪስ ሓዊሱ “ህይወተን ዕኑድ፣ ቈልዑ ዘይብለን ደማሙ ዘዕብያ ደቂኣንስትዮ” ኢሉ ድሕሪ ምቍንጻቡ ብዙሕ ተነቒፉ ነይሩ።

ስዊፍት፡ ካምላ ሃሪስ ምኽትላ ክኸውን ዝሓጸየቶ ቲም ዎልዝ ድማ፡ “ንሕደ ጾታውያንን ንመሰል ሰብነት ደቂኣንስትዮን ዝሕለቅ’ዩ” ብምባል ንኢዳቶ።

ብሰብ ዝሰርሖ ብልሒ (ኤኣይ) ዝተሰርሐን ስዊፍት ንትራምፕ እንትትድግፍ ዘርኢ ምስሊ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትራምፕ ምዝርግሑ፡ ቴይለር ስዊፍት ድምጻ ንመን ከም ትህብ ወግዓዊ ክትገብር ደሪኹ።

ድምጻውያን ጆን ሌጀንድን ኦሊቪያ ሮድሪጎን ከምኡ’ውን ተዋሳኢ ጆርጅ ክሉኒን ዳይረክተር ስፓይክ ሊን፡ ድምጾም ንካምላ ሃሪስ ከም ዝህቡ ዘፍለጡ ስሙያት ስነ-ጥበባውያን እዮም።

ተጋጣሚ ናጻ ቅልስ ሆልክ ሆገን፡ ኰኾብ ቴሌቪዥን ኣምበር ሮዝን ቢልየነር ኢሎን መስክን ድማ ንዶናልድ ትራምፕ ከም ዝድግፉ ገሊጾም።

ተይለር ስዊፍት፡ ኣብ ዝሓለፈ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ’ውን፡ ንባይደንን ሃሪስን ደጊፋ ነይራ።

ዝበዝሑ ኣድነቕታ መንእሰያትን ደቂኣንስትዮን ብምዃኖም፡ ደጋፊት ካምላ ምዃና ክንደየናይ ጽልዋ ክፈጥር ይኽእል ዝብል ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ ኣሎ።

ኣብ ኢንስታግራም 283 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለውዋ ተይለር ስዊፍት፡ ድምጻ ንካምላ ከም ትህብ ዘፍለጠትሉ መልእኽቲ፡ ልዕሊ 5 ሚልየን ‘ላይክ’ ረኺቡ።