ተሳፈርቲ ዝሓዘት ሄሊኮፕተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቍጽጽር ኣልሸባብ ኣትያ

Published

ሶማላዊ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ተሳፈርትን ኣብረርትን ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ዝሓዘት ሂልኮፕተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓዘ ምንጭታት ሶማልያ ገሊጾም።

እታ ሂልኮፕተር እቲ ጕጅለ ኣብ ዝቈጻጸሮ ማእከላይ ሶማልያ እያ ዓሊባ።

ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ (ኣሚሶም) ኣብ ሓንቲ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻረያ መድሃኒት ተጓዓዕዝ ዝነበረት ሂልኮፕተር “ናይ ኣቬሽን ክስተት” ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ።

ሽም ኣልሸባብ ዘይጠቐሰ መግለጺ ኣሚሶም፡ “ጻዕርታት ግብረ መልሲ ይሳለጥ ኣሎ” ኢሉ።

ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ዝረኣዮ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ እታ ሂልኮፕተር ብዘጋጠማ ጸገም ከምዝዓለበትን ዝዀነ ሰራሕተኛ ሕቡራት ሃገራት ከምዘይነበራን ይገልጽ።

ዜግነትን ብዝሕን ኣብታ ሂልኮፕተር ዝነበሩ ሰባት ብንጹር ኣይተፈለጠን። ሓደ ተሳፋራይ ከምዝተቐተለን ክልተ ከምዝሃደሙን እውን ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣልሸባብ ገፊሕ ከባቢታት ደቡባውን ማእከላይን ሶማልያ ይቈጻጸር።

እቲ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጕጅለ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ከበድቲ መጥቃዕቲታት ፈጺሙ።

እታ ሂልኮፕተር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣልሸባብ ምእታዋ ሚኒስትሪ ጸጥታ ግዝኣት ጋልሙዱግ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ወተሃደራዊ በዓልመዚ ሶማልያ ሓሰን ዓሊ ድማ ክልተ ሶማላውያንን ብዙሓት ወጻእተኛታትን ኣብታ ሂልኮፕተር ከምዝነበሩ ንሮይተርስ ሓቢሩ።

“መድሃኒታት እውን ጽዒና ነይራ፤ ዝቘሰሉ ወተሃደራት እውን ካብ ግዝኣት ጋልጉዱድ ተጓዓዕዝ ነይራ” ምባሉ ተጠቒሱ።

እታ ሂልኮፕተር ኣብ ዝዓለበትሉ ናብታ ኣብ ጥቓ ሓይልታት ሶማልያ ኣንጻር ኣልሻባብ መጥቃዕቲ ዘካይዱሉ ዘለዉ ከባቢ እትርከብ ከተማ ዊሲል ትበርር ነይራ።

ፕሮግራም ምግቢ ሕቡራት ሃገራት ብረቡዕ ምሸት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ናይቲ ትካል ከምዘይኰነትን ዝዀነ ሰራሕተኛኡ ኣብታ ሂልኮፕተር ከምዘይነበረን ገሊጹ።

ብተወሳኺ ከምመጠንቀቕታ ናብቲ ከባቢ ዝገብሮም በረራታት ንግዚኡ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ዘካይዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ኣሐዪልዎ ኣሎ።