ምዝራፍ ደቀንስትዮ ብዕርቀ'ዶስ ብሕጊ እንተዝውዳእ ይሓይሽ?

Published

ተምሃሪት ሻምናይ ክፍሊ እንከላ ኣብ 13 ዓመት ዕድመኣ ብዘረፋ ዝተወሰደት ደጊቱ ዳቃሟ በቲ ዘራፊኣ ፆታዊ መጥቃዕቲ እናተፈፀማ ክልተ ወርሒ ኣብ ጫካ ኣሕሊፋ’ያ።

ኣብ ርእሲ እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲን ዝወረዳ ኣካላዊ መጕዳእቲን እቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሃስያ እውን ቀሊል ኣይነበረን።

እዚ ኰይኑ ግን እቲ ኣብ ልዕሊኣ ነቲ ገበን ዝፈጸመ ውልቀሰብ ናብ ስድራኣ ሽማግለታት ብምልኣኽ ዕርቂ ድሕሪ ምፍጻሙ ናብ ገዛኡ እዩ ወሲድዋ።

ኣብ ልዕሊኣ ከቢድ ጉድኣት ንዘውረደላ ሰብ ክትምርዖ ዝተገደደት ደጊቱ ግን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ካብ ሓዳራ ሃዲማ ብምውጻእ ህይወታ ክትቅይር ክኢላ’ላ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ደጊቱ ዘጋጠመ ፍጻመ ናይ መጀመርታ ተርእዮ ኣይኮነን፤ ታሪኽ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን እዩ።

ጓለ'ንስተይቲ ከም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ጥራይ ዘይኰነ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ከም ገበን እዩ ዝቝጸር።

ብኸምዚ ኵነታት ዝተጨውያ ደቂ ኣንስትዮ ኣክንዲ ፍትሒ ከም ዝረኽባ ምግባር ‘ዕርቂ ምውራድ’ ብዝብል ባህላዊ መንገዲ መዕለቢ ብምግባር ናብ ሕጊ ከይቀርባ ይግበር።

ግን ድማ ልዕሊ ሕጊ ዝኸውን ሰብ የለን።

ገለ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ግን ብሰንኪ ገለ ባህላዊ ኣሰራርሓ ካብ ፍትሒ ይሃድሙ ከምዘለዉ ይዝረብ።

“ሽማግለታት ዕርቂ ኣውሪዶም እዮም” ብዝብል እቶም ገበነኛታት ናብ ቅድሚ ሕጊ ከይቐርቡ ይግበር። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ዝፍጸም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ መቕጻዕቲ ገንዘብ ብምውሳን እዩ።

እቲ ብሽምግልና ዝወሃብ መፍትሒ ግን ነቲ ዝተፈጸመ ገበን ፍትሒ ዝህብ ድዩ? ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያኸ ንውሳነ ሽማግለታት ይቕበሎ’ዶ?

ባህላዊ ሕጊ ኣብ ጉዳይ ምዝራፍ

ብርግፅ ሽማግለታት ዓዲ ኣብ ዝፍጠሩ ጐነጻት ሰላም ኣብ ምስፋን ሓላፍነት ኣለዎም’ዩ። ዘይምርድዳእን ጐነጽን ብዕርቂ ብምፍታሕ እውን ዝምድናታት ሕብረተሰብ ክዕቀብ ይገብሩ።

ኣብ ጉዳይ ምዝራፍ ግን እቲ ዝውሰድ ስጕምቲ ንሰብኣዊ መሰል እተን ግዳያት ዝግህስ ይመስል።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳ ኮፈሌ፡ ኣባገዳታት (መራሕቲ ባህላዊ ስርዓት ገዳ) ንምዝራፍን ካልኦት ተግባራትን ዝምልከት ሕግታት ኣውጺኦም ኣለዉ።

ኣባ ገዳ ገብረኣምላክ ጉዬ ከም ዝበልዎ እዚ ሕግታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸሙ ዓመጻት ንምክልኻል ዝዓለሙ እዮም።

ይዅን እምበር ኵሎም እቶም ሕግታት ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግምት ዘእተዉ ኣይመስሉን።

ዝዀነ ተጠርጣሪ ምስቲ ዝተፈጸሞ ገበን ዝመጣጠን መቕጻዕቲ ኣብ ክንዲ ዝረክብ ንኽሃድም ዕድል ዝፈጥሩ ሕግታት ይመስሉ ኢሎም ዝነቕፉ’ውን ኣለዉ።

ካብዞም ባህላዊ ሕግታት እቲ ሓደ "ጠለፋ ዝፈጸመ ሰብ ሸውዓተ ከብቲ ክኸፍል መቕጻዕቲ ይብየነሉ" ዝብል ከምዝዀነ ኣቶ ገብረኣምላክ ይገልጹ።

ገበን ምድፋር ዝፈጸመ ሰብ እውን ብተመሳሳሊ ብሸውዓተ ከብቲ ከም ዝቕጻዕ ይዛረቡ።

እቶም ኣባገዳ ከምዝበልዎ ብወገን እታ ግዳይንነቲ ዘራፊኣን ድሕሪ ምግባር "ክልቲኦም እንተ ተሰማሚዖም” ክምርዓዉ ይግበር።

እቶም ዝተለኣኹ ሽማግለታት እቲ ነታ ጓል ዝጠለፈ ሰብ "ገዛ እንተሃልይዎ ወይ ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ ግን ድማ ከመሓድራ ዝፅዕርን ኣብ መጻኢ ተስፋ ዘለዎን እንተኾይኑን ክትምርዓዎ ይግበሩ" ይብሉ።

እታ ዝተጠለፈት ሰበይቲ ምስቲ ኣብ ልዕሊኣ ጉድኣት ዘብፀሐ ሰብ ክትነብር ፍቓደኛ እንተዘይኮይና "ዝኾነ ሰብ ከገድዳ ኣይክእልን" ዝብሉ እቶም ኣባገዳ ግን ድማ ነታ ጓል ክትምርዖ ዘገድዱ ልምዲታት ከምዘለዉ ይኣምኑ።

ሽማግለታት ይኹኑ ስድራ ቤት ንዕርቂ ብዝለኣኽ ገንዘብ ተሳሒቦም ነታ ግዳይ ክትምርዖ ምግባር ልሙድ ምዃኑ ብምሕባር ድማ እቲ ባህሊ ግን ነዚ ከምዘይድግፍ ኣባ ገዳ ገብረኣምላክ ይገልፁ።

"እዘን ደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ነቲ ዝጠለፈን ሰብ ክምርዓዋ ምግዳድ ቅኑዕ ኣይኮነን። ንሳ እንተተሰማሚዓን እቲ ወዲ ተስፋ እንተሃልይዎን ክዓቢ ዝኽእል እንተኾይኑን እቶም ሽማግለታት ነታ ጓል ኣእሚኖም ክምርዓዋ ዝኽእሉሉ ኩነታት ኣሎ" ይብሉ።

"ብሰናይ ድልየታ" ዝብል ጉዳይ ግን ምሉእ ብምሉእ ዘእምን ኣይኮነን። እተን ደቂ ኣንስትዮ ብግዴታ ጥራሕ ዘይኮነስ ብምትላል፣ ብምእማንን ዝተፈላለየ ፀቕጥን እውን እየን ናብ ሓዳር ክኣትዋ ዝግደዳ።

ነተን ደቀንስትዮ ብግዴታ ናብ ሓዳር ክኣትዋ ምግባር ካብ ዘሕድሮ ስቅያት ብተወሳኺ እቶም ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ዘይምቕራብ እውን ካሊእ ፀገም እዩ።

"ኣብ ክልተ ቦታታት ክቕጽዑ ኣይክእሉን" ዝብል ርእይቶ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ሓደ ገበነኛ ብባህላዊ ኣገባብ እንተተቐጺዑ ናብ ሕጊ ዘይምቕራብ ወይ ብሕጊ እንተተቐፂዑ ብባህላዊ መገዲ ዘይምቕፃዕ እዩ።

ኣባ ገዳ ገብረኣምላክ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝኣምኑ’ኳ እንተኾኑ ብመሰረት ባህላዊ ሕጊ ግን "ሽማግለታት ንጉዳይ ሓደ ሰብ ብምርኣይ ቅፅዓት እንተቐፂዖም ናብ ኻልእ ኣካል ሕጊ ኣሕሊፍካ ኣይወሃብን” ይብሉ።

በቲ ዝተፈጸመ ገበን መቕፃዕቲ ቅድሚ ምውሳን ርእይቶ ስድራ ብምቕባል ነቲ ሰብ ናብ ቅድሚ ሕጊ ንከቕርብዎ ምትብባዕ ከምዝከኣል ብምሕባር "ንነብሱ ዝቐጸዐ ሰብ ግን መሊሱ መንግስቲ ንክቐጽዖ ኣሕሊፍካ ክወሃብ የብሉን" ዝብል መርገፂ ኣለዎም።

ሽማግለታት ብምልኣኽን ብባህላዊ ዕርቂን ንጉዳይ ገበን ጠለፋ ምፍታሕ ብኣባ ገዳታት ጥራሕ ዝፍፀም ተግባር ዘይኮነስ ኣብ ኩሎም ጠለፋ ዘጋጥመሎም ከባቢታት ዝረአ እዩ።

ኣብታ ደጊቱ እትነብረላ ክልል ሲዳማ ዘጋጠመ እውን ነዚ የረጋግፅ።

ሽማግለታት ንስድራኣ ከእምኑ ተላኢኾም ምስቲ ዝጠለፋን ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ ዘብፅሐን ውልቀሰብ ክትምርዖ እዩ ተወሲኑ።

ሕጊ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምዝራፍ እንታይ ይብል?

ተግባር ጠለፋ ገበን ከምዝኾነ ኣብ ሕጊ ኢትዮጵያ ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ። ንዝተጨውየት ጓል ኣንስተይቲ ብምትላል፡ ብምፍርራሕ፡ ብግዴታ ወይ ብኻልእ መንገዲ ነቲ ዝዘረፋ ሰብ ክትምርዖ ምግባር ገበን ምዃኑ እቲ ሕገ-መንግስቲ ይድንግግ።

ኣብ ገበናዊ ጉዳያትን ሰብኣዊ መሰላትን ክኢላ ሕጊ ኣቶ ለሜሳ ጉደታ "ጭውያ ብመሰረት ገበናዊ መቕጻዕቲ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 587 ምሉእ ብምሉእ ገበን ስለዝዀነ ካብ 3 ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርቲ የቕጽዕ" ክብል የረድእ።

ምስ ምጭዋይ ተተሓሒዙ ጾታዊ ምግሃስ ተፈጺሙ እንተዀይኑ ድማ ኣብ ሕጊ መቕጻዕቲ ዓንቀጽ 629 ዘለዉ ሕግታት ተግባራዊ ይዀኑ።

ኣብ ኢትዮጵያ “ንሕገመንግስቲ እታ ሃገር ዝጻረሩ ሕጊታት ምውጻእ ኣይከኣልን። እንተወጺኦም እውን ተቐባልነት የብሎምን” ይብል እቲ በዓልሞያ ሕጊ።

ኢትዮጵያ ምስ ሕገመንግስቲ ክሳብ ዘይተጻብኡ ንባህላዊ ሕግታትን ኣስተምህሮታትን ኣፍልጦ ትህብ እያ። ዝዀነ ሰብ እውን ንባህላዊ ሕግን ትምህርትን ክቕበልን ክነጽግን መሰል ከም ዘለዎ ይዛረብ።

ንጉዳይ ምዝራፍ ብዝምልከት ዝተቐመጡ ባህላዊ ሕጊታት ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ሰላም ኣብ ምምጻእ ዓቢ ረብሓ ከም ዝህልዎም ዝገልጽ ኣቶ ለሜሳ፡ ይዅን’ምበር እቲ ገበን ወይ ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጽም ሰብ “ክንድዚ ከብቲ ክፈል ብዝብል ዝተወሰነሉ መቕጻዕቲ ጥራይ ብምኽፋል ካብ ገበናዊ ተሓታትነት ነጻ ክኸውን ኣይክእልን” ይብል።

እዚ ድማ ኣብ ሕጊ ገበን ዓንቀጽ 23/1 ተገሊጹ ኣሎ።

ስለዚ ብባህላዊ ሕጊታት ተጐዲአን ማሕበረሰባዊ ርክባተን ዝተቛረጸን ሞራለን ዝተሃሰያን ግዳያት ናብ ንቡር ህይወተን ንምምላስ ዕርቂ ብምውራድ ብሰላምን ብፍቕሪን ክነብሩ ካብ ምግባር ሓሊፉ ካብ ገበናዊ ተሓታትነት ሓራ ዘውጽኣሉ መንገዲ ከምዘይህልው ይገልፅ።

ኣብ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ሰብሞያ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣተሓባባሪት ናጻ ኣገልግሎት ሕጊ ወ/ሮ ሃና ሃይለመለኮት ከምዚ ዓይነት ገበን "ኣብ ልዕሊ ሓደ ውልቀ ሰብ ከም ዝተፈጸመ ገበን ዘይኮነስ ከም ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ዝተፈጸመ ገበን እዩ ዝረአ" ትብል።

"እዚ ገበን ኣብ ልዕሊ እታ ጓል ኣንስተይቲ ዝተፈጸመ እኳ እንተዀነ ግዳይ ግን ንሳ ጥራይ ዘይኮነትስ እቲ ሕብረተሰብ'ውን ምዃኑ እዩ ዝሕሰብ" ክትብል ተረድእ።

ነዚ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ዋላ’ውን ዕርቂ ኣውሪዱ ምስታ ግዳይ ሓዳር እንተመስረተ “ካብቲ ገበን ከምልጥ ኣይክእልን” ትብል።

ወይዘሮ ሃና ወሲኻ ኣብ ልዕሊ ነዚ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ክሲ ዝምስርት ኣካል ዓቃቢ ሕጊ እምበር እታ ግዳይ ከምዘይኮነት ትገልፅ።

ዋላ እታ ግዳይ 'ነዚ ሰብ ክኸሶ ኣይደልን’' እንተበለት እቲ መስርሕ ክስን ፍርድን ደው ክብል ዝኽእል ነገር ኣይኮነን።

እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ዋላ’ውን “ኣብ ልዕሊ እቲ ገበነኛ ኣይምስክርን እየ” ትብል እንተዀይና ቤት ፍርዲ ከገድዳ መሰል ከምዘለዎ እታ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ትዛረብ።

“እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ልሙድ እዩ። ይጠልፋን ይደፍራን እሞ ድሕሪኡ ግን ካብቲ ገበን ንምህዳም ናብ ስድራኣ ሽማግለ ብምልኣኽ ከም እትምርዓዎ ይገብር” ክትብል ተረድእ።

ነዚ ዝገብር ድማ ካብቲ ገበን ነብሱ ንምድሓን ብዝብል ስለዝዀነ እዩ እቲ ሕጊ ነዚ ውሕስና ዝኸልኦ ዘሎ።

"ሕጊ ሃገርና ዋላ እንተተመርዓኻያን ምስ ስድራኣ ዕርቂ እንተገበርካን ካብ ገበናዊ ተሓታትነት ከምዘይትምልጥ እዩ ዘመልክት" ትብል።

ኣቶ ለሜሳ እውን እቲ ነቲ ገበን ምዝራፍ ዝፈጸመ ሰብ፡ “ብባህላዊ ሕጊ ምስተቐጽዐ ብሕጊ ኣይቅጻዕን” ዝብል መርገጺ ባህላዊ መራሕቲ ጌጋ ከምዝዀነ ይገልጽ።

"ብባህላዊ ሕጊ ምቕጻዕን ምትዕራቕን ነቲ ገበን ኣብ ምንካይ ጽቡቕ’ኳ እንተዀነ ብባህላዊ ኣገባብ ስለዝተቐጽዐ ብመሰረት ስሩዕ ሕጊ እታ ሃገር ኣይክሰስን'ዩ ዝብል መርገጺ ምውሳድ ግን ፍጹም ጌጋ'ዩ" ይብል።

ወ/ሮ ሃና እውን ከምዚ ዓይነት ክፍተት ዝረአ እቲ ሕጊ እንታይ ከም ዝብል ኣብ ፖሊስን ትካላት ጸጥታን እኹል ግንዛበ ብዘይምህላዉ ምዃኑ ትገልፅ።

“እቲ ሕጊ ኣብዚ ጉዳይ ገበን ብዝርዝር ተቐሚጡ ኣሎ። ኣብቲ ጉዳይ ግን ግንዛበ ክፍጠር ኣለዎ" ክትብል ድማ ተዘኻኽር።

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 9/1 ከምዘመልክቶ ሕጊ እታ ሃገር ልዕሊ ኵሎም ሕጊታት እዩ። ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሕጊ፡ ባህላዊ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ስልጣን ዘሎ ኣካል ዝወሰኖ ውሳነ ምስ ሕገ-መንግስቲ ዝጻረር እንተዀይኑ ተቐባልነት ከምዘይህልዎን ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘይክእልን በዓል ሞያ ሕጊ ለሜሳ ይዛረብ።

ደቂ ኣንስትዮ ስለምንታይ እየን ንዝጨወየን/ዝዓመፀን ዝምርዓዋ?

መብዛሕትኡ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እታ ዝተዘረፈት ወይ ዝተዓመጸት ጓል ኣንስተይቲ ዘለዎ ኣረኣእያ ነታ ግዳይ ዝጠቅም ወይ ርእሳ ኣቕኒዓ ንኽትከይድ ዝገብር ዘይኮነስ፡ ክትሓፍርን ክትንፀልን እዩ ዝገብራ።

እቲ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉዳኣት ዘውረደ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ እታ ግዳይ እዩ።

ካብዚ ብዝነቅል “እዛ ጓል ኣንስተይቲ እቲ ዝደፈራ እምበር ካልእ ወዲ ክምረዓዋ ኣይኽእልን እዩ” ብዝብል ርእይቶ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣት ምስ ዘውረደላ ሰብ ክትምርዖ ትግደድ።

ባህላውያን ሽማግለታት እውን ነታ ግዳይ "ካብ ሕፍረት ንምድሓን" ብዝብልን ካልእ ምኽንያታትን ምስቲ ዝጨወያ ሰብ ክትምርዖ እዮም ሓሳብ ዘቕርቡ።

ወይዘሮ ሃና ግዳያት ምዝራፍ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ምስቲ ዝጠለፈን ሰብ ክምርዓዋ ይሰማምዓ ድየን ኣይሰማምዓን ዝብል ጉዳይ ሰፊሕ መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ትዛረብ።

ይዅን እምበር ኣብ ስራሕ ካብ ዝተዓዘበቶ ብምብጋስ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ውሳነ ዝቕበላሉ ምኽንያት እቲ ሕብረተሰብ ዝፈጥሮ ፀቕጢ ከምዝኾነ ትዛረብ።

ኣብ ምዝራፍ ኮነ ካልኦት ጾታዊ ግህሰታት እውን "እቲ ተነጽሎ ካብቲ ጉድኣት ዘውረደ ሰብ ንላዕሊ ነተን ግዳያት እዩ ብዝያዳ ዝጎድእ" ዝብል እምነት ኣለዋ።

"ካብቲ ዝዘረፋ ሰብ ወጺኣ ናብቲ ሕብረተሰብ ምስ እትምለስ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝጽበያ ኣቀባብላ ከመይ እዩ? ንደሓር ናይ ምምርዓው ዕድላ ክሳብ ክንደይ እዩ? ሓዳር ኣይደልን እየ እንተበለትከ እቲ ሕብረተሰብ ከመይ እዩ ዝቕበላ?" ዝብሉ ሕቶታት ድማ ተልዕል።

ኣስዒባ “ነዚኦም ክንርኢ ከለና እቲ ሕብረተሰብ ነተን ግዳያት መሊሱ ናይ ምጉዳእ ዝንባለ ኣለዎ። ኣብዚ እውን ክንሰርሕ ኣለና” ትብል።

ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝበፅሐን ጸለመን ተወሳኺ ዓመጽን ክሃድማ ብዝብል ዘይደለይኦ ውሳነታት ክውስና ይግደዳ።

ዝወርደን ምፍርራሕ ብምስጋእ፡ ስምን ክብርን ቤተሰበን ንምሕላው ከምኡ’ውን መጻኢ ዕድለን ስለዘስግአን ነቲ ዝዝረፈን ወይ ኣብ ልዕሊኤን ጾታዊ ግህሰት ዝፈፀመ ሰብ ይምርዓዋ።

ስድራ ደጊቱ ምስቲ ዝጨወያ ክትምርዖ ዓበይቲ ዓዲ ዘቕረብዎ ዕርቂ ተቐቢሎምዎ’ዮም። በቲ ውሳነ ሕጉስቲ ዘይነበረት ደጊቱ ግን ካብቲ ሰብ ሃዲማ ናይ ገዛእ ርእሳ መንገዲ ክትክተል እያ መሪፃ።

እዚ ግን ብዙሕ ሳዕቤን ነይርዎ። ደጊቱ ካብ ገዛእ ማሕበረሰባ ክትንጸል፡ ሓዳር ወለዳ ክብተንን ኣደኣ ድማ ብሰንኪ ዝወረዳ ጸቕጢ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከጋጥማን ምኽንያት ኮይኑ።

ደጊቱ ሳልሰይቲ ሓፍታ ካብ ጠለፋ ክትሃድም እኳ እንተገበረት ካልኣይቲ ሓፍታ ግን ተጠሊፋ ክትምርዖ ተገዲዳ’ላ።