እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
በዓልቲ ቤት ሪሺ ሱናክ፡ ኣክሻታ ሙርቲ መን’ያ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክኸውን ተመሪጹ ዘሎ ሪሺ ሱናክ፡ ኣብ መላእ ህንዲ ኣቓልቦ ብዙሓት ክስሕብ ክኢሉ ኣሎ። እንተዀነ ቀዳማይ ኤስያዊ ብሪጣንያዊ ናብዚ መዝነት ዝበጽሕ ስለዝዀነ ጥራይ ግን ኣይኰነን።
በዓልቲ ቤቱ ኣክሻታ ሙርቲ፡ ጓሉ ነቲ ህንዳዊ ቢል ገይት እናተባህለ ዝጽዋዕ ቢልዮነር ናራያና ሙርቲ ስለዝዀነ’ውን እዩ።
ኣክሻታ ሙርቲ’ውን ኣሰር ኣቦኣ ስዒባ ብርክት ዝበለ ሚልዮናት ዶላራት ከተጥሪ ክኢላ’ያ።
እንተዀነ ካብ ብሪጣንያ ወጻኢ ‘ዝረኸበቶ ኣታዊ ኣብ ብሪጣንያ ግብሪ ክኸፍለሉ ኣይግብኣንን’ዩ’ ኢላ ክትማጐት ድሕሪ ምጽናሕ ብሕጊ ክተከፍል ከምዘለዋ ስለዝተረትዐት፡ እቲ ምምልላስ ናብ ቤት ፍርዲ ንፖለቲካዊ ተቐባልነት በዓል ቤታ ሪሺ ሱናክ ብኣሉታ ክጸልዎ ክኢሉ’ዩ።
ኣክሻታ ዋላ’ኳ ኣቦኣ ቢልዮነር ይዅን’ምበር ንሳ ግን ብናታ ጻዕሪ’ያ ትልለ።
ኣቦኣ ኣብ 2013 ኣብ ዘሕተማ መጽሓፍ፡ ናብ ጓሉ ዝሰደዳ ደብዳበ ኣብታ መጽሓፍ ኣስፉርዋ ኣሎ።
ንሱ ኣክሻታ ኣብ ሚያዝያ 1980 ኣብ ዝተወለደትሉ፡ ካብ ስድራኡ ርሒቑ ይነብር ስለዝነበረ፡ ንተሌፎን መደወሊ ገንዘብ ስለዘይነበሮ፡ ምውላድ ኣክሻታ ብተዘዋዋሪ መገዲ’ዩ ሰሚዕዎ።
ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ደብዳበ፡ “ኣነን ኣደኽን እንናበረሉ ስራሕ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ንብል ስለዝነበርና’ዩ” ዝብል ከኣ ይርከቦ።
ኣክሻታ ሙርቲ ጓል ኣዋርሕ እንከላ፡ ምስ ዓባያ ገዲፎም ኣደኣ ሱድሃ ሙርቲን ኣቦኣን ስራሕ ንኽረኽቡ ናብ ሙማባይ ከይዶም።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ነታ ቢልዮነራት ዝገበረቶም ‘ኢንፎሲ’ ኢሎም ዝሰመይዋ ኣገልግሎት ኢንተርነት ትህብ ትካል ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ብምዃን ከፊቶማ።
እዞም ወለዲ ደቈም ኣብ ትምህርቲ ንኽነፍዑ እኹል ንዋት ኣፍሲሶም፣ “ብግደ ሓቂ ኣብ መጀመርታ ኣብ ገዛና ተሌቪዥን’ውን ስለዘይነበረና ንምንባብ፡ ንምጽናዕ፡ ንምዝታይን ምስ ኣዕሩኽትኻ ንምርኻብን እኹል ግዜ’ዩ ነይሩ” ይብል ናራያና ሙርቲ።
ኣክሻታ ሙርቲ፡ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ ክላረሞንት ማካነ ዝተበሃለ ብሕታዊ ኮሌጅ ስነ ቁጠባን ቋንቋ ፈረንሳን ከተጽንዕ ክኣለት።
ጐድኒ ጐድኒ’ውን ብቕዲ ስፍየት ዲፕሎማ ረኺባ። ካብ ስታንፎርድ ዩኒቨርስቲ’ውን ብማስተርስ ዲግሪ ተመረቐት።
ማስተርስ እናኣጽነዐት እንከላ ኸኣ’ያ ምስ ሪሺ ሱናክ ክትላለ ዝኸኣላት፤ ሌላኦም ናብ ፍቕሪ ሰጊሩ ኣብ 2009 ተመርዕዮም ክልተ ፍረ ብርኮም ቈልዑ ረኸቡ።
እዛ ጓል 42 ዓመት ኣክሻታ ሙርቲ ‘ኣክሻታ ዲዛይንስ’ ዝሰመየቶ ናታ ትካል ብ2011 ኣብ ካሊፎርንያ ከፈተት።
እንተዀነ እቲ ዘበገሰቶ ወፍሪ ነዊሕ ከይጸነሐ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ከምዝጠፈሸ’ዩ ዘጋርድያን ዝሕብር።
ኣብ 2013 ምስ በዓል ቤታ ሱናክ ኰይኖም ዝመስረትዎ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል ግን ነቕነቕ ዘይብል ኣታዊ ከምጽኣሎም ጀመረ።
እዚ፡ ኣብ ትሕቲኡ መፍረ ክዳውንቲ ደቂ ተባዕትዮ፡ ትካላት ምህናጽ ኣካላት [ጂም] ዝኣመሰሉ ሓያለ ጨናፍራት ዘለዎ ዓቢይ ትካላት እዩ፤ ንዅሉ ኸኣ ኣክሻታ ሙርቲ ዳይረክተር ኰይና ተመሓድሮ።
ኣክሻታ ሙርቲ ኣብቲ ናይ ኣቦኣ ትካል ‘ኢንፎሲ’ 0.9 ሚእታዊት ብርኪ ኣለዋ፣ ብገንዘብ ክትመን እንከሎ ኣስታት 700 ሚልዮን ፓውንድ ይበጽሕ።
እቲ ትካል ኣቦኣ፡ ኣብ ሩስያ፡ ሞስኮ’ውን ጨናፍር ስለዝነበሮ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምክያዳ ብኸቢድ ስለዝተጸለወ፡ ኣብ ሩስያ ዝነበሮ ክፋላት ክዓጹ ተገዲዱ’ዩ።
እዚ ግዙፍ ሃብቲ ናይቶም ክልተ ሰብ ሓዳር፡ ንፖለቲካዊ ምረሻ ሪሺ ሱናክ፡ ሃብታም ብምዃኑ ንስእነት ይርድኦዶ ይኸውን ብዝብል ብኣሉታ ጸልይዎ’ዩ።
ቅድሚ ሕጂ መጻምድቲ ቀዳሞት ሚኒስተራት ብዙሕ ፍሉጣት ኣይነበሩን፤ ንኣብነት በዓል ቤታ ንቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ተሬሳ መይ፡ ፍሊፕ መይ ኣብ ሚድያታት ዘይቐርብ ሰብ’ዩ ነይሩ።
ክሳብ ሕጂ ኣክሻታ ሙርቲ፡ ብጀካ እቲ ምስ ምክፋል ግብሪ መንግስቲ ተታሓሑዙ ናብ ቤት ፍርዲ ትመላለሶ ዝነበት፡ ኣቶክሮ መራኸቢ ብዙሃን ዝስሕብ ነገር ኣየጋጠመና ዘሎ፡ እንተዀነ በዓል ቤታ ናብቲ ዝበረኸ ስልጣን ምስ ምምጽኡ ካሜራታት ናብኣ ምቕንዐን ኣይክተርፍን’ዩ።