ኢትዮጵያ፡ ተጨውዮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ሽኮር ወንጂ ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN SUGAR INDUSTRY GROUP
ንኽልተ ሰሙናት ተጨውዮም ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ሽኮር ወንጂ ተቐቲሎም ከምዝተረኸቡ ሓደ ሓላፊ እቲ ፋብሪካ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡
ሽሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ሓደ ሓላፊ እቲ ትካል፡ ናይቶም ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ኣስከሬን ትማሊ ንጉሆ 6 መጋቢት 2016 ኣግ ከምዝተረኸበ ተዛሪቡ፡፡
ኣስከሬን ናይቶም ሰራሕተኛታት ካብ ግራት ናይቲ ፋብሪካ ውጽእ ኢሉ ኣብ እትርከብ ጨካ ዝተባህለት ገጠር እዩ ተረኺቡ፡፡
ካብቶም ግዳያት እቶም ሰለስተ ነበርቲ ከባቢ ወንጂ እንትኾኑ ስርዓት ቀብሮም ትማሊ ተፈጺሙ፡፡
እቶም ዝተረፉ ድማ እቲ ሓደ ካብ ኣዳማ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ደሴ ዝመጹ ከምዝነበሩን ኣስከሬኖም ናብ ከባቢኦም ከምዝተሰነየን እውን ተገሊጹ፡፡
እቶም ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ትካል ብትራክተር ኦፕሬተርነት ንነዊሕ ግዘ ዘገልግሉን ዕድመ ዝደፍኡን ከምዝኾኑ እዩ እቲ ሓላፊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
እቲ ሓምሻይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተቖጸረን ንሓደ ዓመት ብሞያ ኤሌክትሪክ ዘገልገለን መንእሰይ እዩ፡፡
እቲ ሓላፊ ከምዝሓበሮ እቶም ሰራሕተኛታት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ናይ ለይቲ ፈረቓ ሓዲሮም ንጉሆ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ኣርሲ፡ ዶዶታ ካብ ዝበሃል እቲ ፋብሪካ ዝርከበሉ ከባቢ ብዕጡቓት ተጨውዮም ተወሲዶም፡፡
እቶም ጨወይቲ ነቶም ሰራሕኛታት ንምፍታሕ ገንዘብ ወይ ካልእ ሓቲቶም እንተነይሮም ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብሉ መሊሱ፡፡
እተኾነ እቲ ፋብሪካ ካብቶም ጨወይቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ከምዘየለን እቲ ጭውያ ምስተፈጸመ ቀልጢፎም ንኣካላት መንግስቲ ከምዘፍለጡን ሓቢሩ፡፡
ፖሊስ ነቲ ኩነታት ኣብ ምክትታል ከምዝነበረ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ ኮይኑ ግና ትማሊ ንጉሆ ሬሳ ናይቶም ሰራሕተኛታት ከምዝተረኸበ ሓቢሩ፡፡
እቲ ቅትለት መዓዝን ብኸመይን ከምዝተፈጸመ ብንጹር ከምዘይተፈለጠን ምናልባት ብቕደሚ ትማሊ ምሸት ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእልን እውን ጠቒሱ፡፡
ኣብቲ ፋብሪካ ጨውያ ከጋጥም እዚ ናይ ፈለማ ከምዝኾነ እዩ እቲ ሓላፊ ዝዛረብ፡፡
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ካብ ሰብመዚን ቤተሰብ ግዳያትን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ዛጊት ኣይሰመረን፡፡
ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 110 ኪሜ ርሒቑ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ጥቓ ከተማ ኣዳማ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኮር ወንጂ ኣብ 1946 ኣግ ኤች ቪ ኤ ዝተባህለ ትካል ኔዘርላንድን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሓባር ዘጣየሽዎ ነታ ሃገር ፈላማይ ናይ ሽኮር ፋብሪካ እዩ፡፡






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
