ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ የመን ሓያለ ፖለቲካዊ ቅንጸላታት ከምዘፈጸመት ምርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ

Published

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ የመን ፖለቲካዊ ምኽንያት ዘለዎም ቅትለታት ክፍጸሙ ብምድጋፍ ኣብ መንጐ መንግስቲ የመንን ዕጡቓት ጕጅለታትን ዘሎ ጐንጺ ክጋደድ ከምዝገበረት ምርምራ ቢቢሲ ኣቃሊዑ።

ኣሜሪካውያን ዕሱባት ንወተሃደራት ኢማራት ዓረብ ዝሃብዎ ስልጠና ኣንጻር ግብረ ሽበራ፡ ብቐሊሉ ንዘይፍለጡ የመናውያን ብምምሃር ፖለቲካዊ ቅትለታት ክፍጽሙ ከምዝተገበረ ሓደ ተሓላቒ ጕጅለ ንቢቢሲ ዓረብኛ ገሊጹ።

ዋላኳ ዕላማ ናይቶም ኣሜሪካውያን ዕሱባት ከም ኣልቓዒዳን ኣይኤስን ዝበሉ እስላማዊ ጕጅለታት ንምጥፋእ ምዃኑ ርኽበት ቢቢሲ ዘረጋገጸ ክኸውን እንከሎ፡ ኢማራት ዓረብ ግን ኣብ የመን ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲን ካልኦት ጕጅለታትን ክዋጋእ ናብ ዘቘመቶ ሓይሊ ጸጥታ፡ ነበር ኣባላት ኣልቃዒዳ መልሚላ።

መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ርኽበታት ምርመራ ቢቢሲ ንዘመላኽትዎም ምስ ግብረሽበራ ርክብ ዘይብሎም ቅትለታት ፈጺሙ ዝብሉ ክሲታት ኣይተቐበሎምን።

ናይ “ሕሶትን ረብሓ ዘይብሎምን” ብምባል ነጺጉ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ልዕሊ 100 ፖለቲካዊ ቅትለታት ዝተፈጸመሉ ኵነት፡ ኣካል ናይቲ ሓያላት ሃገራት ኣብታ ድኻ ሃገር ዘካይዳኦ ዘለዋ ደማዊ ኲናት እዩ።

እቲ ኣዕናዊ ኵነታት ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ የመን ብቐዋምነት ናብ ቦታኡ ከይምለስ ገይሩዎ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዘሎ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሑቲ ክሕይል ምኽንያት ከምዝዀነ እዩ ዝግመት። ኣሜሪካ ነቲ ጕጅለ ኣብ መዝገብ ሽበራ ደጊማ ከምእተእትዎ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ኣፍሊጣ ኣላ።

ጸብጻብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ናዋል ኣልማጋፊ ይቕጽል።

ኣብታ ዝውለደላ የመን እቲ ግጭት ኣብ 2014 ካብ ዝጅመር ንነጀው ነቲ ኲናት ዝምልከቱ ጸብጻባት ከቕርብ ጸኒሐ። እቲ ኲናት ዕጡቓት ሑቲ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ካብ መንግስቲ ክምንዝዑ ኣኽኢሉዎም። ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ድማ ዘበናዊ መሳርሒታት ኲናት ተዓጢቖም።

ኣብ 2015 ኣሜሪካን ብሪጣንያን ነቲ ብዋናነት ኢማራት ዓረብ እትርከበን ብስዑድ ዓረብ ዝምርሓ ሃገራት ዓረብ ዝመስረታኦ ጥምረት ነቶም ዕጡቓት ንምውጋእ ሓጊዘን። እቲ ጥምረት መንግስቲ የመን ናብ ቦታኡ ንምምላስ ንየመን ወሪሩ። ኢማራት ዓረብ ጸጥታ ደቡባዊ የመን ክትመርሕ ሓላፍነት ተዋሂብዋ፤ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ድማ ቀንዲ መሓዛ ኣሜሪካ ኰይና። ኣልቓዒዳ ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐስ ነይሩ።

ኲናት የመን

  • ኣብ 2014 ካብ ንኡስ ዓሌት ሺዓ እስልምና የመን ዝወጸ ጕጅለ ሑቲ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቘጻጺሩ።
  • ኣብ ለካቲት 2015 ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሃዲ ካብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ሃዲሙ ንዓደን ግዝያዊት ርእሰ ከተማኡ ገይሩ
  • ስዑድ ዓረብን ዝበዝሓ ተኸተልቲ ሱኒ እስልምና ዝዀና ካልኦት ሸሞንተ ሃገራትን፡ ነቲ ዞባዊት ተነሓናሒተን ኢራን ኣዕጢቓቶ ዝበለኦ ጕጅለ ሑቲ ብኣየር ምድብዳብ ጀሚረን። ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ካብ ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያን ፈረንሳን ናይ ቀረብ ሓገዝ ረኺቡ።
  • ኣብ መንጎ እቶም ብሓደ ተሰሊፎም ዝነበሩ ጕጅለታት እውን ጐንጺ ተላዒሉ። ኣብ ነሓሰ 2019 ኣብ ደቡባዊ የመን፡ ኣብ መንጐ ብስዑዲ ዝድገፍ መንግስቲን ተነጻሊ ጉጅለ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ ደቡብን (ኤስቲሲ) ግጭት ተላዒሉ።
  • ኣል-ቓዒዳን ደገፍቲ ኣይኤስን ነቲ ዕድል ተጠቒሞምሉ
  • ጕጅለ ሑቲ ድማ ጽልዋኡ ኣዕብዩ - ካብ ሕዳር 2023 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ።

ኣብ መስርሕ ኣብ ክንዲ ሰላምን ምርግጋእን ዝምለስ፡ መንግስቲ ኣብ ዝቈጻጸሮ ደቡባዊ ክፋል፡ ኣብ ልዕሊ ምስ ግብረ ሽበራ ርክብ ዘይብሎም ብዙሓት የመናውያን ምስጢራዊ ቅትለታት ርእየ።

ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝዀነ ስሩዕ መስርሕ ከይተኸተለ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ቅትለት ገበን እዩ ዝቝጸር።

መብዛሕትኦም ካብቶም ዝተቐተሉ ኣባላት እቲ ‘ብኢስላሕ’ ዝፍለጥ ጨንፈር እስላማዊ ሕውነት የመን እዮም።

እቲ ጕጅለ ፍሉጥ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ሱኒ እስልምና ኰይኑ ብኣሜሪካ ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ኣይተበየነን። ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ዓረብ ግን ክልኩል እዩ። ኣብ ኢማራት መረጻ ክካየድ ዘካይዶ ጐስጓስ ብንጉሳዊ ቤተሰብ እታ ሃገር ከም ናይ ስልጣን ሓደጋ ተገይሩ ይቑጸር።

ሰሊኹ ዝወጸ ቪድዮ ናይቲ ብድሮን ዝተፈጸመ ፈላማይ ቅትለት፡ ነዞም ምስጢራዊ ቅትለታት ምጽራይ ካበይ ክምዝጅምር ኣንፈት ሂቡኒ። እዋኑ ኣብ ታሕሳስ 2015 ኰይኑ ምስ ስፒር ኦፐሬሽንስ ግሩፕ ዝተባህለ ውልቀ ትካል ጸጥታ ኣሜሪካ ዝተተሓሓዘ እዩ።

ካብቶም ነቲ ወፍሪ ዘካየዱ ኣብቲ ቪድዮ ዝረኣይ ሓደ ሰብ ኣብ 2020 ኣብ ለንደን ኣብ ሓደ ሬስቶራንት ረኺበዮ። ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ዝነበረን ደሓር ሓላፊ ስፒር ዝዀነን ኣይዛክ ጊልሞር፡ ካብቶም ኣብ የመን ቅትለታት ክፍጽሙ ብኢማራት ዓረብ ከምዝተቘጸሩ ዝገልጹ ብዙሓት ኣሜሪካውያን ሓደ እዩ።

ካብቲ ናይ መጀመርታ ዒላማኦም፡ ኣብ 2015 ኣባል ቤት ምኽሪን ኣብ ከተማ ዓደን ሓላፊ ኢስላሕን ዝነበረ ኣንሳፍ ማዮ ወጻኢ፡ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ትካል ዝቐረበ “ዝርዝር ዝቕተሉ ሰባት” ክዛረብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።

ኢስላሕ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ተበይኑ ከምዘይፈልጥ ንጊልሞር ኣጥቢቐ ሓቲተዮ።

“ብዘሕዝን ዘበናዊ ግጭታት ግልጺ ኣይኰኑን” ኢሉ።

“እዚ ኣብ የመን ኢና ንርእዮ፤ ናይ ሓደ ሰብ ሲቪል መራሕን መምህር ሃይማኖትን ብካልእ ሰብ መራሒ ግብረሽበራ እዩ።”

ጊልሞርን ካልእ ኣብ የመን ሰራሕተኛ ስፒር ዝነበረ ዴል ኮምስቶክን ልኡኽቶኦም ኣብ 2016 ከምዝተዛዘመ ነጊሮምኒ። እቲ ኣብ ደቡባዊ የመን ዝፍጸም ቅትለት ግን ቀጺሉ። ብርግጽ መርመርቲ ናይ ረምሪቭ ዝተባህለ ጕጅለ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝሕብርዎ ኣዝዩ ተደጋጋሚ ኰይኑ።

እቲ ጕጅለ ካብ 2016 ክሳብ 2018 ናይ 160 ሰባት ቅትለት መርሚሩ። መብዛሕትኦም ካብ 2016 ንደሓር ዝተፈጸሙ ኰይኖም ካብቶም 160 ናይቶም 23 ጥራይ ምስ ግብረሽበራ ከምዝተኣሳሰር እቶም መርመርቲ ገሊጾም። ኵሎም እቶም ቅትለታት በታ ስፒር ዝፈጸማ መንገዲ እዮም ተኻይዶም፤ ኣቓልቦ ንምውሳድ ናይ ሕሶት ተፈንጃሪ ይትኮስ እሞ፡ ብድሕሪኡ ዕላማኡ ዝሓለወ ተዅሲ ቅትለት ይቕጽል።

እቲ ናይ ቀረባ ዝበሃል ቅትለት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ላህጅ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኢማም ዝተፈጸመ ቅትለት ከምዝዀነ የመናዊ ትካል ሰብኣዊ መሰል ሁዳ ኣልሳራሪ ይገልጽ።

ጊልሞርን ኮምስቶክን ካልኦት ሽሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ዕሱባት ኣባላት ስፒርን፡ ኣብ ዓደን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ንወተሃደራት ኢማራት ዓረብ ከምዘሰልጠኑ ይገልጹ። ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደሊ ጋዜጠኛ ድማ ናይቲ ዝተባህለ ስልጠና ናይ ቪድዮ መረዳእታ ከምዘለዎ ነጊሩና።

እቶም ኣሜሪካውያን ብዛዕባ ዝርዝር እቲ ኵነታት ክዛረቡ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን፤ ብቐጥታ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝሰርሐ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ሓላፊ የመን ግን ብዝርዝር ነጊሩኒ።

እቶም ዕሱባት ብቐሊሉ ጥርጣረ ዝፈጥሩን ተቓላዕትን ብምዃኖም ናብ ወተሃደራት ኢማራት ዓረብ ምስልጣን ከምዝኣተዉን፤ ንሳቶም ብግደኦም “ንየመናውያን ከምዘሰልጠኑን” እቲ የመናዊ በዓል መዚ ነጊሩኒ።

ኣብ መስርሕ እቲ ምርመራ፡ እቲ ኵነታት ከምቲ ዝተጠቐሰ ምንባሩ ዘረጋግጹ ልዕሊ ዓሰርተ የመናውያን ኣዘራሪብና። ካብዚኦም ወተሃደራት ኢማራት ዓረብ ምስ ኣሰልጠኑዎም ምስ ግብረ ሽበራ ርክብ ዘይብሉ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ዝገልጹ ክልተ ሰባት ይርከቡዎም። ሓደ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክፍታሕን ብኣምሳያኡ ንሓደ የመናዊ ፖለቲካዊ መራሒ ክቐትል ልኡኽ ከምዝተወሃቦን ከምዘይተቐበሎን ተዛሪቡ።

የመናውያን ነቲ ቅትለት ክፍጽሙ ምግባር ኢድ እታ ዓረባዊት ሃገር ብቐሊሉ ከይፍለጥ ዝገበር እዩ።

ኣብ 2017 ኢማራት ዓረብ ኣካል ናይቲ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ደቡብ (ኤስቲሲ) እትገብሮ ሓገዝ፡ ወተሃደራዊ ጕጅለ ክምስረት ሓጊዛ። እቲ ጕጅለ ካብታ ዓረባዊት ሃገር ጥራይ ትእዛዝ ዝቕበል ኰይኑ ንምውጋእ ዘይኮነስ ቅትለታት ንምፍጻም ከምዝሰልጠነ ሓደ ጐስጓሲ ይዛረብ። ብተወሳኪ ሽም ዝርዝር ናይ 11 ኣባላት ኣልቃዒዳ ዝነበሩን ሕጂ ምስ ኤስቲሲ ዝሰርሑን ሰባት ልኢኹልና።

ኣብ መስርሕ እቲ ምርመራ ናስር ኣ'ሺባ ዝብል ሽም እውን ረኺብና። ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣልቓዒዳ ዝነበረ ኣ'ሺባ፡ ብግብረሽበራ ተጠርጢሩ ተኣሲሩ ነይሩ። ንሱ በቲ ኣብ ጥቅምቲ 2000 ኣብ ሓንቲ መርከብ ኣሜሪካ ተፈጺሙ 17 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ከምዝጥርጥር ሓደ ሚኒስተር የመን ነጊሩና።

በዓልቲ ሞያ ሕጊ ሁዳ ኣ'ሳሪሪ ነቶም ብኢማራት ዓረብ ዝድገፉ ዕጡቓት ዝፍጽምዎም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከተጻሪ ጸኒሓ። ብምኽንያት እዚ ስርሓ ተደጋጋሚ ምፍርራሓት ቅትለት በጺሕዋ። ኰይኑ ግን ወዲ 18 ዓመት ውሉዳ ሞሕስን እዩ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ።

ኣብ 2019 ናብ ሓደ መዐደሊ ነዳዲ እናኸደ ኣብ ደረቱ ብጥይት ተወቒዑ፤ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ሞይቱ። ድሕሪኡ ናብ ስርሓ ምስተመለሰት ድማ “ሓደ ቈልዓ እኹል ኣይኮነን ድዩ? ነቲ ካልኣይ እውን ክንቀትሎ ትደልዪ ዲኺ?” ዝብል ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ በጺሕዋ።

ዓቃቢ ሕጊ ዓደን ብዘካየዶ ምርመራ እቲ ቅትለት በቶም ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፍ ጕጅለ ኣንጻር ግብረሽበራ ከምዝተቐተለ ተረጋጊጹ፤ እንተዀነ ቀተልቲ ኣይተትሓዙን።

ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣባል ትካል ፍትሒ፡ እቲ ዘስፋሕፍሐ ቅትለት ፍርሒ ከምዝፈጠረን፡ ብኢማራት ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት ኣብ ዝፍጽምዎ ቅትለት ፍትሒ ንምሃብ ንባዕሎም እውን ከምዝፈርሑን ገሊጹ።

ናብ ረፕሪቭ ዝበጽሐ ምስጢራዊ ሰነድ፡ ዋላኳ ብክንደይ ዝኣክል ዓቕሚ እንተዘይተፈለጠ፡ ስፒር ኣብ 2020 ክፍሊት ይቕበል ምንባሩ የመልክት።

ዕሱባት ኣባላት ስፒር ብዛዕባ ኣቀታትላ ንወተሃደራት ኢማራት ዓረብ ኣሰልጢኖም እንተዀይኖም ንምፍላጥ ንመስራቲ እቲ ጕጅለ ኣብራሃም ጎላን ሓቲትናዮ፤ ምላሽ ኣይሃበን።

እቶም ብምርመራ ዝረኸብናዮም ክሲታት ዝምልከት ንመንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓቲትና።

ነቲ ምስ ግብረሽበራ ርክብ ዘይብሎም ሰባት ተቐቲሎም ዝብል ክሲ ብምንጻግ እታ ሃገር መንግስቲ የመን ብዝገበረላ ዕድመ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ትሕግዝ ከምዘላ ጠቒሱ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካን ጉዳያት ወጻእን ብዛዕባ ስፒር ኦፐሬሽንስ ግሩፕ ዘቕረብናሎም ሕቶ ንምምላስ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።