ብሪጣንያ፡ ውጥን ርዋንዳ ካልእ ሕጋዊ ብድሆ ኣጋጢምዎ

ምንጪ ስእሊ, PA
ማሕበር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ መንግስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ ውጥኑ ደው ከብል ጸዊዑ።
እንተዘይኰይኑ፡ ግን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምኻድ ብሕጊ ደው ከብልዎ ከም ዝዀኑ ኣጠንቂቖም።
እቲ ማሕበር፡ ዓዲ እንግሊዝ ብቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ናይ ምምእዛዝ ግዴታ ከም ዘለዋ ብምጥቃስ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስዳድ ውጥና ደው ከተብሎ ብጥብቂ ኣተሓሳሲቡ።
ሚኒስተራት እቲ ብቤት ፍርዲ ስትራስበርግ ዝተወሰነ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ዘይምምላስ ውሳነ ከተግብሩን በቲ ውሳነን ብቅዋምን ናይ ምምእዛዝ ግዴታ ከም ዘለዎም ብምሕባር’ዩ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከይዱ ሓተትቲ ዑቕባ ናበ ርዋንዳ ነኸይስደዱ ክማጐት ምዃኑ ገሊጹ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, PA
ሚኒስተራት ዓዲ እንግሊዝ፡ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ካብ ምምላስ ደው ከምዘይብሉ’ዮም ንባይቶ እታ ሃገር ሓቢሮም ዘለዉ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ መንግስቲ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ቅድሚ 24 ሓምለ ዝኾነ ናብ ርዋንዳ ዝምለስ ሓታቲ ዑቕባ ከምዘይህሉ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዓዲ እንግሊዝ እዚ መዓልቲ እዚ ከይኣኸለ እንከሎ’ዮም ነቲ ውሳነ ተግባራዊ ከይከውን ክማጎቱ ምዃኖም ዝሕብሩ ዘለዉ።
ሰልፊ ሸቓሎ፡ ኣብቲ 4 ሕዳር ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ እንተተዓዊቱ ነቲ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ ውጥን ክኣልዮ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሰነ 2022 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ፍልይቲ ነፋሪት’ኳ ኣዳልዩ እንተነበረ፤ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ እቲ ተግባር ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ነቲ መደብ ደው ከምዘበሎ ይዝከር።
ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ፡ ደያኑ ብሪጣንያ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ምስዳድ ውሑስ’ዩ ኢሎም ክሳብ ዘይወሰኑ ዝኾነ ሓታቲ ዑቕባ ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብሓይሊ ክውሰድ ከምዘይብሉ’ዩ ገሊጹ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ መጋባእያ ከኣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ምምላስ ውሑስ ከምዘይኮነ ውሳኔኡ ኣሕሊፉ።
ድሕሪ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ካልእ ኣማራጺ መደብ ሒዙ ብምምጻእ፡ ነቶም ደያኑ ዘለዎም ሻቕሎት ዕሽሽ ክብልዎ ብምጥላብ፡ ውሳነ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ብሚኒስተራት ዓዲ እንግሊዝ ክብዳህ ምዃኑ ገሊጹ።
'ዘይሕጋዊ ተግባር'
ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ቶም ሂክማን፡ ንወከልቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ማሕበሩ ነቲ መደብ ተቃውሞ ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ።
እንተዀነ ብመሰረት ዘሎ ቅዋምን እቲ ማሕበር ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ብሓይሊ ምስዳድ ዘይሕጋዊ እዩ ኢሉ።
ኣብቲ ብባይቶ እታ ሃገር ዝጸደቐ ቅዋም ማሕበር ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ዓዲ እንግሊዝ መሰለ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ዶባ ዝርከቡ ሰባት ንምኽባር ብሕጋጋት ውሽጢ ዓድን ብዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ክትምእዘዝ ግዴታ ከም ዘለዋ’ዩ ዝጠቅስ።
እቲ ብቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ዝተውሃበ ብይን’ውን ከም ሓደ ዓለምለኻዊ ሕጊ ተወሲዱ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ብእኡ ናይ ምምእዛዝ ግዱታ ከም ዘለዎ ቶም ሂክማን ጠቒሱ።
ንሱ እንዘይተተግቢሩ ግን እቲ ውሳነ “ዘይሕጋዊ ተግባር” ጌርካ ከም ዝውሰድ ሓቢሩ።
ቶም ሂክማን መንግስቲ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክሰድድ እንተዀይኑ መጀመርታ ብዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ብውሳኔታት ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳን ከም ዘይምእዘዝ ብሕጊ ከጽድቆ ኣለዎ ብምባል እዚ ክሳብ ዘይገበረ ግን ዝዀነ ዝወስዶ ውሳነ ዘይሕጋዊ ከም ዘይኰነ’ዩ ዘነጽር።
መንግስቲ ነቲ ብማሕበር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክሲ ንምምስራት ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ድሕሪ ምስማዕ፡ እቲ ማሕበር ንውሳነ ሚኒስተራት ናይ ምዕምጻጽ ሓላፍነት ከም ዘይብሉ ገሊጹ ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
