ንሓደጋ ዘቃልዓና መጠን ሙቐት ክንደይ እዩ? ብኸመይ ከ ንጻወሮ?

ጀምስ ጋላገር ንፈተነ ማዕበል ሙቐት ዝተሐረየ
Published

ሓደ ሓደ ግዜ ዓለም ሓዊ ዝኣተዋ ኰይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ።

ኣውሮጳ ኣብ ኢጣልያ ‘ሰቲማና እንፈርናለ’ እናተበሃለ ዝጽዋዕ ወይ ድማ - "ሰሙነ ሲኦል" - ዝብል ሳጓ ዝተዋህቦ ማዕበል ዋዒ ጥሒላ ቀንያ።

ኣብ ቻይናን ኣሜሪካን ልዕሊ 50C ሙቐት ተመዝጊቡ ኣሎ፤ ሆስፒታላት ሙቐት ኣካላት ሕሙማት ንምዝሓል በረድ ዝመልአ ቦፖርሳታት ይጥቀማ ኣለዋ።

ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ዝወዓየ ወርሒ ሰነ ኣጋጢምዋ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ማዕበል ሙቐት፡ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ኣስታት 60 ሽሕ ሰባት ሞት ከምዘስዐበ ይግለጽ።

ኣብዛ "እትፈልሕ ዘላ ዓለም " ንነብር ከምዘለና ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ ምህላዉ ዝገርም ኣይኮነን።

"ድሕሪ ሕጂ ካባና ዝረሓቐ ነገር ወይ ኣብ መጻኢ ዝኸውን ነገር ጥራይ ከምዘይኰነ ምግንዛብ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ እመስለኒ። ብሓቂ ሕጂ ንርእዮ ኣለና" ትብል ፕሮፌሰር ሊዚ ኬንዶን ካብ ቤት ጽሕፈት ሜት።

ስለዚ እቲ ዝቕየር ዘሎ ክሊማ ንኣካላትናን ጥዕናናን እንታይ ትርጕም ኣለዎ?

ኣብ ፈተነ ማዕበል ሙቐት ክሳተፍ ተዓዲመ ኣለኹ። ውዑይ ምስ ዝኸውን ሰብነተይ ብዙሕ ከምዝርህጽ ተነጊሩኒ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕሮፌሰር ዳምያን በይሊ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ዌልስ፡ መጀመርታ ንቡር ሙቐት ክህበኒ እዩ።

ስለዚ ካብ 21C ክንጅምር ኢና። ነቲ ሙቐት ዝቈጻጸር ናብ 35C ክቕየር ብምግባር ኣብ መወዳእታ ድማ ክሳብ 40.3C ክነብጸሖ ኢና - እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝወዓለ ሙቐት ዝመጣጠን ማለት እዩ።

“ብዙሕ ክትርህጽ ኢኻ፡ ስርዓት ኣካላትካ ድማ ኣዝዩ ክቕየር'ዩ" ክብል ፕሮፌሰር በይሊ የጠንቅቐኒ።

ፕሮፌሰር በይሊ መሪሑኒ ናብ ክፍሊ ፈተነ ይኣቱ። ኣብ ውሽጢ እዚ ኣየር ዘይኣትዎ ቦታ ንዘሎ ሙቐት፡ ራህድን ደረጃ ኦክስጅንን ብልክዕ ክቈጻጸር ዝኽእል፡ ሳይንሳዊ ክፍሊ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ሓደ ግዜ ሳዕቤን ቍሪ ንምድህሳስ ናብዚ ክፍሊ ኣትየ እፈልጥ እየ።

አቲ ሓጺናዊ መንደቕ፡ ከበድቲ ማዕጾን ደቀቕቲ ፖርቶላታትን ግን፡ ነቲ ሙቐት ከጋድዶ እዩ።

ኣብ መቕሎ ኣተኲረ ዝጥምት ዘለኹ ኰይኑ ይስምዓኒ።

እቲ ሙቐት ካብ ፍጹም ደስ ዝብል 21C፡ ካብ ፕሮፌሰር በይሊ መምርሒ ምሰተወሃበ፡ ናብ ፍጹም ካልእ ደረጃ ተሰጋጊሩ።

ክሳብ ክንደይ ከምዝህርጽ ምስ ፈለጥኩ ድማ፡ ክብደተይ ከመይ ከም ዝንኪ ይግረም እየ ዘለኹ።

ቀጺለ፡ ምስቲ ንሙቐት ቆርበተይን ውሽጣዊ ኣካላተይን፡ ህርመት ልበይን ጸቕጢ ደመይን ዝከታተል ማሺን [ኮርድ] ይተሓሓዝ።

ብኣፈይ ነቲ ዘውጽኦ ኣየር ይትንትን ነይሩ።

ኣልትራሳውንድ ድማ ነቲ ኣብ ክሳደይ ዝርከብ ‘ካሮቲድ’ ሰራውር ደም ኣቢሉ ናብ ሓንጎለይ ዝኸይድ ዋሕዚ ደም ይምርምር ኣሎ።

"ጸቕጢ-ደመይ ጽቡቕ ይሰርሕ ኣሎ፤ ህርመት ልበይ ጽቡቕ ኣሎ፤ ኵሎም እቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ዘለዉ ኣካላዊ ምልክታት ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከምዘለኹ ይነግሩኒ ኣለዉ" ይብለኒ ፕሮፌሰር በይሊ።

ሓደ ቅልጡፍ ናይ ሓንጎል መርመራ ኣለና ክንውድኦ ዘለና - ዝርዝር 30 ቃላት ምዝካር።

ድሕሪኡ እቲ ሙቐት ዝህብ፡ መጠኑ ክውስኽ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ከባቢ ልበይ፡ ሳንቡእ፡ ጸላም ከብደይን ካልኦት ኣካላትን ዘሎ ሙቐት ኣብ ከባቢ 37C ክኸውን ተገይሩ ኣሎ።

ገለ ተወሳኺ መለክዒታት ንምውሳድ ኣብ 35C ዕረፍቲ ንወስድ። ኣብዚ ሕጂ ውዑይ ኰይኑ ኣሎ።

ርግጽ ዘይምቹእ ኣይኰነን - ኣብ መንበር ጥራይ እየ ዝዛነ ዘለኹ። ኣብዚ ግን ክሰርሕ ወይ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብር ኣይደለኹን።

ገለ ንጹር ለውጢ ኣብ ኣካላተይ ተፈጢሩ ኣሎ።

ኣነ ዝያዳ ቀይሕ እየ ዝመስል። ዳምያን እውን ከምኡ ኰይኑ ኣሎ፤ ኣብዚ ምሳይ ተሸኺሉ እዩ ዘሎ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ጥቓ ገጽ ቆርበተይ ዝርከቡ ሰራውር ደም ይኽፈቱ ስለዘለዉ እዩ።

ከምኡ ውን ረሃጽ ይፈስስ ኣሎ- ይነጥብ ዘይኮነስ ይሃፍፍ ኣሎ- እቲ ረሃጽ እናሃፈፈ ምስ ዝኸይድ ድማ ይዝሕለኒ።

ብድሕሪኡ እቲ ሙቐት፡ ናብ 40.3C ኣብጺሕናዮ፡ ሕጂ እቲ ዋዒ ዝሃርመኒ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ።

"እቲ ወሰኽ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ እዩ። ክትሪኦ፡ ሓሙሽተ ዲግሪ ሴንቲግሬድ [ዝያዳ] ብዙሕ ኣይመስልን፡ ብሓቂ ኣብ ስነ-ኣካላዊ ስርዓት ግን ኣዝዩ ከቢድ ለውጢ'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር ቤይሊ።

ነቲ ፈተናታት እንደግመሉ ግዜ ይመጽእ ኣሎ።

ረሃጽ ዝጀብጀበ ክዳውንተይ ኣብ መሬት ምስ ሰንደኹ፡ ተመሊሰ ኣብ ሚዛን ደዪበ።

ኣብቲ መስርሕ ፈተነ ልዕሊ ሲሶ ናይ ሓደ ሊትሮ ማይ ከም ዝሰኣንኩ ምስ ፈለጥኩ ሰንቢደ።

ነቶም ኵሎም ኣብ ጥቓ ቆርበተይ ዝርከቡ ሰራውር ደም ምኽፋት ዋዒ ንምጽዋር ዝወጽእ ወጻኢታት እውን ንጹር እዩ። ህርመት ልበይ ኣዝዩ ወሲኹ፡ ኣብ 40C ካብቲ ኣብ እዋን 21C ዝነበረ ንላዕሊ፡ ኣብ ደቒቕ ኣብ ዙርያ ኣካላተይ ተወሳኺ ሊትሮ ደም ይነጽግ ኣሎ።

እዚ ኣብ ልቢ ዝፍጠር ተወሳኺ ጸቕጢ፡ ሙቐት ክዓቢ ከሎ ብሰንኪ ወቕዒ ልብን ወቕዒን ዝሞቱ ሰባት ዝውስኽሉ ምኽንያት እዩ።

እቲ ደም ናብ ቆርበተይ እናተጓዕዘ ከሎ፡ ሓንጐለይ ደም ይስእን። ዋሕዚ ደም ይወርድ፤ ከምኡ’ውን ናይ ሓጺር ግዜ ናይ ምርሳዕ ሓደጋ የጋጥመኒ።

ኣካላተይ ግን - ቀንዲ ሙቐት ሰብነተይ ኣብ ከባቢ 37C ደው ክብል ይቃለስ ነይረ፤ ተዓዊቱ ድማ።

"ኣካላትካ ነቲ ሙቐት ንምክልኻል ብሓቂ ጽቡቕ ጌሩ ይሰርሕ ኣሎ። ብርግጽ ግን፡ እቶም ቍጽርታት ኣብ 40 ዲግሪ ከምቲ ኣብ 21 ዲግሪ ዝነበርካዮ ከምዘይኮንካ ይሕብሩ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር በይሊ።

ጀምስ ጋላገር ኣብ ቤተ ፈተነ ማዕበል ሙቐት

ካልእ ረቋሒ- ራህዲ

ኣብ ጽምው ዝበለ ለይቲ ናይ ብሓቂ ዘይምቹእ ኴንካ ትፈልጥ እንተዀንካ፡ ራህዲ እዩ እቲ ምኽንያት።

ምኽንያቱ ንኣካላትና ናይ ምዝሓል ዓቕሙ ስለ ዘዳኽሞ።

ረሃጽ ጥራይ እኹል ኣይኮነን፤ እቲ ረሃጽ ናብ ኣየር ምስ ተነነ ጥራይ እዩ ምዝሓል ውጽኢት ዝህበና።

ኣብ ኣየር ልዑል መጠን ማይ ምስ ዝህሉ ግን፡ ረሃጽ ንኽሃፍፍ ዝያዳ ይኸብዶ።

"ሽዑ'ዩ ሓደገኛ ዝኸውን። ሙቐት ሰብነትና ክውስኽ ይጅምር፤ እዚ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ኣካላትና ሓደጋ ከብጽሕ ይኽእል'ዩ" ትብል ተመራማሪት ራቸል ኮትል።

እቲ መጠን ሓደጋ ድማ፡ ኣብ ዝተሓተ ሙቐት ዝበጽሕ እቲ ራህዲ ልዑል ምስ ዝኸውን እዩ።

እቲ ዘተሓሳስብ ማዕበል ሙቐት ብተደጋጋሚ፡ ንውሓት ግዜን እናኸበደን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ራህዲ እውን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ትብል ኮትል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህንዲን ፓኪስታንን ብኸቢድ ማዕበል ሙቐት ኣብ ዝተሃሰያሉ እዋን፡ ልዑል ራህዲ ከምዝነበረ ትሕብር።

"ብርግጽ እቲ ጸገም ናይ 'ሎሚ' እምበር ንመጻኢ ጸገም ኣይኮነን" ትብል።

ኣካላት ወዲ ሰብ ኣብ ከባቢ 37C ዲግሪ ኣብ ዝኾነ ቀንዲ ሙቐት ንኽሰርሕ ዝተሃንጸ እዩ።

እዚ ሙቐት ናብ 40C እናቐረበ ምስ ከደ ዝያዳ፡ ርእስና ይፎክስን ንሓደጋ ዝቃላዕን ንኸውን።

ልዑል ሙቐት ሰብነትና፡ ንቲሹታት ኣካላትና ከም ጭዋዳታት ልብን ሓንጎልን ይጎድእ። ኣብ መወዳእታ እዚ ቀታሊ ይኸውን።

"እቲ ቀንዲ ሙቐት ናብ ከባቢ ኣስታት 41-42 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ምስ ደየበ ናይ ብሓቂ ትርጉም ዘለዎ ጸገማት ክንርኢ ንጅምር። እንተዘይተሓኪሙ ድማ እቲ ውልቀሰብ ብሓቂ ከም ውጽኢቱ ክመውት'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር በይሊ።

እዚ ተርእዮ - ወቕዒ ሙቐት - ህጹጽ ሕክምናዊ ኵነታት ዘድልዮ እዩ።

ብኸመይ ምጽዋር ይከኣል?

ብዙሓት ካብቶም ንዋዒ ንምጽዋር ዝሕግዙ ምኽርታት ልሙዳትን ፍሉጣትን እዮም ።

ኣብ ጽላል ምጽናሕ፡ ፍኹስ ዝበለ ክዳን ምኽዳን፡ ኣልኮላዊ መስተ ምግደፍ፣ ገዛኻ ዝሑል ምግባር።

ኣብ መዓልቲ ሙቐት፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣይትግበር፤ ማይ ኣብዚሕኻ ስተ።

"ካልእ ምኽሪ፡ ጸሓይ ከይረኽበካ ፈትን። ቅልል ዝበለ ምቅጻል ጸሓይ፡ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል፡ ሙቐት ናይ ምቁጽጻር ወይ ረሃጽ ናይ ምውጻእ ዓቕሚ ከውድቖ ይኽእል'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር በይሊ።

ምስ ዋዒ ምግጣም ግን ኵላትና ክንለምዶ ዝግበኣና ነገር እዩ።

ፕሮፌሰር ሊዚ ኬንዶን፡ ኣብ ለውጢ ክሊማ ስጕምቲ እንተዘይተወሰደ፡ ኣብቲ ሃሩር መዓልቲ [ንኣብነት] ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብ6C ክውስኽ ከምዝኽእልን ሓደጋ ከምዝውስኽን እዩ ዘርኢ።

"እዚ ኣብ መወዳእታ እዚ ክፍለ ዘመን ዓቢ ወሰኽ'ዩ" ኢሉ።