ኣዝማዶም ካብ ጅሆ ሓማስ ዝተለቐቑ ስድራቤታት ንምንታይ ጭንቆም ወሲኹ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ተስፋ ዝቐበፁ ስድራቤታት ጭንቀቶም ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ እዋን፡ ሳልሳይ ካልኣይ ጉጅለ እስራኤላውያን ጅሆታት ካብ ሓማስ ሓራ ወጺኦም።
ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ 13 እስራኤላውያን ከምዝተለቐቑ እንትገልፅ፡ ሓማስ ድማ 39 ተወሰኽቲ ፍልስጤማውያን እሱራት ካብ ዌስት ባንክ ከምዝተፈትሑ ኣረጋጊፁ።
ሓማስ ንኣርባዕተ ጅሆ ዝተታሕዙ ታይላንዳውያን እውን ፈቲሑ ኣሎ።
እቲ ፋላማይ ምፍናው፡ ብዓርቢ ብዘይ ገለ ጸገም ምክያዱ ይዝከር። ካልኣይ ምፍናው ድማ ትማሊ ቀዳም ተኻይዱ'ዩ።
እዚ ድማ ብማእከልነት ቀጠር ዝተበፅሐ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ስዒቡ እዩ።
ህጹጽ ዝርርብ ነቲ ናይ ቀዳም ምልውዋጥ ጅሆን እሱራትን ካብ ምትሕልላፍ ኣድሒኑዎ።
እንተዀነ፡ እቶም እስራኤላውያን፡ ኣብ ዶብ ቓዛ-ግብፂ ንቀይሕ መስቀል ክርከቡ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።
ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ ዝኾነ ብርጌድ ቃሳም፡ ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ሓገዝ ኣብ ምብጻሕን ፍልስጤማውያን እሱራት ዝልወጠሉ መዐቀኒታትን ዝምልከት ቅረታ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
እስራኤል ብወገና፡ ንውዕላት እቲ ስምምዕ ከምዘይጠሓሰት ነጺጋ።
ወሃቢ ቃል ሓማስ ኦሳማ ሓምዳን ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ብድምር 340 ናይ ረድኤት መካይን ናብ ቓዛ ከምዝኣተዋ፡ እንተኾነ ግን 65 ጥራይ ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ከምዝበጽሐን፡ እዚ ድማ ካብቲ እስራኤል ዝተሰማምዓሉ ትሕቲ ፍርቂ ምዃኑ ገሊጹ።
እስራኤል፡ ንግዝኣት ሰሜን ቓዛ ከም ዞባ ኲናት ክትገልጾ እንከላ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሓገዝ ናይ ምብጻሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ትሕብር።
ድሒሩ፡ ምስቲ ዝካየድ ዝርርብ ቅርበት ዘለዎ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፍልስጤም፡ እቲ ምስሕሓብ ከምዝተፈትሐ ካብ ቀጠር ዝረኸቦ መግለጺ ጠቒሱ ኣረጋጊጹ።
ሓማስ፡ ድማ "ግብጽን ቀጠርን እቲ ግዝያዊ ዕርቂ ንክናዋሕ ንዝገበረኦ ፃዕሪ" ንኢዱ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ 50 እስራኤላውያን ጅሆ ዝተታሕዙ - ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን - ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ብሓማስ ክስደዱ ምዃኖምን፡ ኣብ ክንደኦም ድማ 150 ፍልስጤማውያን እሱራት ክቕየሩ ምዃኖም ይግለፅ።
መንግስቲ እስራኤል፡ መዓልታዊ እንተወሓደ 10 እስራኤላውያን እንተተፈሖም እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክናዋሕ ከምዝኽእል ይገልጽ።
እንተኾነ ግን እቲ ስምምዕ ግዝያዊ ጥራይ ምዃኑን፡ ንሓማስ ከይደምሰሶ ከምዘይድቅስን ይሕነ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቱ ኣብ ዝፈፀመሉ እዋን፡ ኣስታት 240 ሰባት ጨውዩ፡ 1200 ሰባት ከምዝቐተለ፡ መብዛሕትኦም ሲቪላት ከምዝነበሩን እስራኤል ትገልጽ።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ እስላማዊ ጉጅለ ሓማስ፡ ብእስራኤል፣ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ከም ግብረሽበራዊ ውድብ ዝተበየነ እዩ።
እስራኤል ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ፡ ቓዛ ብዘይዕረፍቲ ብምድብዳብ ትሕተ-ቅርጺኣ ኣዕኒያቶ።
ሓማስ፡ ብዙሓት ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 15 ሽሕ ሰባት በቲ ደብዳባት ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።
ዓበይቲ ቀረባት ሓገዝ - ብፍላይ ድማ መግቢ፣ ማይን ንመናፅሂ ዝሕግዙ ናውትን ብህፁፅ ከመዝደልዩ ይንገር።
ሰንበት ምሸት ኣስታት 50 ሽሕ ኣብ ማእከላይ ተልኣቪቭ ሰልፊ ዝወፅኡ ነበርቲ፡ ኣብ ፖስተራትን ቲሸርታትን "ናብ ዓዶም ምለስዎም!" ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ እቲ ግዝያዊ ዕርቂ ክናዋሕ ፀዎዖም።
ኣቦ ኣየርላንዳዊት እስራኤላዊት ኤሚሊ ሃንድ፡ ኣብኡ ኣብ ጅሆ ዀይና እንተላ ትሽዓተ ዓመት ዝመልኣ ጓሉ ብምምላሳ ሕጉስ እኳ እንተዀነ፡ ነቶም ዛጊድ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ፡ ናብ ገዝኦም ንምምጻእ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ቆሪጹ ከምዝተልዓለ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ብዘይ ጓላ ትማሊ ቀዳም ዝተፈትሐት ራያ ሮተም እወን ትርከቦም።
ናፃ ዝወጸ ወዲ 21 ዓመት ማያ ኢታይ ረገቭ እውን፡ ሓዉ ጅሆ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
"ወደይ ኢታይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ቓዛ ጅሆ ኰይኑ ይቕፅል ስለዘሎ ልበይ ብሓዘን ጉህዩ እዩ ዘሎ" ትብል ኣዲኦም ሚሪት ረገቭ።
ኖኣም ሳጊ፡ ወዲ 75 ዓመት ጅሆ ዝኾነት ኣዲኡ ኣዳ ሳጊ፡ ቅድሚ እቲ ናይ ትማሊ ምልቃቕ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ክሳብ ሕጂ ናይ ሎሚ ምሸት ዝርዝር ክለቐቕ ንጽበ ኣለና፤ ስቅያት'ዩ፡ ምሉእ ስድራቤት ይጽበዩን ከንፈሮም ይመጡን ኣለዉ" ኢሉ ነይሩ።
ሕማቕ ዕድል ኰይኑ፡ ሽማግለ ኣዲኡ ኣዳ ሳጊ ካብቶም ብቀዳም ሓራ ዝወጹ ኣይነበረትን።
ካብቶም ብዓርቢ ብእስራኤል ዝተፈትሑ 39 ፍልስጤማውያን - 24 ደቂ ኣንስትዮን 15 ቆልዑ ኣወዳትን - ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዘይፈልጡ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝነበሩ ይዛረቡ።
ሓንቲ ካብኣቶም ሳራ ኣል ሱዌይሳ፡ ቅድሚ ምፍታሖም፡ ዘንብዕ ጋዝ ይትኮሰምን፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተሓሪሞምን ከምዝነበሩ ገሊጻ።
"ዘዋርድ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስቅያት" ብምባል "ሓማስ ጥራይ እዩ ዝሓገዘና" ኢላ።
ትማሊ ቐዳም፡ ዳግማይ ዝተፈትሑ ፍልስጤማውያን - ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኦፈር ተኣሲሮም ዝነበሩ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን - ንምቕባል ኣብ በይቱኒያ ብዙሕ ሰብ ተኣኪቡ ይፅበ ነይሩ።
ኣብኡ ብዙሓት ቀጠልያ ባንዴራታት ሓማስ የንበልብሉ ከምዝነበሩ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሉሲ ዊልያምሰን ተዓዚባ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
