እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢድ ዕጡቓት ፋኖ ኣትያ ዝነበረት ከተማ ላሊበላ ሰራዊት መንግስቲ ተቖጻጺሩዋ
እታ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ፋኖ ኣትያ ዝነበረት ከተማ ላሊበላ ሓይልታት መንግስቲ ደጊሞም ከምዝተቖጻጸሩዋ ነበርቲ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ዙርያ እታ ታሪኻዊት ከተማ ብከበድቲ ብረታት ዝተሰነየ ውግእ ክካየድ ምቕናዩ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ትማሊ ኣብ ዝቐጸለ ውግእ ድማ ዝበዝሐ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቶም ዕጡቓት ኣምሓራ ኣትያ ነይራ።
ናብ ሓሙስ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ግን እቶም ዕጡቓት ብምውጽኦም፡ ሰራዊት ፈደራል ናብታ ከተማ ተመሊሱ ከምዘሎን ተዂሲ ደው ከምዝበለን እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም።
ሎሚ ረፍዲ፡ ወተሃደራት መንግስቲ ገዛውቲ እናፈተሹ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ክኣስሩ ከምዝተራእዩ ንድሕነቶም ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ምንጭታትና ገሊጾም።
ላሊበላ ኣብ 13 ክፍለ ዘበን ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑን ኣብ መዝገብ ቅርስታት ዓለም ዩኔስኮ ዝሰፈሩን ኣብያተ ክርስትያን ዝርከቡላ ከተማ እያ።
ጕጅለ ፋኖ ክብተን ትእዛዝ ካብ ዝተወሃበሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ክዋጋእ ጸኒሑ።
እቲ ተወሊዑ ዝተባህለ ውግእ ዝምልከት ካብ ወኪል ዜና ሮይተርስ ሕቶ ዝቐረበሉ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ነቲ ሓበሬታ ኣይተቐበሎን።
ነበርቲ እታ ከተማ ግን ሓያል ውግእ ተላዒሉ ከምዝነበረን ረቡዕ ንግሆ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ላሊበላ ክትዓልብ ዝነበራ ነፋሪት ከምዘይዓለበትን ገሊጾም።
ዙርያ እታ ከተማ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዓውደ ውግእ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ኰይኑ ጸኒሑ።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ግጭት ንምቍጽጻር ኣብ ነሓሰ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።
እዚ ድማ መንግስቲ ንከተማ ላሊበላ ሓዊሱ ኣብ መጀመርታ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ፋኖ ኣትየን ዝነበራ ከተማታት ኣምሓራ ደጊሙ ክቈጻጸር ኣኽኢልዎ።
ኣብ ፈለማ ነሓሰ 2021 ኣብ ዝቕጽል ዝነበረ ኲናት ትግራይን'ውን፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ነታ ከተማ ክቆጻጸሩ ክኢሎም ምንባሮም ይዝከር።
ዕጡቓት ፋኖ ኣብቲ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ 2020 ዝተወልዐን ንክልተ ዓመት ዝቐጸለን ኲናት፡ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት መንግስቲ ተሰሊፎም ተዋጊኦም።
ኲናት ትግራይ ኣብ ፕሪቶርያ ብዝተፈረመ ውዕል ሰላም ደው ምስበለ፡ መንግስቲ ነቲ ጕጅለን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ናብ ሰራዊት ምክልኻል ንምጽንባር ድሕሪ ምውሳኑ ወጥሪ ተላዒሉ።
ሓይልታት ኣምሓራ ውሳነ መንግስቲ ናብቲ ክልል ንዘቕንዕ ስግኣታት ጸጥታ ከይከላኸሉ ዝገብር ከምዝዀነ እዮም ዝገልጹ።
ብመንግስቲ ዝቘመ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዙሓት ሰባት ካብ መንበሪኦም ከምዝተፈናቐሉ ኣፍሊጡ እዩ።