ሓደ ሲሶ መሬት ፓኪስታን ብማይ ኣዕለቕሊቑ ምህላው ተገሊጹ

ፓኪስታን፡ ሓደ ሲሶ ካብ መሬት ፓኪስታን ብማይ ኣዕለቕሊቑ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ፓኪስታን ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ብርቱዕ ዝናብ ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ፡ ሓደ ሲሶ ካብ መላእ መሬታ ብማይ ተሸፊኑ ከምዘሎ ሚኒስተር ክሊማ እታ ሃገር ኣፍሊጣ።

እቲ ብርቱዕ ውሕጅ፡ ንጽርግያታት፡ ኣባይትን  ዘራእትን ጸራሪጉ ብምውሳድ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ዝርገሐ ዘለዎ ሓደጋ ኣኸቲሉ ምህላዉ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ክሊማ ፖኪስታን ሸሪ ረህማን “ብምልኡ መሬት ፓኪስታን ናብ ውቅያኖስ’ዩ ተቐይሩ ዘሎ፡ ማይ ትጭንጉዓሉ ደረቅ መሬት ፈጺሙ የለን” ኢላ።

ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ጸብጻብ፡ ብሰንኪ እቲ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ዝሃርም ዘሎ ብርቱዕ ንፋስ ዘለዎ ዝናብ 1,136 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

እዚ ኣብታ ሃገር ዝሃርም ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዝተራኣየ እቲ ዝበርተዐ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

መንግስቲ ፓኪስታን እቲ ዝናብ ብሰንኪ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ክሊማዊ ለውጢ ዝሰዓበ ከምዝኾነ’ዩ ገሊጹ።

ሚኒስተር ሸሪ ረህማን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ሓደ ሲሶ ካብ መሬት ፓኪስታን ምሉእ ንምሉእ’ዩ ብማይ ተሸፊኑ'ዩ ዘሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ቅድሚ ሕጂ ፈጺሙ ተራእዩ ዘይፈልጥ ክስተት’ዩ” ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ 75 ሰባት ብሰንኪ ብርቱዕ ውሑጅ ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ብምሕባር፡ ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ትጽቢት ከምዘሎ ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ቢላዋል ብሁር ዛርዳሪ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሞቱ ህጻናት ከምዝኾኑ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ብምስዓብ “ነቲ ስዒቡ ዘሎ ዕንወት ንምግማት ገና ነጽንዖ ኣለና” ኢሉ።

ሰብ መዚ ፓኪስታን፡ ሓደ ካብ ሸውዓተ ካብ ፓኪስታናውያን በዚ ክስተት ከምዝተጸለወ ብምግላጽ ልዕሊ 33 ሚልዮን ፓኪስታናውያን በዚ ታሪኻዊ ዕልቅልቕ ተጸልዮም ምህላዎም ኣብሪሆም።

ብፍላይ ሰሜናዊ ክፋል ፓኪስታን እቲ ዝያዳ ዝተሃሰየ ክፋል እታ ሃገር ከምዝኾነ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብቲ በረኽቲ ቦታታት ዝነብር ህዝቢ፡ ካብቲ ቦታ ብህጹጽ ክወጽእ ተሓቢርዎ ኣሎ።

መንግስቲ፡ ሰባት ብውሑጅ ካብ ዝተኸርደንሉ ቦታታት ብሓገዝ ሄሊኮፕተራት ንምውጻእ’ኳ ይጽዕር እንተሎ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝቅጽል ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ግን ንመስርሕ ህይወት ኣድሕን ዝያዳ ከቢድ ገይርዎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሻሪፍ ብሰንበት፡ ነቲ ዝያዳ ዝተሃሰየ ቦታታት ኣብ ሄሊኮፕተር ኮይኑ ድሕሪ ምዕዛብ “ብዙሓት ዓድታት ብብርቱዕ ውሕጅ ተወሲደን’የን፡ ሚልዮናት ኣባይቲ ኸኣ ዓንዩ’ዩ” ኢሉ።

ብዙሓት ካብቲ ዕልቅለቕ ዝሃደሙ ሰባት ኣብተን ብሰብ ኣዕለቅሊቐን ዘለዋ መዓስከራት ተዓቊቦም ኣለዉ።

ፓኪስታን፡ ሓደ ሲሶ ካብ መሬት ፓኪስታን ብማይ ኣዕለቕሊቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መዓስከር ተዓቊባ ዘላ ፋዛል ማሊኪ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ መዓስከር ልዕሊ ዓቕሙ ብሰብ ኣዕለቕሊቁ ከምዘሎ ብምሕባር “ኣብዚ ምንባር ከርፋሕ’ዩ” ኢላ።

ሲንድህን ባሎቺስታን ዝተብሃለ ዞባታት እተን ዝያዳ ተሃስየን ዘለዋ ዞባታት’የን።

ኣብ ፓኪስታን ብ2010 ዝሃረመ ተመሳሳሊ ዝናብ ጠንቂ ሞት 2,000 ሰባት ኮይኑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብዙሓት ሰባት ነዚ ሕጂ ኣጋጢምዎም ዘሎ ዕልቕልቅ ምስቲ ናይ 2010 የመሳስልዎ ኣለዉ።

መንግስቲ ፓኪስታን ነዚ ዘሎ ብርቱዕ ጸገም በይኑ ክብድሆ ከምዘይክእል ብምሕባር: ካብ ገበርቲ ሰናይ፡ ሃገራትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ሓገዝ ሓቲቱ’ሎ።

ሚኒስተር ውጥናት ፖኪስታን ኣህሳል ኢቕባል ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ክሳብ ሕጂ ገይርናዮ ብዘለና ኣፈናዊ መጽናዕቲ እቲ ዕንውት ክሳብ 10 ቢልዮን ዶላር ዝግመት’ዩ”

ኣስታት ፍርቂ ካብ ሕርሻ ጡጥ እታ ሃገር ብውሕጅ ክውሰድ እንከሎ፡ ኣብ ዘራእቲ ኣሕምልቲ፡ ፍረታትን ሩዝን’ውን ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ። 

መግለጺ ቪድዮ, ብርቱዕ ዝናብ ብዘስዓቦ ዕልቕልቕ እትሳቐ ዘላ ፓኪስታን