ብዶ/ር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ጉጅለ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ትግራይ ዑደት የካይድ ኣሎ

Published

ብሚኒስተር ጥዕና ፌደራል ዶ/ር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ፡ ዕላማ እቲ ዑደት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መሊስካ ርክብ ብምጅማር፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጠለብ ሕክምና ንምምላእ ናይ ሓባር ትልሚ ኣውጺእኻ ንምውፋር ዝዓለመ ምዃኑ ተዛሪቡ።

“ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ንነዊሕ እዋን ርክብ ተቛሪጹ ነይሩ። ስለዚ ከምቶም ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልልና እውን ክትግበሩ ዝግበኦም ብዙሓት መደባት ኣለዉ። ቀደም ዝነበሩ፣ ሙሉእ ብሙሉእ ተቛሪጾም ዝነበሩ ወይ ድማ ትሕዝ ልቕቕ እናበልካ ዝቐጸሉ ወይ ብመዳርግቲ ኣካላት እናተሰርሑ ዝነበሩን ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ካልኦት ዝተጀመሩ መደባት ኣብ ትግራይ ንምጅማር እዩ። “

እቲ 29 ኣባላት ዘለዉዎ ጉጅለ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ኣብያተ ጥዕና ይርእይ ከምዘሎ እውን ዶ/ር ኣማኑኤል ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ “ብሰንኪ ኲናት ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና ኣብ ሓጺር እዋን ደጊምና ብዝሓሸ ክንሃንጾም ኢና” ምባላ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣቃሊሓ።

ትካል ዶብ-ኣልቦ ሓካይም፡ ልዕሊ 80 ምኢታዊት ትካል ጥዕና ትግራይ ከምዝዓነዋን ከምዝተዘረፋን ምግላጹ ይዝከር።

ቀረብ መድሓኒት መሳርሕታት ሕክምናን ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ?

ብሰንኪ ኲናት ናብ ብርኪ ዘይምህላው ወሪዱ ዝነበረ ግልጋሎት ጥዕና ትግራይ ድሕሪ ውዕል ሰላም ምምሕያሽ ከምዘርኣየ እዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ብመዳይ ቀረብ መድሓኒታት ውሱን ምምሕያሻት ከምዝተርኣየ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ዘድሊ ቀረብ መድሓኒት ዓብዪ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ። ድሕቲ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕነት ሓደ ግዘ ንእሽተይ እናተመሓየሸ፡ ሓደ ሓደ ጊዜ ድማ ፈጺሙ እናወረደ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ መጠናዊ ምምሕያሽ ኣርእዩ ኣሎ። “

መዳርግቲ ኣካላትን ዝምልከቶ ኣካል መንግስትን መድሓኒት ምቕራብ ምጅማሮም ነቲ ምምሕያሽ ምኽንያት ምዃኖም ዝገልጽ እቲ ሓላፊ፡ ካልኦት ወሰንቲ መድሓኒታትን መሳርሒታትን ግን ሐዚ እውን ከቢድ ሕጽረት ከምዘሎ ተዛሪቡ።

“ ንኣብነት ኣንቲባዮቲክስ፡ ናይ ረኽሲ መሐከሚ መድሃኒታት፣ ብደም ሰራውር ዝወሃቡ ፈሰስቲ ፣ ቁስሊ ንምሽፋን እንትቀመሎም ጎዛት. . . ኣብዚኦም ዓብዪ ሕጽረት ኣሎ። ዳርጋ የለን ምባል ይከኣል። እቲ ንዑደት ዝመጸ ጉጅለ ዝዕዘቦ ዘሎ ነገር እዩ። ቀረብ ላቦራቶሪ ዳርጋ ኣብ ሙሉእ ትግራይ ፈጺሙ የለን። “

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ነቲ ኲናት ስዒቡ ዝተነበረ ዕጽዋ፡ ነበርቲ ብሰንኪ ሕጽረት መድሓኒት ንዝተፈላለዩ ሕማማት ክቃልዑን ህይወቶም ክስእኑን ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ብሰንኪ ሕጽረት ክታበት ጠፊኦም ዝነበሩ ሕማማት ተመሊሶም ክረኣዩ ከምዝጀመሩ ሰብመዚ ጥዕና እቲ ክልል ቅድም ክብል ገሊጾም ነይሮም።

ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ድሕሪ እቲ ኲናት ደው ዘበለ ውዕል ሰላም ኣብ ትግራይ ቀስ ብቐስ ኣገልግሎታት እናተመለሱን ኩነታት እናተመሓየሸን ይመጽእ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ደሞዝ ዘይተኸፈሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ግን ሕዚ እውን ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዘለዉ ይገልጹ።

እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልላዊ በጀት ምስተለቐቀ ደሞዝ ክኸፍል ምዃኑ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሰሙን ሰብመዚ ሚኒስትሪ ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ በጀት ምስ ካቢኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምዝርራብ ናብ ከተማ መቀለ ከምዝተጉዓዙ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ሓቢረን።