ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ጸወታታት ኮዕሶ እግሪ ተሰሪዞም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ቀዳምን ሰንበትን ክካየዱ ዝነበሩ ኩሎም ጸወታታት ፕሪመርሊግ እንግሊዝ፣ ዌልስ፣ ግጥማት ሰሜናዊ ኣየርላንድን ስኮትላንድን ተናዊሖም፡፡
10 ጸወታታት ፕሪምየርሊግን 6 ስኮቲሽ ፕሪምየርሺፕን ክካየዱ መደብ ነይሩ፡፡
ንዓርብን ቀዳምን ዝተተለሙ ጸወታታት ሊግ እንግሊዝ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ሽዱሽተ ጸወታታት ሱፐርሊግ ደቂ ኣንስትዮ እውን ንቐዳምን ሰንበትን መደብ ወጺኡሎም ነይሩ፡፡
ብተመሳሳሊ ጸወታታት ናሽናል ሊግ እንግሊዝ፣ ኤፍኤ ትሮፊን ግራስሩትን እውን ተሰሪዞም ኣለዉ፡፡
ብካልእ ገጽ እንግሊዝ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ እተካይዶ ጸወታ ክሪኬትስ ቀዳም ዝቕጽል ኮይኑ ግጥም ትዌንቲ20 እንግሊዝን ህንድን ክቕጽል እዩ፡፡
ብሓሙስ ተቛሪጹ ዝነበረ ጸወታ ሻምፒዮንሺፕ ጎልፍ ፒጂኤ ድማ ሎሚ ቀዳም ክቕጽል እዩ፡፡
ውድድር ቅድድም ፈረስ ሰንበት ዝጅመር ኮይኑ፡ ዓርቢ ክካየዱ ዝነበሮም ውድድራት ዝተናውሕዎ ፕሪምየርሺፕ ራግቢ ድማ ቀዳም ክጅመር እዩ፡፡
ሳቫና ማርሻልን ክላረሳ ሺልድስን ዝራኸባሉ ሻምፕዮና ጉስጢት ዓለም፡ ን 15 ጥቅምቲ እንትናዋሕ፡ ብቦርድ ጉስጢት ብሪትሽ ዝካየዱ ኩሎም ውድድር እዚ ቀዳምን ሰንበትን ተናዊሖም ኣለዉ፡፡
ሰንበት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ‘ግሬት ኖርዝ ራን’ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ መደብ ከምዝካየድ ዝተገለጸ ኮይኑ እቶም ኣዳለውቲ ነቲ መደብ፡ ሰባት ብሓባር ኮይኖም ንምጽናንዕን ነተን ንግስቲ ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽን ክጥቀምሉ ምዃኖም ኣፍሊጦም፡፡
ማንቸስተር ሲቲን ቦርሻ ዶርቱሞንድን ዝመጽእ ረቡዕ ኣብ ስታድዮም ኢቲሃድ ዘካይድዎ ጸወታ ሻምፒዮንስ ሊግ ከምኡ እውን ኣብ ዝመጽእ ሓሙስ ኣብ መንጎ ማንችስተር ዩናይትድን ኤፍሲ ሸሪፍን ኣብ ሞልዶቫ ዝካየድ ጸወታ ሊግ ኣውሮጳ ብመሰረት ትልሞም ክካየዱ እዮም፡፡
ን 70 ዓመት ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኮይነን ዘገልገላ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብ 96 ዓመተን ብሓሙስ ዓሪፈን፡፡
መንግስቲ ዘውጸኦ መምርሒ ሓዘን ውድድራት ስፖርት ክስረዙ ዘየገድድ ኮይኑ እቲ ውሳነ ንሰብ ዋና ሓድሕድ ስፖርት ገዲፍዎ፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ መዓልቲ ቀብሪ እተን ንግስቲ እውን ምስራዝ ጸወታታት ግድን ኣይኮነን፤ እንተኾነ ምስቲ ሰዓታት ከይጋጮ ምትዕርራያት ክግበር ከምዝኽእል የመልክት፡፡






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
