ጆ ባይደን ንስደተኛታት ዝምልከት ዘውጽኦ ሓዲሽ መግለጺ እንታይ’ዩ?

Published

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ሓደ ወርሒ፡ ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት ንምቕባል መደብ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ጎኒ ጎኒ ከኣ ኣብ እዋን ዘበነ ስልጣን ትራምፕ ዝጸደቐ ስደተኛታት ናብ ሜክሲኮ ናይ ምምላስ መስርሕ ብሰፊሑ ክስርሓሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ነቲ ኣብ ዶብ ሜክሲኮን ኣሜሪካን ዘሎ ቅልውላው ናይ ስደተኛታት እንታይ ጽልዋ ከሕድረሉ ይኽእል?

ጆ ባይደን እዚ ሓዲሽ ፖሊሲ ብቐንዱ ነቶም ካብ ኩባ፡ ኒኳራጉዋ፡ ሃይቲን ቬኔንዝወላን ብምምጻእ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ዝምልከት ኮይኑ ቁጽሪ ናይቶም ዶብ ሜክሲኮ ኣቋሪጾም ናብ ኣሜሪካ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝኣትዉ ስደተኛታት ከጉድሎ ምዃኑ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነዚ ሓዲሽ ፖሊሲ ኣመልኪቱ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግልጺ “እዚ ሓዲሽ ፖሊሲ መስርሑ ዝሓለወ፡ ድሑነን ሰብኣውን’ዩ” ኢሉ።

ብዙሓት እዚ ሓዲሽ ፖሊሲ ውጽኢታዊ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሎም ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ገለ ከኣ ነቶም ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ ስደተኛታት ናብ ሜክሲኮ ምምላስ ኢሰብኣዊ’ዩ ብምባል ስክፍትኦም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣሮን ሪችሊን መልኒክ ኣባል ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኣሜሪካ ኮይኑ “እዚ ምምሕዳር፡ ዝጸንሕዎ ፖሊሲ ናብ በትርን ካሮትን’ዩ ዝቕይሮ ዘሎ፡ ቀንዲ ከኣ ኣብታ በትሪ’ዩ ኣቶኲሩ ዝሰርሕ ዘሎ” ብምባል ነዚ ሓዲሽ ፖሊሲ ዘለዎ ተቋውሞ ገሊጹ።

እዚ ሓዲሽ መደብ እንታይ’ዩ ዝብል?

ዜጋታት ኩባ፡ ኒኳራጉዋ፡ ሃይቲን ቬኔንዝወላን ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኣሜሪካ ኣትዮም ክሳብ ክልተ ዓመት ክነብሩን ክሰርሑን ዘፍቕድ ኮይኑ፡ ሕጋውያን ስደተኛታት ንምዃን ግን ኣብ ኣሜሪካ ቀራቢኦም ይኹን ፈታዊኦም ብፋይናንስ ክምውሎም ከምዝኽእል መረጋገጺ ከቕርቡ ኣለዎም።

እዚ ከይገበሩ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ምስ ዝፍትኑ ግን ኣብ መጻኢ ተረባሕቲ ናይዚ ሓዲሽ ፖሊሲ ካብ ምዃን ክእገዱ’ዮም።

ጆ ባይደን ንዜጋታት እዘን ኣርባዕተ ሃገራት ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ኣብ ዘለኹሞ ኮይንኩም ብሕጋዊ ናብ ኣሜሪካ ንምእታው ኣመልክቱ፡ ሕቶኹም ቅቡል ኮይኑ እንተተረኺቡ ብሕጋዊ ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹም” ድሕሪ ምባል “ሕቶኹም ተነጺጉ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኣሜሪካ ክትኣትዉ ምስ እትፍትኑ ግን ኣይከነእትወኩምን ኢና” ኢሉ።

ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ብመሰረት ኣብ ዓንቀጽ 42 ዝሰፈረ ሕጊ፡ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ዝተረኸቡ ስደተኛታት ብቀጥታ ናብ ሜክሲኮ ክምለሱ ምዃኖም ክገለጹ እንከለዉ፡ ሜክሲኮ’ውን ዓመታዊ 30 ሽሕ ካብ ኣሜሪካ ዝተመለሱ ስደተኛታት ክትቕበል ድልውቲ ምህላዋ ገሊጻ ኣላ።

ቅድሚ ሕጂ መንግስቲ ሜክሲኮ፡ ካብ ኣሜሪካ ዝተመለሱ ዜጋታቱ፡ ዜጋታት ጓቲማላ፡ ሁንድራስን ኤል ሳልቫዶርን ጥራይ’ዩ ክቕበል ጸኒሑ፡ ሕጂ ግን ዜጋታት ቬኔንዙዌላ’ውን ክቕበል ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ሜክሲኮ እዚ ምግባራ ቁጽሪ ናይቶም ዶብ ሜክሲኮ ኣቋሪጾም ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ዝፍትኑ ዝነበሩ ዜጋታት ቬኔንዙዌላ ብ90 ሚኢታዊት ከምዘጉደሎ ብምሕባር ብሓፈሻ ቁጽሪ ናይቶም ብሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ኣዝዩ ከጎድል ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።

እዚ ሓዲሽ መደብ ጆ ባይደን ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል ድዩ?

ቁጽሪ ናይቶም ብሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ዝሰግሩ ስደተኛታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ምውሳኹ ንምምሕዳር ጆ ባይደን ሕማም ርእሲ ካብ ዝኾንዎ ጉዳያት ሓደ’ዩ።

ካብ መስከረም 2021 ክሳብ መስከረም 2022 ኣብ ዝነበረ ሓደ ዓመት፡ 2 ሚልዮን ሰባት ዶብ ሜክሲኮ ሰጊሮም ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ስለዝተትሓዙ ተኣሲሮም፡ እዚ ቁጽሪ እዚ ቅድሚኡ ምስ ዝነበረ ዓመት ክርአአ እንከሎ ብ24 ሚኢታዊት’ዩ ወሲኹ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ጥራይ ከም ኣብነት እንተተወሲዱ መዓልታዊ ካብ 700 ክሳብ 1,000 ስደተኛታት ዶብ ክሰግሩ ይተሓዙ ነይሮም።

ኣባል ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኣሜሪካ ኣሮን ሪችሊን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ሰደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ዝኣትውሉ ካልእ ሕጋዊ ኣማራጺ ምቕራብ ‘እወንታዊ ስጉምቲ’ዩ’ ብምባል “እንተኾነ ኣብ እዋን ዘበነ ሰልጣን ትራምፕ ዝነበረ ሕጊ ተኸቲልካ ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ካልእ ሃገር ምምላስ ግን ግቡእ ኣይኮነን” ኢሉ።

ብምስዓብ እዚ ነተን ተጠቂሰን ዘለዋ ኣርባዕተ ሃገራት’ዩ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል’ምበር ነቲ ካልእ ስደተኛ ዝምልከት ስለዘይኮነ ዘምጽኦ ለውጢ  ከምዘየለ ገሊጹ።

ረቤካ ሶላ ኣባል ናይቲ ኣብ ዶብ ንስደተኛታት ዘጽልል ናይ ካቶሊክ ትካል ገባሪ ሰናይ ኮይና፡ እዚ ሓዲሽ ፖሊሲ ንናህሪ ስደተኛታት ከጉድሎ ከምዝክል ንቢቢሲ ሓቢራ “ብኣገባብን ብቅንዕናን እንተተሰሪሕሉ፡ ነዚ ዘሎ ቅልውላው ከህድኦ ይኽእል’ዩ” ድማ ትብል።

ካልእ ንፖሊሲ ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ዝከታተል ትካል ዝሰርሕ ኣንድሬው ሳለ “እዚ ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኣሜሪካ ምእታው፡ ውጽኢት እንተስኢኖምሉ ክሳብ ናብ ኣሜሪካ ጾሊቖም ዝኣትዉ ደጋጊሞም ክፍትኑ’ዮም” ብምባል፡ እቲ ሕጋዊ መስርሕ ቅልጡፍን ጽፉፍን እንተኾይኑ ጥራይ ውጽኢታዊ ከምዝከውን ኣብሪሁ።

እዚ ሓዲሽ ፖሊሲ ክዕወትን ዘይክዕወትን፡ ኣብታ ካብ ኣሜሪካ ዝተመለሱ ስደተኛታት ክትቕበል ተሰማሚዓ ዘላ ሜክሲኮ ከምዝምርኮስ ዝገልጹ’ውን ብዙሓት’ዮም።

ኣባል ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኣሜሪካ ኣሮን ሪችሊን “ሰሜን ሜክሲኮ ኣዝዩ ሓደገኛ ቦታ’ዩ” ብምባል “ግቡእ ኣተሓሕዛ እንተዘይተገይርዎ እቶም ካብ ኣሜሪካ ዝምለሱ ይኹኑ ናብ ኣሜሪካ ንምስጋር ኣብቲ ከባቢ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ግዳያት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም” ኢሉ።

ጆ ባይደን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ሰሜን ኣሜሪካ ንምስታፍ ናብ ሜክሲኮ ኣብ ዘምርሓሉ፡ ነቲ ዶብ ብኣካል ክዕዘቦ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።