እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሓንቲ መርከብ ብሰንኪ ዝበቘለ ሓደገኛ ነገራት ኣማኢት ገያሾ ተዓጊቶም
ሓንቲ መርከብ ገያሾ ብሰንኪ ዝተረኽባ ዝበቘለ ሓደገኛ ነገር ብኣማኢት ዝቝጸሩ ገያሾ ኣብታ መርከብ ተዓጊቶም ከምዘለው ተገሊጹ።
ሰብ መዚ ኣውስትራልያ ኣብ መርከብ ቫይኪን ኦርየን ‘ባዮፎውል’ ዝበሃል ድርዒ ደቀቕቲ ታህዋስያን፡ ኣትክልቲ፡ ሰበባን ንኣሽቱ እንስሳን ድሕሪ ምርካቦም እታ መርከብ ናብ ወደብ ኣደላይድ ንኽትጽጋዕ ከምዘየፍቀዱላ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እዚ፡ ናብቲ ባህርያዊ መናብሮ ወራሪ ዝዀነ ጅር ከእቱ ከምዝኽእል ይግለጽ።
እታ መርከብ ናብ ኣውስትራልያ ቅድሚ ምእታዋ እቲ ኣካላታ ክጸሪ ከምዘለዎ ሰብ መዚ ተዛሪቦም።
ኣቐዲሙ ዝወጸ ሓበሬታታት እቲ ዝበቘለ ነገር፡ ዕሰ (ፋንገስ) ምዃኑ ዝገልጽ እኳ እንተነበረ፡ ብኽፍሊ ሃብቲ ዓሳ ኣውስትራልያ ኣይተረጋገጸን።
እቲ ክፍሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ምክትታል ባዮፎውል ኣብ ኵለን ዓለምለኻውያን መራኽብ ዝካየድ ንቡር መስርሕ” ምዃኑን እቲ “ሓደገኛ ባሕራዊ ህዋስ” ናብ ማያት ኣውስትራልያ ከይኣቱ ንምክልኻል እታ መርከብ ክትጸሪ ከምዘድልያ ገሊጹ።
ንኣካላት እታ መርከብ ንምጽራይ ክኢላታት ጠለቕቲ ተዋፊሮም ከምዘለው’ውን ሓቢሩ።
እታ መርከብ ኣብ ክራይስትቸርች፡ ዳነዲንን ሆባርትን እውን ከይትኣቱ ከምዝተኸልከለት ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሓደ ገያሻይ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 800 ሰባት ኣብታ መርከብ ከምዘለውን ብዙሓት “ብሸለልትነት” እቲ ትካል “ተቘጢዖም” ምህላዎምን ነጊሩ።
እታ 14 ወለል ዘለዋ፡ 930 ገያሾ እትጽዕን ኣብ 2018 ዝተሰርሐት መርከብ፡ ካብ ገምገም ባሕሪ 27 ኪሜ ርሒቓ ተዓሺጋ መስርሕ ምጽራይ ይካየደላ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣካያዲ መርከብ ቫይኪን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ መርከብ “ዝተወሰነ መጠን ዘለዎ ባሕራዊ ዝበቘለ ነገር” ይእለየላ ከምዘሎን ብሰንኩ ክትበጽሖ ዝግብኣ ብርክት ዝበለ ቦታታት ክትበጽሕ ከምዘይከኣለት ኣፍሊጡ።
እታ መርከብ ሰኑይ 2 ጥሪ ናብ ሜልበርን ገጻ ክትንቀሳቐስ ትጽቢት ከምዝግበር’ውን ገሊጹ።
ነቶም ገያሾ “መከሓሓሲ ዝኸውን ነገራት” ክቕረበሎም ምዃኑ ካፒተን እታ መርከብ ብዓርቢ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ሓቢሩ።