ተመሃሪት ካልኣይ ብርኪ መሲላ ክትመሃር ዝተረኸበት ጓል 29 ዓመት ተኣሲራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣሜሪካ ኒውጀርሲ ሓንቲ ተመሃሪት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከተምስል ዝፈተነት ጓል 29 ዓመት ሰበይቲ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።
እታ ፖሊስ ሂዮንግ ሺን ብዝብል ሽም ዝገለጻ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኒው ብራንስዊክ ንምምዝጋብ ናይ ሓሶት መለለዪ ሰነድ ተጠቒማ በዝብል ከሲሱዋ ኣሎ።
ሺን ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ትምህርቲ ዕድሚኣ ቅድሚ ምፍላጦም ንኣርባዕተ መዓልታት ተማሂራ’ያ።
ሓለፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ከም ዘሎን፡ መስርሕ ምዝገባ ትምህርቲ ናይታ ግዝኣት ዳግም ክርአ ምዃኑን ገሊጾም።
እዚ ጉዳይ ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቦርድ ትምህርቲ እቲ ከባቢ መዘራረቢ እንኸውን እንከሎ፡ ሓላፊ ዲስትሪክት ቤት ትምህርቲ ኒው ብራንስዊክ ኦብሪ ጆንሰን ሺን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ከም ዝተታሕዘት ገሊጹ።
"ዝሓለፈ ሰሙን፡ ገለ ናይ ሓሶት ሰነዳት ብምቕራብ፡ ሓንቲ በጽሒ ጓል ኣንስተይቲ ተመሃሪት መሲላ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርትና ክትምዝገብ ክኢላ’ያ” ዝበለ ጆንሰን ኣብ ውሑዳት ክፍልታት ከም ዝነበረትን ምስ ኣማኸርቲ መምርሒታት ገለ ግዜ ከም ዘሕለፈትን፡ ንሳቶም ድማ ብዛዕባኣ ዝያዳ ሓበሬታ ክረኽቡ ከም ዝፈተኑን ገሊጹ።
ድሕሪኡ ናይ ሓሶት ዕድመ ሺን ከም ዝተቓልዐ ብምሕባር፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ብኡንብኡ ንፖሊስ ከም ዘፍለጠ ተዛሪቡ።
ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት ልደት ብምቕራብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ እትኣቱ ንድሓር፡ "ከም ትሕቲ ዕድመ ተማሃሪት ካልኣይ ብርኪ ክትምዝገብ ሓሲባ" ክብል ክፍሊ ፖሊስ ኒው ብራንስዊክ ገሊጹ።
ተመሃሮ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ንገሊኦም ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ብምልኣኽ፡ ንኽዘናግዑ ሓቲታቶም ከም ዝነበረት ገሊጾም።
ሕጊ ግዝኣት ኒውጀርሲ፡ ተመሃሮ ብዘይ ኣላዪ ወይ ብዘይ ኣገዳሲ ወረቓቕቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክምዝገቡ ከም ዘፍቅድ ፖሊስ ገሊጹ።
ሓደ ዓቢ ሰብ ከም ተማሃራይ ካልኣይ ብርኪ ክቐርብ ድማ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።
ኣብ 1993 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ብራያን ማኪኖን ዝተባህለ ሰብኣይ ወዲ 30 ዓመት እንከሎ ኣብ ከባቢ ግላስጎ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከም ተማሃራይ ሓምሻይ ዓመት መሲሉ ይመሃር ነይሩ።
ንሱ፡ ካብ ካናዳ ዝመጻእኹ ወዲ 17 ዓመት እየ ይብል ነይሩ። ማኪኖን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንሓደ ዓመት ጸኒሑ እዩ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ሓንቲ ጋዜጣ ብዛዕባ ሓቀኛ መንነቱ ድሕሪ ዝዘርግሓቶ ጸብጻብ ግን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዳንዲ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ምስ ኣተወ ተቓሊዑ።
ዛንታኡ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበ ኰይኑ፡ ግዳይ ኣብ 2022 ዝተሰርሐ ሓደ ሰነዳዊ ፊልም ኰይኑ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
