መግቢ ብዝእልሽ ዝነበረ ሓርማዝ ቬትሮ መኪናኦም ዝተሰብሮም ስደራ
መግቢ ብዝእልሽ ዝነበረ ሓርማዝ ቬትሮ መኪናኦም ዝተሰብሮም ስደራ
Published
ኣብ ስሪላንካ ኣብ ሓደ ሕዛእቲ ብመኪና ዝዛወሩ ዝነበሩ ስድራ፡ ሓደ መግቢ ዝደለየ ሓርማዝ ቬትሮ መኪናኦም ብምስባር፡ ንጐቱ ናብ ውሽጢ ኣእትዩ ነታ መኪና ዝፈተሸሉ ኵነታት ኣዝዩ ከም ዘሰንበዶም ገሊጾም። እቲ ሓርማዝ ካብ ጫካ ብምውጻእ ሃንደበት ናብታ መኪና ገጹ ክጐዪ፡ ካብ ውሽጢ እታ መኪና ዝተወሰደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ የርኢ። “ብኣፍንጫኡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና ክፍትሽ ጀሚሩ፤ እቲ መራሕ መኪና ከኣ ዝዀነ ዝሓዝናዮ መግቢ ክንህቦ ነጊሩና፤ ወደይ ዘትረፎ ተረፍ መረፍ ሂበዮ፡” ይብል ተቐማጢ ኣውትራልያ ካሱን።



