ናብ መርዓ ክለሃዩ ከይዶም ህይወቶም ዝስኣኑ ዕዱማት ኣጋይሽ

መግለጺ ቪድዮ, ናብ መርዓ ክለሃዩ ከይዶም ህይወቶም ዝስኣኑ ዕዱማት ኣጋይሽ
ናብ መርዓ ክለሃዩ ከይዶም ህይወቶም ዝስኣኑ ዕዱማት ኣጋይሽ
Published

ኣብ ዒራቕ መርዑት ዕዱማት ኣጋይሽ ዓዲሞም ዳስ ተኺሎም መርዕኦም ክጽንብሉ እንዳተሸባሸቡ እንከለዉ ባርዕ ተላዒሉ ልዕሊ 100 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 150 ጉድኣት ወሪድዎም።

እቲ ሓደጋ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ናይንቨህ ከተማ ኣልሓምዳን እዩ ኣጋጢሙ።

ዳይረክቶሬት ክፍሊ ምክልኻል ሲቪላት እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ህንጻ ካብ” ብቐሊሉ ዝቃጸል፡ ሕሱርን ሓዊ ኣብ ዝለዓለሉ ብቐሊሉ ዝዓኑን ማተሪያል ዝተሰርሐ” ብምዃኑ እቲ ዕንወት ከም ዘጋጠመ ኣፍሊጡ።

እቶም ዝተጐድኡ ሰባት ኣብታ ግዝኣት ናብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ከም ዝተወሰዱ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ድማ፡ ቍጽሪ ዝሞቱን ጕድኣት ዝወረዶምን ክውስኽ ከምዝኽእል ተዛሪቡ።

ብዙሓት ነበርቲ ነቶም ጕድኣት ዝወረዶም ንምሕጋዝ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት ሞሱል ንኣንፈት ምብራቕ ኣብ እትርከብ ሕምዳንያ ናብ ዘሎ ሆስፒታል ብምኻድ ደም ይልግሱ ኣለዉ።

ኣብቲ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን X (ትዊተር) ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድማ ሰብመዚ “እቶም በቲ ዘሕዝን ሓደጋ ዝተጐድኡ ሩፍታ ክረኽቡ ዘድሊ ጻዕሪ ኵሉ ክግበር” ኣዚዙ ነይሩ።