ፕሪሜርሊግ ሎሚ ክዛዘም’ዩ ኣሰልጠንቲ ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን'ከ እንታይ ይብሉ ኣለዉ?

ኣርቴታን ጓርድየላን

ምንጪ ስእሊ, Getty images

Published

ኣብዚ ሎሚ ዝዛዘም ጸወታታት ፕሪሜርሊግ፡ ብዘይ ጥርጥር ማንቸስተር ሲቲ’ያ ዝልዓለ ኢድ ሒዛ ክትኣቱ።

ተጻወትቲ ናይታ ብፔፕ ጓርድየላ እትስልጥን ማንቸስተር ሲቲ ሎሚ ነታ ኣብ ታሽዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ዌስት ሃም ኣብ ሜዳኦም ሜዳ ኢትሓድ እንተስዒሮማ ንራብዓይ ዓመት ኣከታቲሎም ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ክዓትሩ’ዮም።

እታ ካብ ማንቸስተር ሲቲ ብኽልተ ነጥቢ ጥራይ ድሒራ ዘላ ኣርሰናል’ውን ኣብ ሜድኣ ንኤቨርተን እንተስዒራታ’ሞ ማንቸስተር ሲቲ ከኣ ብዌስት ሃም እንተተሳዒራ ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ጾመ ልጓም ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ክትፈትሕ’ያ።

እቲ ካልኣይ ከኣ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ዌስት ሃም ማዕረ እንተተፈላልያ፡ ኣርሰናል ከኣ ንኤቨርተን እንተስዒራታ፡ ክልቲኤን ጋንታታት ማዕረ 89 ነጥቢ ክህልወን’ዩ፤ እንተዀነ በዛ ሕጂ ዘለዋኣ ኣርሰናል 61 ማንቸስተር ሲቲ ከኣ 60 ጸብለልታ ሸቶ ስለዘለወን ኣርሰናል ተዓዋቲት ፕሪሜርሊግ እዚ ዓመት ክትከውን ከኽእላ’ዩ።

ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቲ ፔፕ ጓርድዮላ ነዚ ሎሚ ዝካየድ ጸወታ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “እቲ ጽሕፍቶ ኣብ ኢድና’ዩ ዘሎ፡ ኣርሰናል [ብኤቨርተን] ክስዓሩ ይኽእሉ’ዮም ኢልና ንሓስብ እንተሃሊና ተጋጊና ኣለና። ኤቨርተን ክትስዕር ወይ ማዕረ ክትወጽእ ትኽእል’ያ ዝብል ሓሳብ’ውን ረስዕዎ፤ ኣርሰናል ኣብዚ ዓመት ሒዞሞ ዘለዉ ብቕዓት ይዕዘቦ ኣለኹ” ኢሉ።

እቲ ምኩር ኣሰልጣኒ ኣስዒቡ፡ “ንሕና ኣብቲ ኣንጻር ዌስትሃም እንገብሮ ግጥም እንታይ ክንገብር ከምዘለና ጥራይ ኢና ኣተኵሮ ሂብና ክንሰርሕ ንኽእል፡ ንዌስት ሃም ብዘይካ ምስዓር ካልእ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ የለን” ኢሉ።

ዋንጫ ፕሪሜር ሊግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርቴታ ብወገኑ “እቲ ደገፍቲ ኵዕሶ እግሪ ክርእይዎ ዝደልዩ ተኣምራት ይርአ ኣሎ፡ ክሳብ መወዳእታ ደቂቕ ተዓዋቲት ፕሪሜርሊግ ዘይትፍለጠሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ኣሎ፡ ኩዕሶ እግሪ ከኣ ከምዚ’ዩ ክኸውን ዘለዎ” ኢሉ።

ኣርቴታ “ፕሪሜርሊግ ካብ ዓለም እቲ ዝጠዓመ ሊግ ምዃኑ የመስክር ኣሎ፤ ክሳብ መወዳእታ ደቂቕ ተዓዋቲት ጋንታ ዘይትፍለጠሉ ጸወታ ኢና ከነካይድ፡ እዚ ከኣ ኣብዚ ሊግ ክሳብ ክንደይ ተወዳዳርነት ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ” ኢሉ።

ኣርቴታ ወሲኹ፡ “ልክዕ ከም መድሃኒት ቀልጢፍካ ውጽኢቱ ዘይርኣየካ ጸወታ’ዩ ክኸውን፡ ንነገራት ኣዝዮም ቀልጢፎም ክቕይሩ ይኽእሉ’ዮም፡ ንሕና ግን ክንገብሮ እንኽእል ኢና ክንገብር እንኽእል” ኢሉ።

ሎሚ ኣብ መዛዘሚ ፕሪሜርሊግ ዝካየደ 10 ጸወታታት ኵሉ ኣብ ሓደ ሰዓት’ዩ ክካየድ።

ሎሚ ኸአ ኣብ ታሪኽ ፕሪሜርሊግ ብዙሓት ክስተታት ክስነዱ’ዮም።

ኣብ ሜዳ ሊቨርፑል ኣንፊልድ ብዙሓት ደገፍቲ ሊቨርፑል ነቲ ምስ ሊቨርፑል ኰይኑ ን491 ጸወታታት ከም ኣሰልጣኒ ኰይኑ ዝመርሐ የርገን ክሎፕ፡ ኣንጻር ዎልቭስ ናይ መወዳእታ ጸወታ ከመርሕ’ዩ። ደገፍቱ ብንብዓት ከሰንይዎ ምዃኖም ግሙት'ዩ።

እዚን ካልእ ዝርኣየሉ ዓሰርተ ጸወታታት ብዙሕ ሰብ ብሃንቀውታ ይጽበዮ ኣሎ።

እቲ ዝልዓለ ግን ማንቸስተር ሲቲዶ ኣርሰናል ዝብል’ዩ ክኸውን።