መርዓ ንኽሓትት 90 ኪሎ ሜትሮ ዝጐየየ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Joey Ndlovu
Published
ንኣፍቃሪቱ ዘለዎ ሕሉፍ ፍቕሪ ንምግላጽ ዘይተለመደ ነገር ዝገበረ ደቡብ ኣፍሪቃዊ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንብዙሓት የዘራርብ ኣሎ።
ወዲ 57 ዓመት ጆሴፍ ካጊሶ ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ ፕሩደንስ ንዝተባህለት ኣፍቃሪቱ ሕቶ መርዓ ንኸቕርበላ ልዕሊ ማራቶን -90 ኪሎ ሜትሮ ጐይዩ።
ኣብዚ ብሰንበት ዝተኻየደ ፍጻመ፡ ኣብ መዛዘሚ እቲ ዝጐየየሉ ቦታ ክበጽሕ እንከሎ፡ ‘ትምርዓውኒ’ዶ?’ ዝብል ጽሑፍ ሒዙ ተራእዩ።
“ፕሩደንስ፡ ክትምርዓውኒ ዲኺ? ንዓኺ ክብል 90 ኪሎ ሜትሮ ጐይየ” ይብል እቲ ጽሑፍ።
ትማሊ፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገርን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያን፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ኣፍቃሪቱ ዝተፈለየ ስምዒት ንኽፈጥር ዝኸዶ ርሕቐት ኣመልኪቶም መዛረቢ ገይሮምዎ ውዒሎም።
ጆሴፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ ኣብቲ ጉያ ድጋፋ ትገልጸሉ ዝነበረት ፕሩደንስ ዲክ ሕቶኡ ከም ዝተቐበለት ተዛሪቡ።
ኣብ መጀመርታ'ዚ ዓመት ከም ዝተላለዩን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክምርዓው መደብ ከም ዘለዎምን'ውን ገሊጹ።
ወሲኹ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ማራቶን ክሳተፍ እንከሎ ሻውዓይ ግዜኡ ከም ዝዀነን፡ ብፍላይ ሕጂ ንኽልተ ዓመታት ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ ነገር ንኽገብር ምትብባዕ ከም ዝዀነቶን ሓቢሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
