መራሕቲ ሃገራት ከይተረፈ ዝኸፋፈለ ፒዛ

ፒዛ

ምንጪ ስእሊ, Iamnoonmai/Getty images

Published

ፒዛ፡ ብመንጽር እቲ ዘለኻሉ ዓዲ ዝዳለወሉ ኣገባብ ዝተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ ነየናይ ኢኻ ከተመስግን ወይ ክትነቅፍ ዘለካ፡ ከከም ኣረኣእያኻ’ዩ ዝውሰን።

እዚ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ፡ ሃምን ኣናናስን ዘለዎ ፒዛ ዘላለየና ሰብኣይ ግን ሃዋያዊ ወይ ኢጣልያዊ ኣይኰነን።

ግሪኻዊ ስደተኛ ሳም ፖኖፑለስን ኣሕዋቱን፡ ኣብ ካናዳ ከተማ ቻታም - ኦንታሪዮ ሓደ ቤት ብልዒ ነይርዎም።

ፖናፕለስ ኣብ ቀረባ፡ ናብታ ኣብ ኢጣልያ መበቈል ፒዛ ዝዀነት ዓዲ - ናፕለስ በጺሑ፤ ነቲ ቅዲ ኢጣልያ ዝዀነ መግቢ ድማ ኣብቲ ብዙሓት በርገርን ፓንኬክን ንምዕዳግ ነዊሕ ሪጋ ዝሕዙሉ ሬስቶራንት ከተኣታትዎ ደለየ።

ኵሉ ግን ፒዛ እዩ፤ እንታይ ኣመሓይሹ? ነቲ ቅጫ እንታይ ይለኽዮ?

ንሱ፡ ነቶም ዝተለመዱ ቃንጥሻን [ማሽሩም] ጉዕ በርበረ ፈረንጅን [ፔፐሮኒ] ዝመሳሰሉ መማቕርቲ ፒዛ ገዲፉ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ሃገሩ ዝተለመደን ኣሜሪካውያን ኣብ መግቢ ቻይና ኣሎ ዝብሉዎ መኣዛታትን መቐረትን- ምርርን ዝበለ መኣዛን ናብ ዘለዎ ቀይርዎም።

ኣብ ርእሲ እቲ ፎርማጆ፡ ስጐ ኮሚደረን ቅጫን ክኣ ኣናናስን ዝተኸተፈ ስጋን [ሃም] ነስኒሱሉ።

እዚ ግን፡ ምናልባት በቲ ኣብ መግቢታት ቻይና ዘሎ ኣናናስን ስጋ ሓሰማን ብምውህሃድ ዝፍጠር ምቁር ጣዕሚ ጨው ዘለዎን መግብታት ዝተጸለወ ኰነ።  

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣበናይ ሸነኽ እቲ ምክፍፋል ኢኹም ደው ትብሉ ንዝብል ምርጫ ንዓኹም ገዲፍና፡ በዚ ምኽንያት ግን ሃገራት እንከይተረፈ ዘጐራፈጠ ‘ገበን ኣሰራርሓ መግቢ’ ተፈጢሩ።

ከምቲ በዓል ሃምን ኣናናስን ዘለዎ ፒዛ፡ ውሑዳት ንሰባት ዝኸፋፉሉዎም  ዓይነታት መግቢ ኣለው።

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ኣሜሪካ፡ ብሪጣኒያን ኣውስትራሊያን ካብዚ ወጻእ ዝዀኑ ብዙሓት ዓይነታት ፒዛ ኣለውዎም።

ኣብ ኢጣልያ ግን፡ ኣብ ፒዛ ዝተፈላለዩ ነገራት ምሕዋስ ፉንፉን’ዩ።

እዚ ኣብ መንጐ መራሕቲ ዓለምን ዲፕሎማሲያዊ ምትእትታውን ከይተረፈ ኣህጉራዊ ዘይምርድዳእ ኣስዒቡ’ዩ።

ስለ ምንታይ?

“ምሕዋስ መግቢ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ፤ እቲ ቃል ፍሉጥ ቅድሚ ምዃኑ፤ ከምኡ’ውን ብርግጽ እቲ ዝያዳ ዝፍቶ ጣዕሚ’ዩ። ስለዚ በዚ መንጽር ቀሊል ዓወት እዩ” ይብል ኣብ ዩኒቨርሰቲ ኦክስፎርድ ዝተፈላለዩ ህዋሳትና ከመይ ይጸልውና ዝብል ዘጽንዕ ክኢላ ስነ ኣእምሮ ቻርለስ ስፔንስ።

ፖናፑለስ ንፒዛ ሃዋይ ክምህዝ እንከሎ፡ ምስ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ምውህሃድ መግቢ ‘ጐልደን ሰርክል’ ዝሓተሞ መጽሓፍ ኣሰራርሓ መግቢ ተጋጢሙ።

ኵሎም ተገሪሞም። ጐልደን ሰርክል፡ ቀንዲ ኣፍረይቲ ዝተዓሸገ ኣናናስ ስለ ዝዀኑ፡ ሽፋን እቲ መጽሓፍ ኣብ ልዕሊ ዝበሰለ ሃም ቀለበት ዝሰርሑ ኣናናስ ነይርዎ።   

ቅድሚ 10 ዓመት፡ ሓደ ከሻኒ [ኣብ መደባት ተሌቪዥን]፡ ድሕሪ ኲናት ጀርመን ዝነበረ ‘ቶስት ሃዋይ’ ዝበሃል ኣናናስ፡ ዝበሰለ ሃምን ዝተቘረጸ ፎርማጆን ዘለዎ መግቢ ኣዳልዩ ነይሩ።

ሃዋይ ፒዛ ድማ ምናልባት፡ ኣብ ጀርመን ልሙድ ዝነበረ ኣናናስ ዘለዎ ሳንድዊች ስዒቡ ዝመጽአን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ጀርመን ዓስኪሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣሜሪካ ሒዞምዎ ዝመጽኡን ዘአንፈቶ ክኸውን ይኽእል።

ንሃዋይ ፒዛ ዘአንፈተ ቅዋመ መግቢ ጀርመን 'ቶስት ሃዋይ'

ምንጪ ስእሊ, Grafner/Getty Images

ብሓፈሻኡ ክርአ እንከሎ፡ ስጋ ሓሰማን ኣናናስን ኣብ ዓለም እቲ እንኮ ጽምዲ ፍረታትን ስጋን ኣይኰነን።

ኣብ ፈረንሳ፡ ስጋ ደርሆ ማይ ምስ ምቍር ስጐ፡ ኣራንሺ ተሓዊሱ ይዳሎ። ኢራናውያን ስጋ ዕየት ምስ ፍረ ሮማን ሓዊሶም መግቢ የዳልው። ስለዚ ዝተፈላለዩ ፍራምረ ምስ ስጋ ሓዊስካ መግቢ ምድላው ልሙድ’ዩ።

ጨውን ምቁር መኣዛታትን ብባህሪኡ ብሓባር ዝኸይድ ኰይኑ 'flavour-layering' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምቁር መኣዛ ካርቦሃይድረይት ብምሃብ ሓንጐልና እወንታዊ ምልክታት ክሰድድ ይገብር፤ ጨዋዊ መኣዛ ክኣ ንኣካላዊ ስርዓታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።   

ኣስታት 12 ክሳብ 15 ሚእታዊት ክብደት ኣናናስ ካብ ሽኮር ዝመጽእ እዩ፤ ግን ብመጠኑ ኣሲዳዊ እዩ። ጀነቲካዊ ረቛሒታት፡ ነፍሲ ወከፍና ክሳብ ክንደይ ምቍር መኣዛ ነስተማቕር ኣብ ዝብል ተራ ከም ዘለዎም ይግመት።

ገለ ሰባት ግን ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ ንዝዀነ ጣዕሚ ተኣፈፈፍቲ እዮም። ተመራመርቲ ድማ፡ ነዚ ዝቕምር ‘TAS2R38’ ዝተባህለ ፍሉይ ጂን ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም።

ብተመሳሳሊ፡ ንምቍር መኣዛታት ምፍታውና ጽልዋ እቶም ጂናት ዘለዎ ኰይኑ፡ ክንደይ ዝኣክል ሽኮር ዘለዎ መግቢ ንበልዕ ወይ ንምገብ ዝብል’ውን ይጸልውዎ። ካብዚ ብምብጋስ፡ ምናልባት ሓደ ሰብ ኣብ ዝቐርበሉ ፒዛ ኣናናስ ክኣቱ ይደሊ’ዶ ኣይደልን ዝብል’ውን በዚ ዝውሰን ክኸውን ይኽእል።

“ኣናናስ ሓዊ ክወቕዖ እንከሎ ዝተፈላለዩ ኬሚካላዊ ውህደት’ዮም ዝፍጠሩ፤ ምኽንያቱ ብዙሕ ሽኰርን ተፈጥሮኣዊ ኣሲድን ስለ ዘለዎ” ይብል ተመራማሪ መግቢ ዚሂም ዡ።

ወሲኹ፡ ኣናናስ “ኣብ ልኡም ሙቐት ምውዓይ፡ እቲ ጨናኡ ብቕልጡፍ ክሃፍፍ ይገብር። ሓዊ ዝወቕዖ ኣናናስ፡ ምስቲ ብርሑሱ ተቘሪጹ ዝቐርብ ኣናናስ ክነጻጸር እንከሎ ውሑድ መቐረትን ምርር ዝበለ ጣዕምን እዩ ዝህልዎ” ኢሉ።

ኣናናስ፡ ኣብ ልዑል ሙቐት ክውዒ እንከሎ ኣዝዩ ዝተፈለየ ይኸውን። መብዛሕትኦም እቶም ካብ ሱፐር ማርኬታት እንዕድጎም ናይ ፒዛ ቅጫታት ክኣ፡ ኣብ ገዛ ካብ 200 ክሳብ 220 ዲግሪ ሴልሲየስ ተጠቒምና ኣብ ፎርኖ ነብስሎም። ዕንጸይቲ ንጥቀም እንተዄንና ግን እቲ ሙቐት ልዕሊ 500 ዲግሪ ሴልሲየስ ክበጽሕ ይኽእል፤ እቲ ፒዛ ንኽበስል ድማ፡ ክሳብ ትሕቲ ክልተ ደቒቕ የድልዮ።

ዢ፡ ኣናናስ ኣብ ፒዛ ምእታው ዘሕርቘም ዘሎ ክበስል እንከሎ መቐረቱ ምውሳኹ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ይብል።

“ገለ ሰባት፡ ጥዑም መኣዛ ኣናናስ ምስ ጨዋዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ከም ሃም፡ ስጐን ፎርማጆን ዝበሉ መቐምምቲ ፒዛ ክሕወስ እንከሎ ስለ ዘይፈትውዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ገሊኦም ክኣ፡ ምቁርን- መጺጽን- ጣዕሚ ነቲ ጨዋም ጣዕሚ ፒዛታታት የመጣጥኖ’ዩ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ነዚ ክፈትውዎ ይኽእሉ።

"ብፍላይ እቶም ኣብ ፎርኖ ዝበስሉ ፒዛ፡ ኣትዮም ክወጽኡ እንከለው ጨው ይውስኹ’ዮም። ስለዚ ገለ ምቁር ነገር ምውሳኽ ነቲ ጨዋዊ ጣዕሚ የለሳልሶ። እዚ ኽኣ ምናልባት ኣናናስ ህቡብ መሐወሲ ፒዛ ክኸውን ገይሩዎ ይኸውን” ክብል ዢ የረድእ።

ፒዛ

ምንጪ ስእሊ, Lauri Patterson/Getty Images

ዝዀነ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ መንጐ ፈተውትን ጸላእትን ሃምን ኣናናስን ዝተላዕለ ወጥሪ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዲፕሎማሲያዊ ወጠጥ ኣስዒቡ ነይሩ።

ብ2017፡ ፕረዚደንት ኣይስላንድ ጉኖይ ቶርላከስ ጆሃንሰን፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተረኺቡ ኣናናስ ኣብ ፒዛ ምእታው ከም ዝቃወሞ ብምግላጽ ኣብታ ሃገር ክእግዶ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ኣናናስ ዘለዎ መርገጺ ብሓፈሻ፡ ብቐንዱ ድማ ኣናናስ ኣብ ፒዛ ምእታው ዘለዎ ሓሳብ ኣመልኪቱ ብዝርዝር ኣብ ፈይስቡክ ጽሒፉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ኸኣ፡ “ኣብ ጐድኒ እዚ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኦንታሪዮ ዝበቘለ ጥዑም መግቢ ደው እብል” ኢሉ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ድሕሪኡ፡ ፕረዚደንት ኣይስላንድ መርገጺኡ ቅሩብ ኣፍኩስ ኣቢሉ፡ “መስመረይ ስሒተ ነይረ" ክብል ኣብ 2018 ተዛሪቡ።

ሳም ፖላፑለስ ግን፡ እንታይ ከም ዝጀመረ ዝፈልጦ ነገር የብሉን።