ኣብ ብራሰልስ ክልተ ሽወደናውያን ድሕሪ ምቕታሎም 'ኣውሮጳ ተናዊጻ'

Published

ኣብ ብራሰልስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጥይት ክልተ ሽወደናውያን ቀቲሉ ሓደ ከቝስል እንከሎ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ነቲ ፍጻመ ከም ግብረሽበራ ይርእይዎ ምህላዎም ተገሊጹ።

ኣብ መንጐ ቤልጅዩምን ሽወደንን ዝካየድ ዝነበረ መጻረዪ ግጥም ዋንጫ ኣውሮጳ 2024 ብሰንኪ እቲ ፍጻመ ተቛሪጹ።

እቲ ጠበንጃ ሒዙ ዝነበረ ሰብ ገና ስለዘይተታሕዘ፡ ብራሰልስ ኣብ ከቢድ ኵነት ተጠንቀቕ ከምዘላ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እንተዀነ፡ ፖሊስ ብራስለስ ሎሚ ሰሉስ ንግሆ፡ ነቲ ክልተ ሽወደናውያን ብምቕታል ክድለ ዝጸንሐ ዕጡቕ ብጥይት ከምዝሃረምዎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ክገልጻ ጀሚረን ኣለዋ።

እቲ ክድለ ዝጸንሐ ብዛዕባ ምዃኑ ግን ዛጊት ኣይተረጋገጸን ዘሎ።

ኣብ ኣልባንያ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣውሮጳ ተናዊጻ ኣላ፡" ኢሉ።

ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ቤልጅዩም፡ ኤሪክ ቫን ድዩስ፡ "እቲ ስግኣት ክሳዕ ዝውገድ" ህዝቢ ኣብ ገዛኡ ክጸንሕ ተማሕጺኑ።

እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ምዃኑ ዝግለጽ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ብእስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ (ዳዕሽ) ከምዝተደረኸ ምዝራቡ'ውን ገሊጹ።

ኣብ ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘዋወር ዘሎ ቪድዮ ሓደ ሰብኣይ ነቲ መጥቃዕቲ ብስም ኣምላኽ ከምዝፈጸሞን ሰለስተ ሰባት ከምዝቐተለን ብቛንቋ ዓረብ ክዛረብ የርኢ።

ፖሊስ ኣብቲ ቪድዮን ካልኦት ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ዝተጻዕኑ ምስልታትን መርመራ የካይድ ምህላው ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ፈደራላዊ መንግስቲ ቤልጅዩም ምስቲ ኣብ ቦለቫርድ ዲ'ዋይፕረስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ግብረ-ሽበራዊ መርመራ ከምዝተጀመረ ገሊጾም።

ቢቢሲ ከረጋግጾ እኳ እንተዘይከኣለ፡ ጋዜጣ ሀት ላስተ ኒውስ ብሰኑይ ዝዘርግሓቶ ቪድዮ፡ ሓደ ዘንጸባርቕ ጃኬት ዝለበሰ ብረት ዝሓዘ ሰብኣይ ካብ ሞተር ብሽክለታ ወሪዱ ናብ ሓደ ህንጻ ክኣቱ እንከሎ የርኢ። ኣብኡ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ብጥይት ዝሃረመ ይመስል።

ፖሊስ ብድሕሪ እቲ ከባቢ ሰዓት 19፡00 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጽርግያታት ከምዝዓጸውዎ ተገሊጹ።

እቶም ክልተ ዝተቐተሉ ሰባት ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ዝተኸድኑ ምንባሮም መራኸቢ ብዙሓን ቤልጅዩም ጸብጺበን።

ሽወደናውያን ተጻወትቲ፡ ነቲ ካልኣይ እብረ ጸወታ ክጻወቱ ከምዘይደልዩ ንፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ክሕብሩ እንከለው፡ ጋንታ ቤልጅዩም ምስምምዓ ሽወደናዊት ተሌቪዥን ቲቪ6 ገሊጻ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤልጅዩም ኣሌክሳንደር ደ ክሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ዜጋታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ዝተሰምዖ ዓሚቝ ሓዘን" ንቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ገሊጹ።

ንስድራን መቕርብን እቶም ግዳያት'ውን ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል፡ "ከም ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ኣንጻር ግብረሽበራ እንገብሮ ቃልሲ ሓባራዊ እዩ፡" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ኮምሽን ኡርሱላ ቮን ደር ለየን እውን ንስድራ እቶም ግድያት ሓዘና ገሊጻ።