እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ፡ ፈላሚ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ካማላ ሃሪስን ትራምፕን ከመይ ነበረ?
ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ፊላደልፍያ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ንፈለማ እዋን ፊት-ንፊት ተራኺቦም።
መጀመርታ ክልቲኦም ሕጹያት ኢድ ንኢድ ክጨባበጡ'ኳ እንተተራእዩ፡ ብኡ ንብኡ'ዮም ናብ ብርቱዕ ምጕት ኣትዮም።
ኣብቲ ን90 ደቓይቕ ዝቐጸለ ርሱን ክትዕ፡ ምክትል-ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ጸርፊ ዝተሓወሶ ውልቀ-ነቐፌታ ብምውርዋር፡ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ኣቘጢዓቶ።
እናተጓሃሃረ ዝኸደ ክትዕ
እቲ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ድማ እናረሰነ ክኸይድ ገይሮዎ።
ሕጽይቲ ፕረዚደንት ዲሞክራት ካማላ ሃሪስ፡ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ እቲ ኣርባዕተ ዓመታት ዘካተዐ ውጽኢት መረጻ ኣልዒላ፡ ትራምፕ ዝፈተኖ ናዕቢ ካፒቶል ብምጽቃጥ ኣዳኺማቶ።
ትራምፕ ኣብቲ መረጻ ከምዝተዓወተ፡ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ኣብ ልዕሊ ስርዓተ-መስርሕ መረጻ እታ ሃገርን ነቐፌታ ኣስሚዑ።
ብተወሳኺ ሃሪስ፡ ትራምፕ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰበስልጣን ዝነበሩ ሰባት ከመይ ጌሮም ሕጂ ብቕሉዕ ይነቕፍዎም ከምዘለዉን ጠቒሳ።
እዚ ወዲ እዚ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብቲ ክትዕ ንዓርሱ ኣብ ምክልኻል ክጽመድ ገይሩዎ።
እዚ ማለት፡ መስመር ስነ-ሞጎት ሃሪስ፡ ሕጹይ ሪፓብሊካን ትራምፕ ኣብ ክንዲ ኣብ ናቱ ኣጀንዳ ኣተኲሩ ዝካታዕ፡ ኣብ ሕሉፍ ተግባራቱ ተሸኺሉ ኣብኡ ከድህብ ተገዲዱ- ይብሉ ተዓዘብቲ።
ሃሪስ፡ ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ ኢሚግሬሽንን ስደተኛታትን ኣመልኪቱ ንዝቐረበላ ሕቶታት መልሲ ክትህብ እንከላ፡ ኣመሪካውያን ናብ ዓበይቲ ኣኼባታቱ ከይዶም ባዕሎም ክዕዘቡ ኣተባቢዓ።
እታ ሕጹይቲ ፕረዚደንት፡ ኣመሪካውያን ንትራምፕ ክድግፉ'ኳ እንተወጹ፡ ጐስጓሱ ስለዝሰልቸዎም ነቲ ሰልፊ ኣቊሪጾም ጠንጢኖምዎ ክኸዱ ከምዝተራእዩ ብምዝራብ፡ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ካልእ ነጥቢ ኣቝጺራ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ እዋን እቲ ክትዕ፡ ተስፋ ዝቘረጸ ይመስል ነይሩ።
ዝበዝሕ ግዜኡ ድማ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ብርታዐ ክዛረብ፡ ብዛዕባ ቍጽሪ መረጽቲ ንዝቐረበሉ ርእይቶታት መልሲ ክህብን ንሃሪስ ክነቅፍን እዩ ኣሕሊፍዎ።
ብድሕሪኡ ድማ፡ ትራምፕ፡ ኣብ ሓደ ዘይተረጋገጸ ጸብጻብ ተመርኲሱ፡ ነዊሕ መግለጺ ክህብ ተሰሚዑ።
ትራምፕ፡ ኣብ ከተማ ፕሪንግፊልድ (ክፍለ-ግዝኣት ኦሃዮ)፡ ስደተኛታት ሃይቲ ኣኻልብን ደማሙን ዝርከብዎም እንስሳ ዘቤት ጨውዮም ይበልዕዎም ኣለዉ ክብል ዘገርም መግለጺ ሂቡ።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት ክትዕ ቍጠባዊ ጉዳያት’ውን ተተንኪፎም ነይሮም።
ሃሪስ ወሳኒት ኣባል ዝዀነትሉ ምምሕዳር ባይደን፡ ንዋጋ መነባብሮን ቍጠባን ብዝሓዞ ኣገባብ ብዙሓት ኣመሪካውያን ሕጕሳት ከምዘይኰኑ መጽናዕቲ ይሕብር።
ሃሪስ ግን ነቲ ቍጠባዊ ጉዳይ ናብ ትራምፕ ብምውርዋር ካብቲ ነቐፌታ ኣምሊጣ።
ሃሪስ፡ ነቲ ሓድሽ ውጥን ግብሪ ትራምፕ "ውጥን ምሻጥ ግብሪ" ክትብል ዘናኣሰቶ ኰይና፡ ነቲ ዓቃባውያን ዘበገስዎ "ፕሮጀክት 2025" ዝምልከት ኣካታዒ ቍጠባዊ ውጥን ኣልዒላ ነቒፋ።
ቅድሚ ሕጂ ኣካል ናይቲ ውጥን ዝነበረ ትራምፕ፡ "ድሕሪ ሕጂ እዚ ውጥን ኣነ የለኹሉን" ብምባል፡ ንናይ ገዛእ ርእሱ ሓድሽ ውጥን ግብሪ ተኸላኺሉ።
በዚ ድማ፡ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ስልጣኑ ኣተኣታትዩዎ ዝነበረ ስርዓተ-ግብሪ ምምሕዳር ባይደን ኣልጊስዎ ክብል ነቒፉ።
ሓፈሻዊ ምዘና
ብሓፈሻ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት ፈለማይ ክትዕ፡ እቶም ተነሓናሕቲ፡ ነጥብታቶም ብኸመይ ከም ዘቕርቡ፡ ንነብሶም ከመይ ከምዝተኸላኸሉን፣ ድኽመት ኣንጻሮም ብኸመይ ከም ዝመዝመዙን ሰፊርካ ክምዘን እንከሎ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ፡ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ልዕልና ከምዘርአየት ኣፍካ መሊእኻ ምዝራብ ይከኣል።
ነዚ ክትዕ ስዒቡ፡ ኣብ ስምዒት መረጽቲ ዝዀነ ለውጢ ከም ዘምፅአ ንምፍላጥ ገለ መዓልታት ምፅባይ ከምዘድሊ'ኳ እንተተሓበረ፡ ብኡንብኡ ሓደ ውሱን ሃንደበታዊ ዳህሳስ ግን ዕላዊ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ኣፈናዊ ዳህሳስ ሲ-ኤን-ኤን ካብቶም ነቲ ክትዕ ዝረኣዩ 600 ምዝጉባት መረጽቲ፡ እቶም 63 ሚእታዊት ሃሪስ ከምዝተዓወተት ክገልጹ እንከለዉ፡ 37 ሚእታዊት ድማ ትራምፕ ዝሓሸ ምንባሩ ደምዲሞም።