እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ መኽፈቲ ዝኽሪ 50 ዓመት ፈስቲቫል ቦሎኛ ኣብ ኣስመራ ብስእሊ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ
ፈስቲቫል ኤርትራ 2024ን ዝኽሪ 50 ዓመት ፈስቲቫል ቦሎኛን፡ ትማሊ 10 ነሓሰ ንግሆ ኣብ ኣስመራ ቀጽሪ ኤክስፖ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወግዒ ተኸፊቱ።
ኣብቲ ልዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዲፕሎማሰኛታትን ዝተሳተፍዎ መኽፈቲ ጽንብል ባህላዊ ጸወታታት ብሄራት ኤርትራ ብድምቀት ቀሪቡ።
ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ቁሸት ዞባታት፡ ሕርሻዊ ባሕራዊን ማዕድናዊን ቱሪዝማዊን ጸጋታት ከምኡ'ውን ባህላዊ፡ ታሪኻውን ስነጥበባውን ትሕዝቶታት ኤርትራ ቀሪቡ።
ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 - ዝኽሪ 50 ዓመት ፈስቲቫል ቦሎኛ ክሳብ 18 ነሓሰ ብዝተፈላለየ ሰፋሕቲ መደባት ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ፈስቲቫል ቦሎኛ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኤርትራያን ዓመታዊ ዝተኣኻኸቡሉ ዝነበሩ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምንባሩ ይፍለጥ።