እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጓል 9 ዓመት ህፃን ልዕሊ ሰለስተ ሚልየን ዓመት ዘለዎ ቅሪተ ኣካል ረኺባ
ኣብ ኣሜሪካ ሞሊ ሳምሰን ትበሃል ጓል ትሽዓተ ዓመት ቆልዓ፡ ንሓድሽ ዓመት ኣዝማድ ክትሓትት ናብ ግዝኣት ሜሪላንድ ከይዳ ነይራ።
ናብ ገማግም ባሕሪ ከይዳ ቅሪተ ኣካል ምእካብ እትፈቱ እዛ ህፃን፡ ኣብ ዘበነ ጥንቲ ከምዝነበረ ናይ ዝንገረሉ ሜጋሎዶን ዝተባሃለ ሻርክ ቅሪት ክትረክብ ምዃና ኩሉግዘ እያ ንወላዲታ ትነግራ ነይራ።
ኣብቲ ዕለት ኣብ ገማግም ባሕሪ ካልቨርት ክሳዕ ኣብራኻ ኣብ ዝበጽሕ ማያት እናሳገመት እንከላ ከኣ፡ ስኒ ናይቲ ዓሌት ሻርክ ዝኾነ ኦቶዱስ ሜጋሎዶን ብምርካባ ሕልማ ተጋህደ።
እቲ ኦቶደስ (Otodus) ዝበሃል ብግዝፈቱ መወዳደርቲ ኣልቦ ዓሌት ሻርክ፡ ካብ ምድሪ ካብ ዝጠፍእ 3 ሚልየንን 500 ሽሕን ዓመታት ኣቑፂሩ ኣሎ።
እዚ ሰገን ሞሊ ዝረኸበቶ ስኒ ሻርክ፡ 12 ነጥቢ 5 ሴንቲ ሜትር ንውሓት ዘለዎ እዩ።
ነዚ ዜና ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘቃልሐት ወላዲታ ኣሊቺያ ሳምሰን፡ በዚ ፍፃመ ከምዝተደነቐት ብመገዲ ፌስቡክ ሓቢራ።
ኣሊቺያ ከም ዝገለፀቶ፡ እቲ ብጣዕሚ ዘስደምም ድማ ሞሊን ሓፍታ ናታሊን ጥንታዊ ቅሪተ ኣካል ክንረክብ ኢና ብዝብል ተበግሶን ርእሰ ምትእምማንን እየን ናብቲ ባሕሪ ከይደን።
ነዚ ዝሕግዘን ድማ፡ ሞያውያን ኰዓትቲ ዝኽደንዎ ክዳን ተኸዲነን ነይረን።
ወላዲታ ኣሊቺያ ንማእከን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ጓለይ ናብ ገማግም ባሕሪ ምስ በፅሐት፡ ብኽፋል ናብቲ ባሕሪ ብምእታው ተኣምር ዝመሰል ነገር ሒዛ ወፅያ” ኢላ።
ኣቦ ሞሊን ናታሊን፡ ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ኣብዚ ከባቢ ቅርሲ ይደልይ’ኳ እንተነበረ ክንድዚ ዝምዕባዩ ረኺቡ ከምዘይፈልጥ ግና ወሲኻ ሓቢራ።
ጓላ ነዚ ቅሪተ ኣካል ምስ ረኸበት፡ ናብ ካልቨርት ናይ ባሕሪ ቤተ-መዘክር ዝወሰድኦ እንትኾና፡ክፍሊ መፅናዕቲ ዓሳታት ባሕሪ እቲ ቤተ-መዘክር፡ እቲ ቅሪተ ኣካል ኣዝዩ ጥንታውን ቅድሚ ሰለስተ ሚልየን ዓመታት ናይ ዝነበረ ሻርክ ስኒ ምዃኑ ኣረጋጊፁለን።
እቲ ሜጋሎዶን ዝበሃል ቅድሚ 3.5 ሚልዮን ዓመታት ዝነበረ ሻርክ፡ ቁመቱ ክሳዕ 20 ሜትሮ ክበጽሕ ዝኽእልን እቲ ዝዓበየ ዓሳን ምንባሩ ይግለጽ።