እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ቦረናን ጉጂን ጎንፂ ዘላዕል ዘሎ ውሳነ መንግስቲ
ክልል ኦሮምያ ሓዱሽ ኣወዳድባ ከተማታትን ዞባታትን ዘፍለጠ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን እዩ ነይሩ።
ይኹን እምበር እዚ ውሳነ ብፍላይ ምቛም ዞባ 'ምብራቕ ቦረና' ተቓውሞን ቅሬታን የስዕብ ኣሎ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ቢቢሲ ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ዞባ ጉጂ ወረዳ ቦረና ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ክልተ ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ፀብፂቡ ነይሩ።
ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ- ሓዱሽ ምብራቕ ቦረና መበል 21 ዞባ እቲ ክልል ኰይኑ ዘጣየሸ እንትኸውን መንበር እቲ ዞባ ድማ ነገለ ቦረና ክኸውን እዩ ተውሲኑ።
እቲ ሓድሽ ዞባ ካብ ዞባ ቦረና፡ ሞያሌ፡ ጉጂ: ዋጪሌን ካልኦትን ወረዳታትን ኣካቲቱ እዩ ተጣይሹ::
መንበር ዞባ ጉጂ ነገሌ ቦረና (ቀደም ብነገሌ ዝፍለጥ ዝነበረ) ሕጂ ግን ኣዶላ ሬዲ ተባሂሉ ከምዝተሰየመ ተገሊፁ ኣሎ።
ብፍላይ ሞት ህይወት ደቂ ሰባት ዘስዓበ ተቓውሞን ቅሬታን ብጉዳይ ነገለ ቦረና ዝተፈጠረ እዩ።
ማሕበረሰብ ጉጂ ነዚ ውሳነ ካብ መንበሪኻ ከም ምብራር እዩ ዝሪኦ። ብዘይካ’ዚ፡ ገለ ወረዳታት ኣብ ዞባ ባሌ ምእታወን፡ ነቲ ሕብረተሰብ ከም ዘቖጥዐ ማሕበራዊ ነቐፍትን ወሃብቲ ርእይቶን ይገልጹ።
ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን። ነዚ ውሳነ ስዒቦም ግን ዓበይቲ ዓዲ እታ ሃገር፡ ብሽም ማሕበረሰብ ጉጂን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልል ከምዝተዘራረቡ ገሊፆም።
ካብቶም ሽማግለታት ሓደ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ውሳነ ከምዘይዕፀፍ" ከምዝተነግሮም ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ: እቶም ሰለስተ ማሕበረሰባት [ቦረና፡ ጉጂን ኣርሲን ] ግን ብሓበራዊ ምምኽኻር "ስም እቲ ዞባ ክቕይሩ" ከምዝኽእሉ ገሊጹ።
'ታህዋኽ ዝተመልኦ ውሳነ እዩ'
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርእይቶኦም ዝህቡን ቢቢሲ ዘዘራረቦምን ተወለድቲ ጉጂ፡ እዚ መንግስቲ ዝወሰዶ ውሳነ "ንሓደ ሕብረተሰብ ኣብሊፅካ ንካልኦት ንዕቀት ምርኣይ" ምዃኑ ይገልጹ።
ተወላዲ ጉጂ ዝዀነን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝምህርን እልፍነህ ኡዴሳ [ዶክተር]፡ "እዚ ውሳነ ንማሕበረሰብ ጉጂን ኣርሲንን ኣብ ግጭት ኣእትይዎም'ዩ" ይብል።
"ኣብ ኣርሲን ጉጂን ዝፍጸም ዘሎ እንተርኢና፡ እዚ ዞባ ተጣይሹ ክብሃል ከሎ፡ ነዞም ክልተ ዓሌታት ዝጎድእን ንማሕብረሰብ ቦራና ዝጠቅምን ተባሂሉ እዩ ተወሲዱ። ከምቲ ዝሰምዖ ሕብረተሰብ ሰንቢዱ ኣሎ። ሓዚኑ ኣሎ።”
እቲ ምሁር- እቲ ተቓውሞ ስዒቡ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ ድማ: ህዝቢ ዝያዳ ክጉሂ ከምዝገበረ ይዛረብ።
እቲ ሓድሽ ዞባ ክምስረት ከሎ፡ "እቲ ዝሰርሓሉ ኣገባብ ጌጋ እዩ ነይሩ፤ ነቲ ሕብረተሰብ ዘየሳተፈን ኣዝዩ ተሃዋኽ ዝተመልኦን" እዩ ይብል።
ዶክተር እልፍነህ፡ ኣሕዋት ሕብረተሰባት ንግርጭት መንገዲ ከምዝጸረገ ይዛረብ።
"ዋላ'ኳ ካብ መሬትና ወርቅን ዝተፈላለዩ ማዕድናትን እንተ ኣውጽኡ፡ ዝኾነ ትሕተ-ቅርጺ ኣይሰርሑልናን፡ ሕጂ ድማ ነዚ ውሳነ ዝወሰኑ ካብ ንዕቀት ተበጊሶም እዮም ዝብል ዓቢ ቅሬታ ኣሎ።"
'ቦረና ማእከል ባህሊ እያ'
ካብ ክልቲኡ ማሕበረሰባት ዝርከቡ ምሁራን፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ነገለ፡ ሕጂ ድማ ከተማ ነገለ ቦረና ተባሂላ ትፍለጥ ናቶም ምዃና ክገልፁ ፀኒሖም።
ነዊሕ ዘመናት ዘቑፀረ ስእልታት፡ ብሰበስልጣን መንግስትን ዝተጸሓፉ ደብዳቤታትን ኣፈ-ታሪኽ ሽማግለታትን ብምውካስ እዛ ከተማ ናይ መን ከም ዝነበረት ዝገልጽ ዛንታ ይነግሩ።
ኣይተ ጃተኒ ዲዳ፡ ምሁር ባህልን ታሪኽን ቦረና ኰይኑ ሓያሎ መጻሕፍቲ ኣሕቲሙ እዩ።
"ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኦሮምያን ዶብ ኣሎ። ናይ ሓባር መሬት ኣለና። እንተዀነ ከም ብሄርን ከም ዓሌትን ናይ ገዛእ ርእሱ መለለዪ ኣለዎ" ይብል እቲ ተመራማሪ።
ኣብዝሓ ዓሌት ቦሬና ከምዝነብሩሉ ብምጥቃስ "ብታሪኽ ይኹን ብባህሊ እታ ከተማ ናይ ቦረና እያ" ይብል።
ነገለ ቦረና: መሬት ሊበን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓቢ ስፍራ ዝርከበሉ ምዃኑ ይጠቅስ እቲ ተመራማሪ።
"ካብዚ ብተወሳኺ ሊበን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ጽውጽዋይ ክጥቀስ ጸኒሑ'ዩ" ክብል ይገልጽ።
ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ስርዓት ገዳ: ኣብ ቦረና "እቲ ከለቻ (ጥምጣም) ኣብ ሊበን ጥራይ እዩ ዝእሰር" ክብል እዚ ድማ ዓቢ ኣገዳስነት ከም ዝወሃቦ ዘርኢ ከም ዝዀነ ይሕብር።
ኣቶ ጃተኒ ወሲኹ: እዛ ከተማ ማእከል ፖለቲካዊ ምምሕዳር ህዝቢ ቦረና ምዃና ገሊጹ።
‘ቀርሳ ቢልቢሎ’
ኣብ ቀረባ እዋን ብመሰረት ውሳነ መንግስቲ መበል 21 ዞባ ኰይኑ ዝተጣየሸ ዞባ ምብራቕ ቦረና፡ እታ ንነዊሕ እዋን ብነገሌ እትፍለጥ ዝነበረት ከተማ፡ ሕጂ ነገለ ቦረና ተባሂላ ብምቕያራ እዩ፡ ምንጪ ተቓውሞ ኰይና ዘላ።
ሕብረተሰብ ጉጂ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስም እዛ ከተማ ነገሌ ከምዝነበረን ቅድም ክብል ግን ካልእ ስም ከምዝነበራን ይዛረቡ።
መምህር እልፍነህ ኡዴሳ [ዶ/ር] እዛ ከተማ ብዝተፈላለየ ኣስማት ትጽዋዕ ከምዝነበረት ብምጥቃስ ዝተፈላለዩ ዓሌታት [ቀቢላ] ዝነብሩላ ምንባራ የረድእ።
“ኣብዚ ከባቢ ዓሌታት ጉጂ፡ ኣርሲ፡ ቦረናን ሶማልን ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ስማ ቀርሳ ቢልቢሎ ይበሃል ነይሩ።"
ንሱ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ብዝተፈጠረ ጎንፂ እቲ ሕብረተሰብ ንፀገም ከምዝተቓልዐ ይገልጽ።
"እዞም ሰለስተ ዓሌታት ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ግጭት ደው ንምባል ብዕራይ ሓሪዶም፡ ዕርቂ ፈጢሮም ነታ ከተማ ነገሌ ኢሎም ሰይሞምዋ። ነገለ ማለት 'ሰላም’ ከም ማለት እዩ።”
እቲ ምሁር ወሲኹ፡ እቲ ቦታ ካብ ዘበነ ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣትሒዙ ብነገለ ይፍለጥ ከምዝነበረ ሓቢሩ።
ብድሕሪ'ዚ ኣብቲ ድሒሩ ዝነበረ ኣቃውማ ዞባታት ጉጂ፡ ቦረናን ካልኦት ወረዳታትን ተደሚሩ ከም ቦረና ከምዝመሓደር ታሪኽ ብምጥቃስ ይዛረቡ።
ብመሰረት እቲ ምሁር፡ እዚ ውሳነ እቲ ሕብረተሰብ ንምብታንን ንምምሕዳርን ዝሓለፉ መንግስታት ዝኽተልዎ ዝነበረ ተመሳሳሊ ጻዕሪ እዩ።
መፍትሒኡ እንታይ እዩ?
መንግስቲ’ቲ ክልል፡ መበል 21ን ሓዱሽ ዞባን ምምስራቱ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ እቲ ዞባ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕቶታት ልምዓት፡ ሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ዝምልስ ምዃኑ እዩ ተዛሪቡ።
ወሲኹ ድማ "ኣብ ከባቢ ዶብ ዝረአ ዘሎ ሕጊ ኣልቦነት ደው ንምባልን ጸገም ጸጥታ ንምፍታሕን" እቲ ዞባ ምምስራት ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ።
ሚልኬሳ ሚደጋ [ዶ/ር] ኣብ ጉዳይ ፌደራሊዝም ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ዘካየደ ምሁር እዩ። ንሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዘገልገሉ ኰይኑ፡ ሕጂ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እዩ ዝነብር።
እቲ ምሁር፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ ስርዓት ብትሪ ብምንቃፍ ይፍለጥ።
ሚልኬሳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ እታ ክልል ዝወሰዶ ውሳነ "ንረብሓ ህዝቢ ኣይኮነን። ብሓቂ ክርአ ከሎ እቲ ውሳነ ነቲ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ዘሎ ግጭት ዘጋድድ እዩ” ኢሉ።
መሬት ናይ ብሄርብሄረሰባት እዩ፤ ካብኡ ውርድ እንተኢሉ ድማ፡ ናይ ዓሌት [ቀቢላ] እዩ ዝኸውን ዝብል ቅዋም ኣለዎ።
"ነዚ ቦታ ብዘይ ድሌት ሕብረተሰብ ከም ድሌትካ ምግባር፡ ምልክነት'ዩ።"
እቲ ምሁር መፍትሒ ዝበሎ ክገልጽ እንከሎ፡"ከከም ድሌት ሕብረተሰብ ምስራሕ እዩ። ሕዚ ሕብረተሰብ እንታይ ይደሊ ኢልካ ምሕታት ይከኣል እዩ” ኢሉ።
ኣይተ ጃቴኒ ዲዳ ብወገኑ፤ ዝተፈላለዩ ብሄርብሄረሰባት ኢትዮጵያ ብስኒት ክነብሩ እንከለዉ "እዞም ኣሕዋት ዓሌታት ኣብ ጽልእን ግርጭትን ምእታዎም መርገም እዩ" ይብል።
እልፍነህ ኡዴሳ እውን መንግስቲ ነቲ "ህዝቢ ከይኣማኸረ ተሃዊኹ ዝተበፅሐ" ዝበሎ ውሳነ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ክኽልሶ ከምዘለዎ ርእይቶ ይህብ።
ወሲኹ ድማ "ናይ ቀረባ ኣሕዋት" ብምዃኖም፡ ዓበይቲ ዓዲ ክልቲኦም ማሕበረሰብ ተኣኪቦም ፍልልያቶም ክፈትሑ ይምዕድ።