ኣንትራክስ እንታይ እዩ? ማዕረ ክንደይ ከ ቀታሊ እዩ?

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዝተራእየ ለበዳታት ኣንትራክስ ኣመልኪቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እቲ ሕማም ዘለዎ መልክዕን፡ ማዕረ ክንደይ ቀታሊ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
ኣቲ ዞባ ዝርከባ ሓሙሽተ ሃገራት፡ ለበዳ ባክተርያ ሕማም ኣንትራክስ የጋጥመን ከምዘሎ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ እዩ ኣቃሊሑ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ኬንያ፣ ማላዊ፣ ዩጋንዳ፣ ዛምብያን ዚምባብወን ልዕሊ 1100 ጥርጡራት፣ 37 ዝተረጋገጹ ሰባትን 20 ምስቲ ሕማም ብዝዛመድ ዝሞቱ ሰባት ተመዝጊቡ’ሎ።
እቲ ሕማም ኣብተን ሃገራት ዓመት መጸ ዝርአ ወቕታዊ ለበዳታት ዝተኣሳሰር ምዃኑ እቲ ውድብ ወሲኹ ይሕብር።
ካብዘን ዝተጠቕሳ ሓሙሽተ ሃገራት፡ ዛምብያ እቲ ዝዓበየ ለበዳ ዝተመዝገበላ ሃገር ኰይና፡ ካብተን 10 ዞባታታ እተን ትሽዓተ ተጠቒዐን ኣለዋ። ብ20 ሕዳር፡ ኣብ ዛምብያ 684 ጥርጡራት፡ 25 ሰባት ዝተረጋገጸ መልከፍቲ ኣርባዕተ ድማ ሞት ከምዝረኸበ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ’ሎ።
ኣንትራክስ ንሰባት ዘለዎ ሳዕቤን እንታይ እዩ?
እዚ ሕማም ካብቲ 'ኣንትራኪስ' ዝበሃል ንከሰል [ፈሓም] ዝገልጽ ቃል ግሪኽ ስም ዝተዋህቦ ኰይኑ፡ እቲ ምስ ቈርበት ዝተኣሳሰር ዓሌት ናይቲ ሕማም፡ ኣብ ቈርበት ጸሊም ቁስሊ መሳሊ ክፈጥር ስለ ዝኽእል እዩ።
ኣንትራክስ ብቐንዱ ንእንስሳታት ዘጥቅዕ ኰይኑ፡ ሰባት ግን ምስቶም ዝተለኽፉ እንስሳታት ቀጥታዊ ምትንኻፍ ምስ ዝህልዎም ካብኦምን ፍርያቶም ምስ ዝምገቡ ክለከፉ ይኽእሉ።
እዚ ሕማም፡ ‘ባሲለስ ኣንትራሲስ’ ብዝበሃል ባክተሪያ ዝመጽእ ኰይኑ፡ ብቝስሊ ወይ ብዝተኸፍተ ነገር ናብ እንስሳ ቅድሚ ምእታዉ ንዓመታት ኣብ ሓመድ ተሓቢኡ ክነብር ይኽእል።
ሰለስተ ቀንዲ ምልክታት ሕማም ኣንትራክስ እንታይ እዮም?
ኣንትራክስ ካብዞም ሰለስተ ብሓዲኡ ክኽሰት ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ፤
- ቆርበት - ስኪን- ኣንትራክስ፤ እዚ ዓይነት ረኽሲ ብጨዳድ ቆርበት ኣቢሉ ዝስዕብ ኰይኑ፡ እቲ ዝውቱር ዓይነት ኰይኑ ብዙሕ ከቢድ ከምዘይኰነ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ቆርበት ሳሓ ብዝመስል ነገር ይጅምር እሞ ዕንፍሩር መሳሊ ይኸውን፣ ድሕሪኡ ድማ ጸሊም ግን ቃንዛ ዘይብሉ ቁስሊ ይፈጥር። ገለ ሰባት ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ሰዓልን ተምላስን ከስዕበሎም ይኽእል።
- ከስዐ -ጋስትሮ ኢንተስታይናል - ኣንትራክስ፤ እዚ ዓይነት ኣንትራክስ ክጅምር እንከሎ ልክዕ ዝተመረዘ መግቢ ከም ዝበላ’ዕካ ዓይነት ዝመሳሰል ምልክታት የርኢ። ጸኒሑ ግን እናገደደ ዝኸይድ ከቢድ ቃንዛ ከስዐ፡ ተምላስ ደምን ከቢድ ውጽኣትን ከስዕብ ይኽእል።
- እስትንፋስ - ፑልሞናሪ - ኣንትራክስ፤ እዚ እቲ ዝኸበደ ዓይነት ሕማም ኣንትራክስ ኰይኑ ፈለማ ከም ንቡር ሕማም ሰዓል ዝርአ ኰይኑ፡ ደሓር ግን ብቕልጡፍ ናብ ከቢድ ናይ ምስትንፋስ ጸገምን ካልእን ክሰጋገር ይኽእል።

ኣንትራክስ ማዕረ ክንደይ ቀታሊ እዩ?
በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ የድልዮም።
ኣንትራክስ ብጸረ-ነፍሳት ብፍላይ ድማ ብፔኒሲሊን ቀልጢፉ ስለዝሓዊ፡ ነዚ ሕማም ዝተቓልዑ ሰባት ‘ፕሮፊላክቲክ’ ሕክምና ክረኽቡ የድልዮም።እንተዀነ ዝተለኽፉ ሰባት ብቕልጡፍ ሕክምና ክጅምሩ ኣለዎም።
ኣንትራክስ ቈርበት ዝተለኽፉ ሰባት ሕክምና እንተዘይረኺቦም፡ ክሳብ 20 ሚእታዊት ከም ዝሞቱ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ ይሕብር። ይዅን እምበር፡ ግቡእ ሕክምና እንተረኺቡ፡ ዳርጋ ኵሎም ሕሙማት ክድሕኑ ይኽእሉ።
ጥረ ወይ ወይ ብግቡእ ዘይበሰለ ዝተለኽፈ ስጋ ብምብላዕ ዝፍጠር ናይ ከስዐ ኣንትራክስ፡ ብዙሕ ግዜ ቀታሊ እዩ። ብዘይ ሕክምና ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም እዚ ዓይነት ሕማም ዘጥቅዖም ሰባት ይሞቱ። ግቡእ ሕክምና እንተተገይሩሉ ግን 60 ሚእታዊት ካብቶም ሕሙማት ብህይወት ከም ዝተርፉ እቲ ኣሜሪካዊ ትካል ይገልጽ።
ኣንትራክስ እስትንፋስ ካብ ኵልም እቲ ሓደገኛን ቀታሊን ዝዀነ ዓይነት እዩ። ጽዑቕ ሕክምና እንተዘይረኺቡ እዚ ሕማም ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ቀታሊ እዩ። ኣብ ትሕቲ ሕክምና ግን ኣስታት 55 ሚእታዊት ሕሙማት ብህይወት ክተርፉ ከም ዝኽእሉ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ።
ኣንትራክስ ብኸመይ ናብ ኣጽዋር ይቕየር?
ባክተርያ ኣንትራክስ ብተፈጥሮ ስለዝርከብ፡ ኣብ ቤተ ፈተነ እውን ክፈሪ ስለዝኽእልን ኣብ ኣየር ንነዊሕ እዋን ክጸንሑ ስለዝኽእልን፡ ኣንትራክስ ብቐሊሉ ናብ ኣጽዋር ምቕያር ይከኣል እዩ ይብል ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ።
መስርሕ ክንክንን ምፍራይን ባክተሪያ ኣንትራክስ ንምጅማር ዝተራቐቑ መሳለጥያታት ባዮቴክኖሎጂ፡ ከምኡ’ውን መበቆላዊ ምንጪ ባክተርያ ምርካብ የድሊ።
ዝዀነ ሰብ ከየስተብሃለሎም ድማ ናብ ኣየር ክለቐቝ ይኽእሉ። እቶም ደቀቕቲ ብዓይኒ ዘይረኣዩ፡ ዘይድህሰሱን መቐረቶም ዘይልለን ታህዋስያን፡ ኣብ ሓርጭ መሳሊ፡ ስፕረይ፡ መግብን ማይን ኣትዮም ክዝርግሑ ይኽእሉ።
ኣብ 2001 ድሕሪ ዝተፈጸመ ፍሉጥ መጥቃዕቲ 11 መስከረም፡ ኣንትራክስ ከም ኣጽዋር ን ፖለቲከኛታትን ኣብያተ ጽሕፈት ሚድያን ኣመሪካ ንዝተወሰነ እዋናት ይለኣኽ ነይሩ እዩ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
